2010-10-23 18:31:37

ሲኖዶስ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ ፡


እቲ አብ ቫቲካን ንክልተ ሰሙን ዝተኻየደ ናይ ማእከላይ ምብራቅ ጳጳሳት ሲኖዶስ ጽባሕ ሰንበት 24 ጥቅምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝፍጸም ተፈሊጡ አሎ ።

እዚ ብዓይነቱ ንመጀመርያ ግዜ ዝተኻየደ ጳጳሳት ብፁዓን አበው ማእከላይ ምብራቅ

ናይዚ ክሊ”ዚ ታሪኽ ህሉው ኩነታት ማሕበራዊ ኤኮኖምያዊ ፖሊቲካዊ ልዕሊ ኹሉ ካአ ነጻነት ሃይማኖት ዘተኮረ ዘተ የካይድ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

እዚ ሕብረትን ምስክርነትን ብዝብል መሪሕ ቃል ዚካየድ ዘሎ ሲኖዶስ”ዚ አብ ማእከላይ ምብራቅ ሰላም ንኽሰፍን አስተውጽኦ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከም ዝገመገመ ክምልከት ከሎ ውጽኢት ሲኖዶስን ዘሕለፎ ውሳኔታን ከም ዘውጽእ ተፈሊጡ አሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብዚ ሲኖዶ”ዚ ከም ዝተሳተፉ ክምልከት አብ ማእከላይ ምብራቅ አብ ዮርዳኖስን ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌምን ዘካየድዎ ሐዋርያዊ ዑደት ከምኡ ክአ አብ ቆጵሮስ ኒቆሲያ ምስ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ ተራኺቦም ዝሀብዎ አባታዊ ማዕዳን ከም ዝገመገመን ይምልከት።

ቅድስቲ መንበር አብ ማእከላይ ምብራቅ ሰላም ክሰፍን ህዝቢ ሐዲኡ ክነብር ኩሎም እምነታት ክኸበሩ ከም ትጽዕርን ሃገራት ሐቆፍ ማሕበረ ሰብ አብ ማእከላይ ምብራቅ ከቅልብ ነባሪ ፍታሕ ከምጽእ ከም ትምሕጸንን ይዝከር።

ቤተ ክርስትያን አብ ጉዳይ ፖሊቲካ ጣልቃ ከም ዘይትአቱን አብዚ ክሊ”ዚ ነባሪ ሰላም ክርከብ ፍትሕን ርትዕን ነጻነት ሃይማኖት አህዛብ ክኽበር ከምትማጐት ፍትሒ ቅድመ ግዴታ ሰላም ከም ዝኾነ ከም ትማጐት ይፍለጥ።

ሲኖዶስ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ ዘተኮረሉ ዓቢ ጉዳይ አብቲ ብስራተ ቅዱስ ወንጌል አሀዱ ኢሉ ዝጀመረሉ ቦታ አብቲ ንዓለም ከድሕን ብእግዚአብሔር ዝተላኸ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉን ዝዓበየሉን ቅድስት ሀገር ኢየሩሳሌም እትርከበሉን ቦታ”ዚ ብስእነት ሰላም ምስቃዩን ፡ ነባሪ ፍታሕ ዝረኸበሉን ዝተመተ ከም ዝኾነ ይፍለጥ።



አብ ልዕሊ”ዚ አብ ማእከላይ ምብራቅ ዝርከቡ ውሁዳን ማሕበረ ሰብ ክርስትያን ዘሕልፍዎ ዘሎዉ ስቃይን ስደትን ክአ በመርትዖ ዝተደገፈ ጸብጻባት ከም ዝገመገመ ተገሊጹ።

አብ ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም ናይ ሥርዓት ላቲን ፓትርያርክ ፎዓድ ጥዋል ነቲ አብ ኢየሩሳሌምን አከባን ዝነብር ማሕበረ ሰብ ክርስትያን ተስፋን ሞራልን ንምሀብ ነጋድያን ናብቲ ቦታ ክውሕዙ ተማሕጺኖም ።

ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም ቤተ መዘክር ኮይና ከይትተርፍ ስግአት እኳ እንተሎ አይትፍርሑ ምሳኹም አለኩ ዝበሎ ክርስቶስ ዘኪሮም ክአ በይንና አይገድፈናን ኢዩ ኢሎም።

በቲ አብዚ ክሊ”ዚ ዘሎ ዘይህዱእ ኩነታት ብዙሐት አብ እምነተ ክርስትና ዝአምኑ ሰባት ይስደዱ ከም ዘለዉ ጠቂሶም እቶም ዝተረፉ ኩሉ ዝክአሎ እግዚአብሔር ሰላሙ ከውርድ ይጽልዩ ከም ዘለዉ ዘኪሮም ፡ሲኖዶስ ጳጳሳት አብ መንጎ ሰለስቲኤን እምነታት ክርስትና ይሁዳን ምስልምናን ዘተ ክካየድ መሳርሒ ሰላም ክኾና ዝሀቦ ጥብቂ መተሐሳሰቢ ንኢዶም።

አብ ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም ናይ ሥርዓት ላቲን ፓትርያርክ ፎዓድ ጥዋል ከም ዘመልከትዎ ንስሳ ዓመታት ሰላም ስኢንካ ክትነብር ባህርያዊ ዘይኮነ መቅጻዕቲ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ጠንቂ ስእነት ሰላም ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም ግጭት ፍሊስጤም እስራኤል ከም ዝኾነ ገሊጾም።

አብ ዝርዝር ከይአተዉ ብሐፈሻ ነዚ ታሪካዊ ግጭት”ዚ ፍታሕ ንምርካም ዝተኻየደ ጻዕሪ ዘይምዕዋቱ አብ ክንዲ ንኲናት ንሰላም ዝፈርሑ ሰባት ከም ዘለዉ ዘመልክት ጉዳይ ከም ዝኾነ አገንዚቦም።

ዝኾነ ኾይኑ ብጥንታዊ ሥርዓተ አምልኾ ክርስትና ምስ ማእከላይ ምብራቅ ዝተአሳሰረ ርክብ ዘለወን ኤርትራን ኢትዮጵያን ወኪላት አብ ኤርትራ ናይ ኤጳርቅና ባረንቱ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ቶማስ ዖስማን ሊቀ ጳጳሳት ዘካቶሊካውያን ኢትዮጵያ ብፁዕ አቡነ ብርሃነየሱስ ሱራፊኤል አብዚ ሲኖዶስ”ዚ ይሳተፉ ከም ዘለዉ ይዝከር።








All the contents on this site are copyrighted ©.