2010-10-26 12:54:07

እግዚአብሔር ዘይተሓወሶ/ጉዳይ ታሪኽ የለን፤


ኣብ ከተማ ሮማ ንዝኽሪ ሓምሳ ዓመት ዕረፍቲ ህቡብ ትምህርቲ ንባበ መለኮታዊ ሊቅ ኤሪክ ፐተርሰን ንምዝካር ካብ ብዙሓት ጳጳሳውያን መካነ ጥበባት ሮማ ዝተሳተፍዎ ናይ ሠለስተ መዓልቲ ዓውዲ መጽናዕቲ ተኻዪዱ፤ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ቅድሚ ትማሊ ተጀሚሩ ሎሚ ኸኣ ተፈጺሙ። ተሳተፍቲ ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ትማሊ ምስ ቅዱስ ኣቦና ተራኺቦም ነሮም።

ኤሪክ ፐተርሰን ዓሌቱ ጀርመን ኮይኑ ወለዱ ግን ካብ ፈረንሳን ስዊደንን ኢዮም፤ መጀመርያ ኣባል ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ከንሻ ነበረ ድሕሪ ብዙሕ መጽናዕትን ኣስተንትኖን ግን ብ1930 ካቶሊክ ኮነ።

ኣብ ሃምበርግ ብ1890 ተውሊዱ ኣብኣ ከኣ ብ1960 ዓሪፉ። ጽሑፋቱ ቲዮሎጂሸ ትራክታተ (ናይ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ሓተታ) ብዝብል ኣርእስቲ ካብ 1951 ክሳብ 1994 ዝተኣከበ ወርቃዊ መዛግብቲ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ ጽሑፋት እዚ ብፍሉይ መንገዲ ኣብ መንጎ ሊቃውንቲ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ብሕይወቱ ከሎ ይኹን ድሕሪ ሞቱ ንነዊሕ ዓመታት ተረሲዑ ነይሩ፤ ደሓር ግን ኣብ ቶሪኖ ተዓቊሩ ዝነበረ ጽሑፋቱ ክረኤ ምስ ጀመረ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ንባበ መለኮት መወዳድርቲ ኣልቦ ኣበርክቶ ገሩ ከምዝነበረ በብቁሩብ ክግለጽ ጀሚሩ፤ ኣብ ልዕሊ ናይ ካርል ባርት፤ ኤርነስት ከዝማን፤ ሃይንሪች ሽላየር፤ ጆዘፍ ራዚንገር፤ ዣን ዳኔሉ፤ ዩቨስ ኮንጋር ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሊቃውንቲ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ዝጸሓፎ ሓተታ ብዙሕ ኣስተዋጽኦ ዘለዎ ምዃኑ ምስ ተፈልጠ ኩሉ ጽሑፋቱ ካብ ቋንቋ ጀርመን ናብ ቋንቋ እንግሊዝ፤ጣልያን፤ፈረንሳ፤ስፓኒሽ ተተርጒሙ።

ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሊቃውንቲ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ዝተፈላለየ መንገዲ ዝኽተሉ ነበሩ፤ ንኣብነት ኣዶልፍ ፎን ሓርናክ ፍኑው ወይ ነጻ ትምህርቲ ንባበ መለኮት እንክብል ካርል ባርት ግን መጎታዊ ወይ ድያለክቲካል ትምህርተ ንባበ መለኮት የደንፍዑ ነሮም፤ ኤሪክ ፐተርሶን ብ1925 ቫስ ኢስት ቲዮሎጂ ማለት ትምህርቲ ንባበ መልኮት እንታይ ኢዩ፤ ከማኡ እውን ብ1928/29 ዲ ኪርሸ ማለት ቤተ ክርስትያን ዝብል ጽሑፋት ብምድራስ ሥልጣን ቤተ ክርስትያን ኣብ ዶግማን ትምህርታን ተኸላኸለ፤ ሓሳባቱ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ትምህርቲ ንባበ መለኮት ዝድግፍ ነበረ: ብ1930 ናብ ሃይማኖት ክትልኽና ኣተወ፤ ካብ 1933 ክሳብ ቁሩብ ዓመታት ቅድሚ ሞቱ ኣብ ሮማ ነበረ፤ ብ1937 ኣብ ጳጳሳዊ ተቅዋም ሥነ ጥንቲ ክርስትና ብምምሃር ጀሚሩ ታሪኽ ኣበውን ቤተ ክርስትያንን ብምጽናዕ ብዙሕ ጽሑፋት ኣበርኪቱ፤ ብሕልፊ ካብ 1932 ክሳብ 1948 ምስ መጽሔት ኤፈመሪደስ ሊቱርጂከ ብምትሕብባር ብዙሕ ንትምህርቲ ንባበ መለኮት ዝርኢ ጽሒፉ። ነዚ ኣስተዋጽኦ እዚ ብምዝካር ኢዮም እምበኣር ብዙሓት ግዱሳት ናይ ጳጳሳዊ መካነ ጥበባት ነዚ ናይ ሠለስተ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዘሰናደው።

