2010-11-03 14:34:56

ብናይ ላቲን ሥርዓት፣ መዓልቲ ኵሎም ቅዱሳን ዕለተ ኵሎም ሙታን


ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ቅድሚ ትማሊ መዓልቲ ኵሎም ቅዱሳን ኣኽቢራ ከምዝወዓለት እንክንገር፣ ቅዱሳት መጻሕፍትን ሰነዳትን ታሪኽን ጉባኤታት እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ከም ዘረጋግጾ፦ ኵሉ ንቕድስና ከምእተጸውዔ ዝብል ውሳኔ ቤተ ክርስትያን ኵሉ ነዚ ጸዋዕታ’ዚ ኣቃልቦ ኸገብርን ዕለታዊ ሕይወቱ ንቕድስና RealAudioMP3 እናማዕደዌ ክመርሕ እተተሓሳስበሉ ዕለት ምዃኑ እንክፍጥ፣ እዚ ዕላማ’ዚ ንምንቕቓሕ ሓቂኑ ኣብ 1947 ዓ.ም. እቶም ኣብ ከባቢ ሮማ ናይ እትርከብ ከተማ ቲቮሊ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጉሌልሞ ጃኲይንታ ገና ካህን እንከለዉ ዘቖምዎ ምእንቲ ቕድስና እተሰምየ፣ ኵሉ ክርስትያን ነዚ ጸዋዕታ ንቑሕ ኮይኑ ብምስትውዓል ንኽነብሮን ኵሉ ናይ ቅድስና ወንጌል ክቕበልን ብኣኡ መሠረት ድማ ክነብርን ወትሩ ጸሎትን መሠረት ዕለታዊ ናብራን ዕዮን ገይሩ ክነብሮን ከበስሮን ዘተባብዕ ናይ ካቶሊክ ምንቅስቃስ ንናይ ሮማ ጨንፈር ወኪል ተረዛ ካርቦኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ቤተ ክርስትያን ሕጹጽ ኣድላይነት ኣለዎ ቢላ እትኣምነሉን እትነግረሉን ብዛዕባኡ ዓቢ ግምት ብምሃብ እትዋፈረሉ ዘላ ናይ ወዲ ሰብ መነባብሮን ብሓፈሻኡ ጠቕላላ ኅልውናኡ ዝትንክፍ እዚ ድማ ዘዕግብን ብቑዕን ርትዕን ጽምኣትን ድላይ ሓቀይና ፍቕርን፣ ሓረርታ ፍልጠትን፣ ሓቀይና ነጻነትን ዝብሉ ምዃናውነቱ ሓቆፍ፣ ጉዳይ መደብ ሕንጸት ክኸውን እንከሎ፣ ኣዚ ኹሉ ንቕድስና ከምእተጸውዔ ዘተሓሳስብ ማለት፣ ቅዱስ ሓቀይናን ምሉእ ሰብ ኰይንካ ምንባር ማለት ምዃኑ ዘረጋግጽ ክኸውን እንከሎ፣ ነቲ ሓቀይና ሰብኣውነት ዘልስብ ወንጌላዊ ብፅዕና ሓባሪ ምዃን ኢዩ ኢለን።

ቅድስና ምስ ገዛእ ሕይወትና ሓቀይና ርክብ መሥሪትና ንኽንነብርን ኣባና ውሽጢ ዘሎ ኣሰር እግዚኣብሔር ምልላይን ምሳኡ ዝሰማማዕ ሕይወት ምንባር ማለት ኢዩ። ወዲ ሰብ ምስ ገዛእ ርእሱ ንኽራኸብን ገዛእ ርእሱ ከፍቅርን ንኽፍቀር ዝፍፈቅድን፣ ካብ ልቢ እግዚኣብሔር ዝምንጭ ጽባቔን ለውሃትን ንኽነብርን ክምስክርን ገዛእ ርእሱን ብጻዩን ብዓይኒ እግዚኣብሔር ክጥምትን ኢዩ ተጸዊዑ። ስለዚህ ነዚ ዓይነት ሕይወት ዕለት ብዕለት ክነብር ዝተጸውዔ ምዃኑ ቤተ ክርስትያን እተተሓሳስበሉ ዓቢ በዓል ኢዩ ኢለን።

ንቕድስና ዝግበር ጉዕዞ ጽንኵር ዝገብሮ ኣቲ ምስ ሓቀይና ሰብኣዊ ምዃንናን ኣብ ውሽጥና ዘሎ ኣሰር እግዚኣብሔር / ነገር ሰገር እንነብሮ ዝጻረር ሕይወት ኢዩ። ንገዛእ ርእስና ንምሕሳብ እንኽተሎ፣ ካብቲ እውነተይና ንገዛእ ርእስና ንምሕሳብ ክንኽተሎ ዝግበኣና መገዲ ዘብኩረና ኣነነት ዘማእከለ ስሰዔን ንኣይነትን ዝብል ዓለም ካብ ዘቕርበልና መገዲ ክንርሕቕ ይግባእ፣ ብዙሕ ግዜ ካብቲ ኣነነት ዘማእክል ግዚያዊ ደስታ ዝቕርበልና መገዲ፣ ነቲ ገዛእ ርእስና ብእውነት ንኸነፍቅር ዝተጸዋዕና ምዃንና ዝጻረር ኢዩ። ስለዚህ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ገዛእ ርእስኻ ምፍቃር ዓይነት ናጻ ወጺእና፣ ገዛእ ርእስና ብሓቂ ከነፍቅርን ገዛእ ርእሱ ብእውነት ዘፍቅር ብጻዩ ብእውነት ከፍቅር ዝኽእል ኢዩ። ነዚ ዅሉ ዘተባብዕ ኣብ ሓቀይና ናይ ሕይወት ክብሪ ዝቐውም መደብ ሕንጸት ኣዚዩ ወሳኒ ኢዩ። ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ኣብ ሓቀይና ናይ ሕይወት ክብሪ ዝቖመ ሕይወት ንኽንነብር ዝድግፍ መደብ ሕንጸት ወሳኒ ኢዩ። ጎዕዞ ቕድስና ጽንኵር እንተኾነ’ኳ ዝምስጥን ውዕዉዕ ስምዒት ዘነቓቕሕ ኢዩ፣ ስለዚህ ምንባሩንን ምስዓቡን ዝበለጸ ኢዩ እንክብላ ዝሃብኦ ቃለ ምልልስ ደምደማ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብናይ ላቲን ሥርዓት ባህረ ሓሳብ መሠረት እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ኵሎም ካብዚ ዓለም ብሞት ንዝተፈለዩ ብኵላውነት ደረጃ እትዝክረሉ ዕለት ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝርከብ መቓብር ብፁዓን ርእሳነ ሊቃነ ጳጳሳት በጺሖም ምእንቲ ኵሎም ዝሓለፉ ርእሳነ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ሕሊና ጸሎት ከምዘዕረጉን በዛ ዕለት ምኽንያት እውን ኣብ ሮማ ቨራኖ መቓብር ሥፍራ ኣብ ዝርከብ ቤት ጸሎት ናይ ሮማ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ቫሊኒ ንዝኽሪ ኵሎም ሙታን መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.