2010-11-03 14:38:06

ኅዳሴ ሱታፌን ኃላፍነትን ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ቤተ ክርስትያን


ኣብ ኢጣሊያ ከባቢ ሮም ኣብ እትርከብ ከተማ ሪሚኒ ናይ ኢጣሊያ ካቶሊክ ተኃድሶ ምንቕስቃስ ዝነቕቕሕ ብሔራዊ ኮሚቴ ብጠቕላላ 4 ሺሕ ተጋባእያን ዘጠቓለለ ኣነ ምሳኻን ምስ ኵሎምን RealAudioMP3 ኣገልጋሊ ኣሕዋት ኢየ ብዝብል ኣእርስቲ ተሰንዩ ከካይዶ ዝቐነየ መበል 34 ብሔራዊ ሓቆፍ ጉባኤ ቅድሚ ትማሊ ከምእተዛዘመ ተገሊጹ።

ብዛዕባ እዚ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይ ኢጣልያ ናይ ካቶሊክ ተኃድሶ ማኅበር ሊቀ መንበር ሳልቫቶረ ማርቲነዝ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ዝተኻየደ መበል 34 ጉባኤ ብመዳይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሓለፉ ፍጻሜታትን መደባትን ዝተራእዩ ተመክሮታት ምዕባለታትን ብምግምጋም ነቲ ካብ ውርሒ ጥሪ ናይ ተኃድሶ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝከታተሉ ኣካላት እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ብብፁዓን ጳጳሳት ኣቢላ እተቕርቦ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መሠረት ንምሕዳስን ክፍጸምን ዘለዎ ተግባር ከምዝተሓንጸጸን፣ ኩሉ ኣባል ማኅበር ተኃድሶ ካቶሊካዊ ክርስትያን መለለዪኡ ምንባርን ዳግም ምጽናዕን ኣገዳሲ ምዃኑ ዝተሓሳሰበን፣ ናይቲ ካቶሊካዊ ክርስትያን መለለዪ ኅልው ግንዛቤኡ ወትሩ ከይዝንጋዕ ኣብ ዝብል ጉዳይ እውን ዓሚዩቕ ኣስተምህሮን ኣስተንትኖን ከምዝቐረበ ኣመልኪቶም።

ከምቲ ኣብ ናይ ኢጣሊያ ካቶሊክ ምእመናን ማኅበራዊ ሰሙን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስን ዝበልዎን ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳሳ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ዘቃልሕዎን፣ ኣብ ቤተ ክርስትያን መንፈስ ተኃድሶን ብዅሉ መዳይ ቤተ ክርስትያናዊ ተኃድሶ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝገለጽዎ ሓሳብ ማእከል ዝግበረ መደብ ኅዳሴ ዝተሓንጸጸሉ ጉባኤ ኢዩ ኔሩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.