ተሳተፍቲ ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ትማሊ ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ዝተራኸቡሉ ግዜ፤ ቅዱስ ኣቦና ብርቱዕ ጉዕዞ ኤሪክ ፐተርሰን ብምዝካር ኣብ ምሉእ ሕይወቱ ዝግብኦ ሥፍራ ከይረኸበ ዝሓለፈ፤ ኣብቲ ንሱ ዝነበሮ ግዜ ንዝነበረ ዝተጠናነገ ርእይቶታት ሊቃውንቲ ትምህርቲ ንባበ መለኮት በጣጢሱ ንምሕላፍ ምስ ታሪኽ ሃይማኖት ንዝተታሓሓዙ ነጥብታት ኣዳቂቁ ዘጽንዔ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ኣብሪሆም።

መጠን ምሳኡ ዝተጓዓዝካ መጠኑ እግዚኣብሔር ዘይብሉ ታሪኽ ከምዘየሎ ትርዳእ፤ ኣብዚ ታሪኽ እዚ ኸኣ ቤተ ክርስትያን ፍሉይ ቦታን ትርጉምን ይህልዋ፤ ዝበሎ ክጠቅስ፤ ናይ ቤተ ክርስትያን ምህላውን ብፍሉይ መንገዲ ክትቀውም ከምዘለዋን ብትምህርቲ ንባበ መለኮት ምስ ዝውሰን ታሪኽ ከም ትተኣሳሰር የመልክት፤ ቤተ ክርስትያን ንደቂ ሰባት ካብ ውሱንን ግላውን ህላዌ ናብ ዓለምለኻዊ ማኅበር ዘሰጋግር ተልእኾ ካብ እግዚአብሔር ትቅበል፤ እዚ ኸኣ ካብ ባህርያዊ ናብ መልዕልተ ባህርያዊ ካብ ግዝያዊ ኣብ መወዳእታ ዓለም ናብ ምልኣት የሰጋግር። ቢሎም።

ካብዚ ብምቅጻል ቅዱስነቶም ኤሪክ ፐተርሰን ብዛዕባ ቅዱስ መጽሓፍን ኣብ ባህሊ ቤተ ክርስትያን ተመስሪቱ ዝገብሮ ቀጻሊ ተሓዲሶን ብኸምዚ ዚስዕብ ጠቂሶም። ‘ምስክርነት ቅዱስ መጽሓፍ ብኣቡናት ኣብ ቤተ ክርስትያን ይነብር፤ እዚ ከኣ መሠረት እምነት ሃይማኖት ንምስራጽ ኩሉ ግዜ ብቤተ ክርስትያን ይወሃብ፤ ነዚ ልዕሊ ኩሉ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖትን ዓንቀጸ ሃይማኖት ቤተ ክርስትያንን ንረኽቦ። እዚኦም ከኣ ኣብቲ ንኽብሪ እግዚአብሔር ብቤተ ክርስትያን ኣብ ዝፍጸም ሥርዓተ ኣምልኾ ይግለጽ። በዚ መሠረት እዚ እቲ ኣብዚ ምድሪ እዚ እንሠርዖ ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ብዘይባተኽ ምትእስሳር ምስቲ ናይ ሰማያዊ ኢየሩሳሌም ይራኸብ። ኣብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም እቲ ሓቀኛን ዘለዓለማውን መሥዋዕቲ ንኽብሪ እግዚአብሔርን እቲ በግዕን ይሥዋዕ፤ ምድራዊ መሥዋዕተ ቅዳሴ ናይዚ ኣምሳል ኢዩ፤ ኣብዚ ምድሪ እዚ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዚሳተፍ ኣብ ኣፋፌት መንግሥተ ሰማይ ይቀውም፤’ እንክብሉ ዓሚቊ ትምህርቲ ኤሪክ ፐተርሰን ዘርዚሮም።

ቅዱስነቶም ድሕሪት ምልስ ቢሎም ገና መንእሰይ ቆሞስ እንከለው ካብ ጽሑፋት ኤሪክ ፐተርሰን ‘ሓተታ ትምህርቲ ንባበ መለኮት’ ዘርእስታ ምስ ኣንበብኩ እቲ ዝደልዮ ዝነበርኩ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ረኺበ ቢሎም።
ኤሪክ ፐተርሰን ይብሉ ቅዱስነቶም ካብ ክልቲኦም ወገናት ማለት ወንጌላውያን ከንሻን ካቶሊኽን ሊቃውንቲ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ተገሊሉ ነበረ፤ ሎሚ ግን ንኽልቲኦም ዓቢ ትምህርቲ ኮይኖም ኣሎ፤ ኣብ ርእሲኡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከምዝደልዮ እውን ተረዲኦም ይተሓጋገዙ ኣለው እንክብሉ ኣብ ሓድነት ክርስትያን እውን ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ብምግላጽ ክንመሃረሉ ሓደራ ብማለት ዘረባኦም ፈጺሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.