2010-10-23 18:09:23

ነፍሰኄር ካርዲናል ቫን ትዋን ብፁዕ ክበሃሉ ቚምስናዊ መርመራታት ኣብ ሮማ ትማሊ ብዕሊ ተጀሚሩ


ኣብ ትሕቲ ማሕዩር ኮምኒስቲ ቭየትናም ብዙሕ ዝተሳቀዩ፤ ቅድሚ ምእሳሮምን ድሕሪ ነጻ ምውጻኦምን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ዘገልገሉ፤ ብ2002 ዓም ብዕረፍቲ ጻድቃን ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ካርዲናል ዛቭየር ንጉቨን ቫን ትዋን ብፁዕ ክበሃሉ ሰበኻዊ መጽናዕቲ ኣብ ሮማ ከምዝተጀመረ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ሓቢሩ።

ካርዲናል ፍራንስቃ ዛቭየር ንጉየን ቫን ትዋን ብ17 ሚያዝያ 1928 ህወ ኣብ ዝበሃል ዓዲ ኣብ ቭየትናም ተወሊዶም።

ወለዶኡ ንእምነቶም ክብሉ ብሰማዕትነት ዳርጋ ዝጸነቱ ዓሌት ኢዩ፤ ብ1885 እንዳ እኖኡ ብዘይካ ንትምህርቲ ንማለዥያ ከይዱ ዝደሓኑ ኣባሓጎኡ ንብሙሉኦም ኣብ ቤተ ክርስትያን ዳጒኖም ኣቃጸልዎም፡ ኣቦሓጎ ኣቦኡ እውን ሃይማኖት ክርስትና ክርስዕ ምስ ዘይ ኣመንቲ ኣቀመጥዎ፤ ኣቦ ናይ ኣቦሓጎ ኣቦኡ ክርስትያን ብምዃኑ ተኣሲሩ ስለዝነበረ መን እሰይ ወዲ 15 ዓመት እንከሎ ነቦኡ ቁሩብ ሩዝን ጨውን ከብጽሓሉ 30 ኪሎ ሜትር ብ እግሩ ይጎ ዓዝ ከምዝነበረ ንመንእሰይ ፍራንስዋ ዛቭየር ከምዘዘንተወሉ ይንገር።

ምሸት ምሸት ሥድራ ቤት ብሓንሳእ ሓቢሮም ጸሎት ምስ ገበሩ ኣደ ዓባዩ በይና ተሪፋ ም እንቲ ካህናት ጸሎተ መቁጸርያ ትደግም ነራ፡ ምጽሓፍን ምንባብን ትኽ እል ኣይነበረትን። ወላዲቱ ኤልሳቤጥ ብሕጻንነቱ ብክርስትና ኰስኲሳ ኣ ዕቢያቶ፤ ምሸት ምሸት ታርኽ ቅዱስ መጽሓፍ ትምህሮ ነበረት፤ ናይ ዝሓለፉ ሰማዕታት ወለዶኣ እውን ተዘንትወሉ ነበረት፤ ብዛዕባ ቅድስት ተረዛ ዘኢየሱስ ሕጻን እውን ትትርከሉ ነበረት፤ እዛ ኅርይቲ ወላዲት እዚኣ ወዳ ምስ ተኣስረ ኣብ እምነቱ ክጸን ዕ ንቤተ ክርስትያን እሙን ክኸውን ፍቃድ ኣምላኽ ክፍጽም ስንድው ክኸውን ከማኡ እውን ነቶም ገፋዕቱ ክምሕር ቢላ ወትሩ ትጽሊ ነበረት።

ብ11 ሰነ 1953 ዓም ክህነት ተቀቢሉ፤ መጽናዕቱ ኣብ ሮማ ብምቅጻል ብ1959 ዓም ብሕገ ቆኖና ሊቅነቱ ኣመስከረ፤ ትምህርቱ ምስ ፈጸመ ናብ ቬትናም ተመሊሱ ከም መምህርን ሓለቃን ዘር ኣ ክህነት ኣገልገለ፤ ብድሕሪኡ መጀመርያ ከም ኅየንተ ወይ ቪካርዮ ጀነራለ ደሓር ከኣ ብ13 ሚያዝያ 1967 ዓም ኣቡን ናይ ንሃ ትራንግ ተሾሙ፤ ዘመነ ጵጵስናኡ ብጣዕሚ ፈርያም ኮይኑ ጀመረ፤ ኣብ ውሽጢ ሾመንተ ዓመት ቁጽሪ ተመሃሮ ዓቢይ ዘርኣ ክህነት ካብ 42 ናብ 147 ናይ ን ኡስ ዘር ኣ ክህነት ከኣ ካብ 200 ናብ 500 ደየበ፤ ኣብ ር እሲ እዚ ም እመናን ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ንኽሳተፉ ብሕልፊ መን እሰያትን ቤት ምኽሪ ሓዋርያዊ ግብረ ተል ኦኮን ከምዝነጥፉ ገሮም።

ብ24 ሚያዝያ 1975 ብር.ሊ.ጳ ሥዩመ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ቫደዘ ብምዃን ናይ ሳይጎን ተራዳኢ ሊቀ ጳጳስ ተሠዪሞም። መሪሕ ቃሎም ‘ደስታን ተስፋን’ ዝብል ኮይኑ ናይ ግብረ ተል እኮ መደቦም ‘ቤተ ክርስትያን ኣብ ናይ ዘመንና ዓለም’ ዝብል ነበረ።

