2010-11-04 15:36:24

ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ጉባኤ


ናይ ቤተ ክርስትያን ተልእኾ ብኅብረ ልሳን ዝብል ቅዉም ነገር ዘማእከለ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ካብ ዕለት 10 ሕዳር ክሳብ ዕለት 13 ሕዳር 2010 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ምዃኑ ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ሊቀ መንበር ብፁዕእ ኣቡነ ጃንፍራንኮ ራቫዚ ምስ ናይ ረገንስቡርግ ሊቀ ጳጳስን RealAudioMP3 ናይ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ምርምር መጽናዕቲ ዝሕተም ዘሎ ተኸታታሊ መጽሓፍ ኣሰናዳኢ ብፁዕ ኣቡነ ገራርድ ሉድዊግ ሚዩለር ተሰንዮም ብዛዕባ እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣመልኪቶም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ቤት ማኅተም ሕንፃ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፣ እቲ ናይቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣርእስቲ ናይ መራኸቢ ብዙሃንን ኣብ ቋንቋታት ዝውለዱ ዘለዉ ሓደስቲ ቃላት ዘቕርቦ ባህሊ ብጥልቂ ዝምርምር ምዃኑ ኣመልኪቶም።

እንጥቀመሎም ሓደስቲ ዝውለዱ ቃላት ብዙሕ ጊዜ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተርፍ ንገዛእ ርእሱ ዝውክል እናኾነን ብፍላይ ድማ ገለ ገለ ሓደስቲ ቓላት ድማ ኢግዳማዊ እናኾነ ዘየራኽብ ኮይኑ ከምዝተርፍን ስለዚህ እንጥቀመሎም ሓደስቲ ቓላት ኵላውነት ባህርይ ክህልዎም ንምሕጋዝ ዝመያየጥ ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ራቫዚ ገሊጾም፣ እንጥቅመሎም ቃላት ልክዕ ከምቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ ሓሙሽተ ካብ ፍቕዲ 13 ክሳብ 16 ዘሎ “ንስኻትኵም ንምድሪ ጨዉ ኢኹም፣ ጨው መቐረቱ እንተጥኤ ብምንታይ ይምቅር….ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃኑ ኢኹም….መብራህቲ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኬብርህ ኣብ በሪኽ መቕመጢኡ ተንብሮ እምበር ኣብ ትሕቲ ኸፈር ከተንብሮ ኣይተብርሆን ኢኻ፣ ናይ ዝብል ወንጌላዊ መርሕ ቃል ኣገባብ ናይ ርዓዊ ኣተሓሳስባ መሠረት ዝምራሕ ኽከውን ከምዘለዎ ዘነጽር ሓፈሻዊ ጉባኤ ምዃኑ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘመልከቱ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ዝዘርግሖ ምንጪ ዜና የመልክት።

ኣብ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ናይ መራኸቢ ብዙሓንን ሥነ ቋንቋን ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ዶክተር ሪቻርድ ሩሰ ብወገኖም፦ ቋንቋ ቤተ ክርስትያን ናይ ድሕነትን ምልዋጥን ቅድስናን ዝገልጽ ኢዩ። እዞም ቃላታ እዚኣቶም ንናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን ካህናትን ተመሃሮ ዘረኣ ክህነትን ጥራሕ ዘይኮነ ንዓለማዊ ምእመን እውን ብብቕዓት ንጹር ክኸውን ኣለዎ፣ ምእንቲ’ዚ እቲ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንቛንቋታት ቤተ ክርስትያን ኵላውነት መልክዑ ክነጽር መታን እዚ ንምፍጻም ዝሕግዝ መገዲ ዝሕንጽጽ ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ናይ ሥነ ጥበብን እምነትን ጉዳይ ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ፓስኳለ ያኮቦነ ብወገኖም፣ እምነት ክርስትናን ኣስፍትሆተ ወንጌል ብቓልን ከምኡ ድማ ብሥነ ጥበብን ዝተሰነየ ከምዝነበረን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ስዕልን ቅብእን ጥበብ እምነት ክርስትያን ብኸመይ ይገልጾ ከምዝነበረን በዚ ሞያ ተጠቂምካ እትፍጽሞ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብዚ እዋን ዝጥቕመሎም (ሥነ ቅብእን ሥነ ቅርጽን ስእል) ሓደስቲ ቋንቋታት ዝልለየሉ ዓውደ መጽናዕቲ ኢዩ እንክብሉ። ብፁዕ ጀራርድ ሉድዊግ ሚዩለር ብወገኖም እቲ መሰኻኽር ቃልን ኣገልገልቲ ናይቲ ኣብ ውሽጥዅም ዘሎ ሓጎስ ብዝብል ኣርእስቲ ተኸታታሊ ናይ ቅዱስ ኣቦና ቲዮሎጊያዊ፣ መንፈሳውን ሥነ ቅዱስ መጽሓፍ መጽናዕትታትን ምርምርምን ዘጠቓልል ዝሕተም ዘሎ መጽሓፍ ናይ ክርስቶስ ሓዲስ ቃል ኪዳን ኣብሰርቲ ክህልዎም ዝግብኦ እውነተይና ውዕዉዕ ስምዒትን ተራትዖን ዝተገልጸሎም ቃላት ዝምልከት ዓውደ መጽናዕቲ እውን ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ምኅተምን መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.