2010-10-28 16:47:17

ታረቅ ዓዚዝ ንሞት ተፈሪዶም ፡




አብ ዒራቅ ብግዜ ምልካዊ ምሕደራ ፕረሲደንተ ሳዳም ሑሴን ምክትል ፕረሲደንት ዝነበሩ ታሪቅ ዓዚዝዝ ብላዕላውያ ቤት ፍርዲ ዒራቅ ከምታ መላኺ አምባገነን ዝትሞትዋ ብማሕቅነቲ ከቅተሉ ከም ዝፈረዶም ተፈሊጡ አሎ።

ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ”ዚ ጉዳይ”ዚ ብአቀባሊ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ አቢላ ዘውጽአቶ ውግዓዊ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ፡ ብመሠረቱ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብሞት ምቅጻዕ ከምዘይትድግፎን ህዝቢ ዒራቅ ዘሕለፎን ዘሕልፎ ዘሎን ስቃይ አብ ግምት ብምእታው ምእንቲ ሀገራዊ ዕርቅን ፍትሕን ከኽሰት እዚ አብ ልዕሊ ታሪቅ ዓዚዝ ተሐኒቆም ክቅተሉ ብማለት ዝሐለፈ ብያኔ ክግታእ ትደሊን ተስፋ ትገብርን ።

እዚ ብያኔ”ዚ አብ ግብሪ ምእንቲ ከይውዕል ቅድስቲ መንበር ማለት ቫቲካን ብዘለዋ ዲፕሎምሳያዊ መስመር ምስ መንግስቲ ዒራቅ ብምርኻብ ከም ትዋሳእ አቀባሊ ቃል ቅድስት መንበር አባ ፈደሪኮ ሎማባርዲ ካብ ዝሀብዎ መግለጺ ንምርዳእ ተኻኢሉ አሎ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዒራቅ እቲ አብ ልዕሊ ታሪቅ ዓዚዝ ብላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ዝሐለፈ ብይን ክግታእ ከም ዘተሐሳሰቡ ካብ ባቅዳድ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።

በዚ ዜና”ዚ መሠረት ብሞት ምቅጻዕ ነቲ ህዝቢ ዒራቅ ቅድሚ ሎሚ ይኹን ቅድም ዘሕለፎ ስቃይን መከራን ክፍውስ ከም ዘይክእል ጳጳሳት ዒራቅ ዘውጽእዎ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ ።

እቲ ዝሐለፈ ምልካዊን ጨቋንን ምሕደራ ሳዳም ሑሴን አብ ልዒሊ ህዝቢ ዒራቅ ዘውረዶ ግፍዕን ቅትለትን መከራን አብ ቦትኡ ኮይኑ ፡ አብ ዒራቅ ሀገራዊ ዕርቂን ፍትሕን ርትዕን ሰላምን አብ ዝድለየሉ ዘሎ ግዜ ብሞት ምቅጻዕ ነቲ ዝድለ ዘሎ ሰላም ዝሕግዝ ከም ዘይኮነ እቲ መግለጺ ከም ዘገንዘበ እቲ ዜና አመልኪቱ።

እቲ አብ ምሉእ ዓለም ብሞት ምቅጻዕ ክተርፍ ዘሕለል መቅጻዕቲ ዘካይድ ዘሎ ማሕበረ ሰብ ቅዱስ ኤጂድዮ ውሃቢ ቃል ማርዮ ማራጺቲ ከም ዘመልከትዎ፡ ብዙሐት ሀገራት ዓለም ብሞት ምቅጻዕ ሰብአዊነት አልቦ ከም ዝኾነ ብምርዳእ ብንሕልፈት ምእሳር ይቅይርኦ ከም ዘለዋ ብምዝኽካር ፡ አብ ዒራቅ ሀገራዊ ዕርቂ ክግበር ህዝቢ ሰብአዊን ዜጋውን ዲሞክራስያውን መሰለቱ ክዕቀበሉ አብ መስርሕ ስለ ዘላ እዚ አብ ልዕሊ ታሪቅ ዓዚዝ ዝተወሰነ መቅጻዕቲ ክግታእ ይግባእ ።

