2010-10-28 15:24:02

ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ክብርን ኣድላዪ ግደን ኣለዋ


ነዙይ ዝበሉ ትማሊ ኣብ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 እዮም። ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ትማሊ ኣስተምህሮኦም ብዛዕባ ኣብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ኣብነት ሰብ ሓዳርን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ቅድስናን ዝኾነት ቅድስት ብርጅት በዓልቲ እስዊደን ብሰፊሑ ድሕሪ ምቅራብ ኣብዚ ሳልስቲ እዚ ሱናሚ ብዝበሃል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዘስ ዕቦ ብርቱዕ ማዕበል ሕይወት ል ዕሊ ሠለስተ ሚ እቲ ሰባት ዘጥፈኤ ብዙሓት ዓድታት ብምድምሳስ ብዙሓት ሰባት መዋድቆኦም ከምዘይተፈልጠ ዝገበረን ኣብ ር እሲኡ ከኣ እሳተ ጎመራ ብዘስ ዓቦ ዕንወት ዝሥቃዩ ንዘለው ሕዝቢ ኢንዶነሽያ ከማኡ እውን ብሶሙኑ ብምዕልቅላቅ ማይ ካብ ቤት ንብረቶም ተበታቲኖም ዝሳቀዩ ንዘለው ሕዝቢ ማሊ ብጸሎትን ብመንፈስን ልቦም ምሳኦም ከምዘሎ ብምግላጽ ቡራኬኦም ንኹሎም ከምዝሰዱ ኣፍሊጦም፤ ማኅበረሰብ ዓለም ከኣ ሥቃይ ናይዚ ሕዝቢ እዚ ንምሕጻር ዝተኻእሎ ክገብር ሓደራ ቢሎም።

ብዛዕባ ቅድስት ብሪጅት ኣብ ዝሃብዎ ሰፊሕ ኣስተምህሮ፤ ቅድስት ብሪጂት መጀመርያ በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ሾመንተ ቈልዑን ቀጺላ መበለት ኣብ መጨረሻ ባሕታዊትን ቅድስትን ጠበቃን ሓላዊትን ኤውሮጳ ምዃና ገሊጾም። ንኹሉ በብሓደ እንክዝርዝሩ ጉዕዞ ሕይወት ክርስትና እትነብረሉ ጸዋዕታ ብዘየገድስ መንገዲ ፍጽምናን ቅድስናን ክኸውን ከምዝኽእል ንምግላጽ እዩ። ሕይወት ሓዳር ይኹን ሕይወት ምንኲስና ኩሉ ናብ ቅድስና ከብጽሓና ይኽ እል። ቅድስት ብሪጅት ዝተወልደትሉ ሃገር እስዊደን ኢዩ፤ እቲ ዓዲ 300 ዓመት ቅድሚ ልደታ ኢዩ ክርስትና ተቀቢሉ፤ ንሳ ብ1303 ተወሊዳ፤ በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ሾመንተ ቈልዑን ኣብነታዊት ኣደን መራሒት ህዱእን ሰላማውን ነባርን ቃል ኪዳን ማለት ክሳብ ድሕሪ 28 ዓመት ናይ ቃልኪዳኖም ብምኽርታት ወንጌል ተመሪሓ።

ቅድስት ብሪጅት ኣብ መንፈሳዊ ጒዕዞኣ ብሓደ ዓቢ ገዳማዊ ሊቅ ትምራሕ ነራ፤ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቅ ጌራ ኣጽኒዓ፤ ሳላ መጽናዕትን ኣስተንትኖን ቅዱስ መጽሓፍ ቤቶም ንእሽቶ ቤተ ክርስትያን ኮይና፤ እዚ ቀዳማይ ገጽ ናይ ሕይወት ቅድስት ብሪጂት መንፈሳውነት ሕይወት ሰብ ሓዳር ብምሥጢረ ተክሊል ተደጊፉ ከመይ ቢሉ ናብ ቅድስናን ፍጽምናን ከምዝበጽሕ የርኢ፤ ብዙሕ ደኣ ኣይኮነን እምበር ሎሚ እውን ከምዚ ዚኣመሰለ ኣብነታዊ ቅዱስን ንጹሕን ሕይወት ተክሊል ኣሎ እንክብሉ ንኩሉ ኣብነት ዝኸውን ብሕልፊ ኸኣ ንሰብ ሓዳር ብሓባር ናብ ቅድስና ክትበጽሕ ከምዝከኣል ኣመልኪቶም። እዚ መንፈስ እዚ ሎሚውን ኣብ ል ዕሊ ብዙሓት ሰብ ሓዳር ክፈስ ስ ምንዮቶም ገሊጾም።

ብ1341 ዓም በዓል ቤታ ምስ ሞተ ንሕይወት ዓለም ቶባ ቢላ ብጸሎትን ሰቂለ ኅልናን ምስ ኣማላኻ ተወሃሃደት፤ መሠረት መንፈሳውነታ ዝኾኑ ሕማማት ክርስቶስ ብዙሕ መልዕልተ ባህርያዊ ግልጸት ከምትረክብ ገርዋ፤ እዚ ተውህቦ እዚ ንኣገልግሎት ቤተ ክርስትያን ምዃኑ ይርዳኣ ነሩ።

ስለዝኾነ ኸኣ ንግደት ናብ ሮማ ቅድስት መሬት እናገበረት ነዚ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ከተዕብዮ ክኢላ፤ ክልተ ገዳማት ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከፈተት። እዚ ከኣ ኣብ ባህሊ ክርስትያን ንግሥተ ሓዋርያት ናይ ዝኾነት እኖና ድንግል ማርያም ኣብነት ካብ ምስዓብ ዝቀውም ምስ መዓርገ ክህነት ዘይጋጠም ናተን ዝኾነ ክብሪ ከምዘለወንን ኣድላዪ እጃም ከምዘበርክታን የመልክት እንክብሉ ታሪኽ ቅድስት ብሪጂት ቦታ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ክሳብ ክንደይ ክቡርን ኣድላይን ምዃኑ ኣብሪሆም።







All the contents on this site are copyrighted ©.