ኮይኑ ግን ብኡ ንብኡ ሥርዓት ኮሚኒስት ነታ ሃገር ስለዝሓዛ ሰዓት 2 ናይ በዓለ ፍልሠታ ለማርያም ብዕለት 15 ነሓሰ 1975 ዓም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጉኑ፤ ብዘይካ ልብሰ ተክህኖ ቀሚሾምን መቁጸርያን ሓንቲ ኣይነበሮምን፤ ክሳብ 21 ኅዳር 1988 ዓም ብዘይ ክስን ፍርድን ን13 ዓመት ተኣሥሩ። ካብዘን 13 ዓመት እተን 9 ዓመታት ብተነጽሎ ኣሕለፍወን።

ኣብዚ ግዜ እዚ ብዙሕ ገድሊ ኣሕሊፎም፤ ወይኒ ከም ፈውሲ ንሕማም ከብዶም ተባሂሉ ብም እመናን ዝለኣኸሎም ተጠቂሞም ዕለት ዕለት ክልተ ነጥቢ ወይንን ሓንቲ ነጥቢ ማይን ብምጥቃም ኣብ ራሓ ኢዶም ይቅድሱ ነበሩ፤ መትሓዚ ቅዱስ ቁርባን ብምስኣን ናይ ሽጋራ ወረቀት ኣጽርዮም ኣባኡ ብምቅማጥ ምስቶም ምሳኦም ተኣሲሮም ዝነበሩ ክርስትያን ብሕቡእ ስግደት ቅዱስ ቁርባን የካይዱ ነበሩ።

ኳንግ ዝበሃል ወዲ 7 ዓመት ሓቢኡ ወረቃቅቲ የብጽሓሎም እሞ ጽሒፎም ምስ ሃብዎ ብሕቡእ ናብ ኣሕዋቱ ምስ ኣብጽሖ ንሶም ብግዲኦም ኣባዚሖም ንካልኦት ከምዝበጽሕ ይገብሩ ነበሩ፤ ብኸምዚ ‘ጒ ዕዞ ተስፋ’ እትብል መጽሓፍ ብመጀመርያ ስዒባ ኸኣ ‘ጒዕዞ ተስፋ ብብርሃን ቃል ኣምላኽን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን’ ብሳልሳይ ከኣ ‘ንግደት ጒዕዞ ተስፋ’ ዝብላ መጻሕፍቲ ተደሪሰን።

ከምዘይሓልፍ የለን ኩሉ ሓሊፉ ብዕለት 21 ኅዳር 1988 ዓም ነጻ ምስ ተለቁ፤ብዕለት 24 ኅዳር 1994 ዓም ምክትል ኣቦ መንበር ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽር ፍትህን ሰላምን ተባሂሎም ተሾሙ ብድሕረኡ ብዕለት 24 ሰነ 1998 ዓም ከኣ ኣቦ መንበር ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ፍትሕን ሰላምን ብምዃን ኣገልገሉ። ኣብ መባእታ ሚለነዩም ብ2000 ዓም ንር.ሊ.ጳ ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምስ መማኽርቶም ሱባኤ ጾመ ኣርብ ዓ ብም እታው ሰበኹ። ኣር እስቲ ናይ ስብከቶም ‘ተስፋ’ ነበረ።

ር.ሊ.ጳ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብ ዕለት 21 የካቲት 2001 ዓም ኣብ ዘካየድዎ ኮንቺስቶሮ ወይ ናይ ካርዲናላት ጉባኤ ዲያቆን ናይ ቅድስት ማርያም ዘመሳልል (እስካላ) ብምስያም ካርዲናል ገበርዎም።

ብዕለት 16 መስከረም 2002 ዓም ብሞተ ጻድቃን ካብዛ ዓለም ናብ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ሓለፉ። ካርዲናል ፍራንስዋ ዛቭየር ንጉየን ቫን ትዋን ዘሕለፍዎ ገድሊ ጸብጺብካ ኣይውዳእን፤ ኣብ ቤት ማእሰርትን ብድሕሪኡን ዝደረስዎ መጻሕፍቲ ሓጸርቲ ድርሳናት ስብከታት ከማኡ እውን ዝሃብዎ ምስክርነት ብዙሕ ኢዩ፤ ገድሎም ተራእዩ እቲ ዘድሊ መጽናዕቲ ክግበር ስለዘለዎ ናይ ብፅ ዕናኦም ጉዳይ ንመጀመርያ ግዜ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝጣበቀሉ ጉዳይ ኮይኑ ትማሊ ኣብ ዝተገብረ ተበግሶ ነዚ ጉዳይ እዚ ዝጣበቀሉ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ንፍትሕን ሰላምን ከምዝኾነ ተመልኪቱ።

በዚ መሠረት እዚ ትማሊ ኣብ ዝተኸፍተ ጉዳይ ብፅዕናኦም ናይ ሮማ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ቫሊኒ ምስ ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ፍትሕን ሰላምን ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ታርክሰን ጉዳዮም ብምዃኑ ተጣበቅቱ ምዃኖም ኣመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.