ብግዜ ምልካውን ጨቋንን ጨካንን ምሕደራ ሳዳም ሑሴን አብ ሥልጣን ዝነበሩ ሰበስልጣናት ዒራቅ ዝበዝሑ ዝተባህሎም ዝፍጽሙ ድአምበር ናይ ገዛእ ርእሶም ሐሰባት ከቅርቡ ወይ ክአ ርእይቶ ክህቡ ይኽእሉ ከም ዘይነበሩን ምኽትል ፕረሲደንት ዝነበሩ ታሪቅ ዓዚዝ ሕደ ካብቶ ዝተባህሎም ዝፍጽሙ ከም ዝነበሩ ብዙሐት ዜጋታት ዒራቅ ዝግንዘብዎ ጉዳይ ከም ዝኾነ ናይ ማሕበር ቅዱስ ኤጂድዮ አቀባሊ ቃል ማርዮ ማራጺቲ ቃለ ምልልስ አን ዝግበረሉ ግዜ አመልኪቶም።

መላኺ አምባገነን ሳዳም ሑሴን ብ2006 ብማሕነቅቲ ከም ዝተቀትሉ ዝዝከር ኢዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ አብ ልዕሊ ታሪቅ ዓዚዝ ብሞት ክቅጽዑ ዝተወሰነ ብያኔ ከምዘይድግፎ አብ ብሩሰል ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ።

ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ፓሊቲካ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ሐላፊ ካትሪን አሽቶን መንግስቲ ዒራቅ ነዚ ብያኔ”ዚ ክገትኦ ብወግዒ ከም ዝሐታ አብ ብሩሰል መግለጺ ከም ዝሀባ አብ ብሩሰል ዝወጸ መግለጺ አገንዚቡ።

አብ ሰብአዊ ርሕራሔ ብምምርኳስ መንግስቲ ዒራቅ ነቲ ብያኔ ሞት ክእግድ ሚኒስትሪ ወጽኢ ጉዳይ ሚኒስቴር ራሽያ ንመንግስቲ ዒራቅ ከም ዝሐተተ አገልግሎት ዜና ኢታር ታስ አብ ሞስኮ አመልኪቱ ።

ሰብዓን አርባዕተን ዝዕድምኦም ታሪቅ ዓዚዝ ብከቢድ ሕማም ይሳቀዩ ከም ዘለዉ እቲ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ራሽያ ከም ዘዘኻኸረ አገልግሎት ዜና ኢታር ታስ አገንዚቡ ።

ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ብ2003 ንዒራቅ አብ ዝወረረትሉ ግዜ መንግስቲ ራሽያ ብርቱዕ ተቃውሞ ከም ዝስምዔት ክአ እቲ አገልግሎት ዜና አዘኻኺሩ።

ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ አምሪካ ውሃቢ ቃል ፒ.ጀይ. ክሮውሊ አብ ልዕሊ ታሪቅ ዓዚዝ አብ ሕጊ መንግስቲ ዒራቅ መሠረት ዝገበረ ሕጋዊ መስርሕ ፍርዲ ከም ዝተኻየደ ጠቂሶም ናይ መወዳእታ ውሳኔ ናይ መንግስቲ ዒራቅ ከም ዝኾነ መግለጺ ከም ዝሐቡ ካብ ኒውዮርክ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።

አብ መወዳእታ ናይ ባይቶ ሕቡራት መንግስታ ውሃቢ ቃል ማርቲን ነሲሪ ባይቶ ብሞት ምቅጻዕ ከም ዘይትድግፍ አዘኻኪሮም እቲ አብ ልዕሊ ታሪቅ ዓዚዝ ዝተወሰነ ብይን ከም ትቃወም ሐበሬታ ከም ዝሀቡ ካብ ኒውዮርክ ዝመጸ ዜና እገንዚቡ።

አብ ዒራቅ ህውከትን ግጭቲ ይቅጽል ከም ዘሎ ካብ ባግቅዳድ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ አሎ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.