2010-10-30 15:51:04

መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናብ ክሮኣዚያ


ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ 2011 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ክሮኣዚያ ቀዳማይ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ዛጋብሪያ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ጆሲፕ ቦዛኒቺ ትማሊ RealAudioMP3 ንጎሆ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘመልከቱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ብፅዕ ካርዲናል ቦዛኒች ምስ ናይ ሃገሮም ርእሰ ብሔር ኢቮ ጆሲፖቪች ዘካየድዎ ወግዓዊ ርክብ ፍጻሜ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ርክብ መሠረት ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝጠቐሰ ኢካ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዝሃቦ ምንጪ ዜና ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘሰናድው ካብ ናይ ክሮኣዚያ ናይ ፕሬዝደንት ናይ ቀረባ ተሓባበርትን ካብ ናይ ክሮኣዚያ መንግሥትን ካብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ክሮኣዚያን፣ ዝተዋጽኡ ኣካላት ዝሓቁፍ ድርገት ከምዝተመዘ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.