2010-10-30 15:50:11

እምነትን ስነ ጥበብን ስድራ ቤትን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዕለት 6 ሕዳር ክሳብ 7 ሕዳር ሳንቲያጎ ደ ኮምፖስተላ ቅዱስ ዓመት ኢዮቤልን ኣብ ባርቸሎና ቅዱስቲ ሥድራ ቤት ቅዱስ ሥፍራ ንኽባርዅ ኣብ ስፐይን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከፍልጥ፣ እዚ ቅዱስነቶም ኣብ ስፐይን ንኻልኣይ ጊዜ RealAudioMP3 ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መበል 18 ዓለም ለኸ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ማኅተም ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረድዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣመልኪቶም፣ እቲ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና እምነትን ስነ ጥበብን ሥድራ ቤትን ዘማእከለ ምዃኑ ሓቢሮም።

እቲ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፣ ግብረ ኖልዎ ትርጉም ዘለዎን ቅዱስነቶም ምስቶም ናብቲ ናይቲ ሓዋርያ ያዕቆብ ቅዱስ መቓብር ንምብጻሕ ምስ ዝነግዱ ነጋዳይ ኮይኖም፣ሓደ ካብቶም መንፈሳውያን ነጋዶ ኮይኖም ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኢዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስነቶም ኣብ ሳንቲያጎ ደ ኮምፖስቴላን ባርቸሎናን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክፍጽሙ ፍለማን ብዙሕ ሃረር ዝብልዎ ምዃኑ ኣባ ሎምባርዲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣመልኪቶም።

ቅዱስ ትሩፋት ሓዋርያ ያዕቆም ዝተነብረሉ ናይቲ ብስሙ ዝጽዋዕ ቅዱስ ሥፍራ ዓመት ኢዮቤል ብምዃኑ በዚ ምኽንያት ቅዱስነቶም ኣብ ሳንቲያጎ ደ ኮምፖስተላን ቀጺሎም ኣብ ባርቸሎና ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እምነትን ሥነ ጥበብን ዘማእከለ ከምዝኸውን ገሊጾም። ቀባኢ ናይ ሥነ ጥበብ በዓል ሙያ ብፅእና ንኽእወጀሎም ታሪኽ ክርስትያናውን ሰብኣውን መሠረት ወግዓዊ መጽናዕቲ ዝግበረሎም ዘሎ ጋውዲ ሓዲጎምዎ ዝሓለፉ ዓቢይ ተደናቕነት ዘለዎም ናይ ስእልን ቅብእን ሥራሕን ከምኡ ድማ እቲ ናይ ቅብኢ ናይ ሥነ ጥበብ ሥርሖም ንናይ ክርስትና ሕይወት ኣብነት ተባሂሉ ዝንገረሉ ብቐረባ ክበጽሑን ቤተ መቕደስ ቅድስቲ ሥድራ ቤት ክባርዅን ምዃኖም ኣባ ሎምባርዲ ብምምልካት፣ ናይ ሥነ ቅብኢ ሙያተይና ጋውዲ ብናይ ሥነ ጥበብ ሥራሑ ኣብ ሊጡርጊያን ቅዱስ መጽሓፍን ዘለዎ ዓሚዩቕ ርድኢት ዝምስክርን ኣብ ምሥጢር ቤተ ክርስትያንን ኅላዌ እግዚኣብሔርን ዘተኮረን ኢዩ ምስ በሉ፣ እቲ ምብጻሕ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘተኮረ እውን እንተኾነ፣ ምስ ናይ ስፐይን ንጉሣን ቤተ ሰብን ምስ መራሔ መንግሥቲ ዛፓተሮን ምስቶም ናይ ውሁዳን ተቓዋሚ ናይ ፖሊቲካ ሰልፊ መራሒ ራኾዩ ክራኸቡ ምዃኖም ኣባ ሎምባርዲ ኣመልኪቶም ዝሃብዎ መግለጺ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.