2010-10-22 11:04:57

፫ ዘጽጌ 2003 ዓ.ም. (24 ጥቅ 2010)


መዝሙር፡ ወመኑ መሓሪ ዘከማከ. . . . . .

ንባባት፡ 2ጢመ 4፡6~18፤ 1ዮሓ 1፡1~ፍ፤ ግ.ሓ. 7፡23~30፤ ሉቃስ 18፡9~14

ስንከት፡ “ጻድቅሰ ከመ በቀልት ይፈሪ ወይበዝኅ ከመ ዘግባ ዘሊባኖስ ትኩላን እምንቱ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር።”

አብ ናይ ሎሚ ሳልሳይ ሰንበት ዘጽጌ ንአምላኽ ብማርያም ገርና ክንቀርቦ ከሎና ዝቐረበን ዝሓሸን ከም ዝኾነ ክነስተንትን። አምላኽ መሓሪ እዩ ምስ ኖኅ ኪዳን ዝአቶኻ ንደቂ እስራኤል መና ዘውረድካሎም ከማኻ ዝበለ መሓሪ መን አሎ ኩሉ ካባኻ ይጽበ እናበለ ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር ሕያውነትን ልግስናን አምላኽ አብ ሕይወት ሰባት ክንደይ ቅሩብ ከም ዝኾነ እሞ ከምኡ ንሕና ነቲ ብአምላኽ ዝተዋህበና አብ ድሕነትናን ድሕነት ካልኦትን ክነውዕሎ ይነግረና። ምሕረት ድሕሪ ተዋሂቡካ ንእኡ ስዝዕብ ንስኻ እውን ክትገብሮ ዘሎካ ነገር የዘኻኽረካ። መጀምርያ ተዋሂብካ አሎኻ ስለዚ ዘሎካ ናትካ አይኮነን ንኻልእ ክትህብ ግድን እዩ ከመይ ዝተዋህበካ ክትህብ እዩ። ሰብ ክህብ ወይ ክገብር ዘጸግሞ ንዝተዋህቦ ናተይ ክብል እንከሎ እዩ።

ማርያም ናይ አምላኽ ልኡኽ ኩሉ ምስ አበሰራ ከም ዝበላክኒ ይኹን እናበለት ሕይወታ ንድላይ አምላኽ ክፉት ገራቶ። አምላኽ አብአ ድለቱ ክገብር ንርእሳ ንአምላኽ ክፍቲ ኮይና። ኩሉ ዘሎኒ ናትካ እዩ አብ አገልግሎትካ አውዕሎ አሎኹ ክትብል ክኢላ። ንማርያም ክንሓስብ ከሎና እዚ ክንምሃር አሎና። ሕይወትና ንአገልግሎትን ንድለት አምላኽን ስንድው ክንገብሮ። ብወገን አምላኽ ተገሩልና አሎ ተሪፉ ዘሎ ናታትና መልሲ እዩ። ገለና ምናልባት ድሮ ክንምለስ ጀሚርና ንህሉ ገለ ግን ጌና አይጀመርናን ስለዚ ሎሚ ንሕሹኽታ አምላኽ ክንምልስ ባይታ ጠቲሒ አሎ።

ንአምላኽ ከም ማርያም ዝደልዮ ክንምልሰሉ መጀመርያ ምስኡ ምዕላል ናቱ ድለትን መገድን ክንፈልጥ አሎና። አብ ገለ እዋናት ጥራሕ እንዕልሎ አብ ገለ ምስ ገጠመና ጥራሕ እንዛረቦ እንተኾና ዘረብኡ ድለቱ ክንርዳእ ከጸግመና እዩ። ሓደ ካብቲ ንማርያም ፍልይቲ ዝገብራ ንዘረባ አምላኽ አብ ምድሪ አውዲቓ አይትፈልጥን እዚ ክብሪ የውህባ። ኩሉ ጊዜ ድላይካ ይኹን ብሃሊት እያ። ወዳ አብ መስቀል ከመውት እንከሎ አየንጸርጸረትን ምኽንያቱ ድሮ ድለት አምላኽ ተፈልጥ ነራ። ዓርቢ ስቕለት ንአአ ከም ትያትር እዩ ነሩ። አብዚ ኹሉ ዘብጽሓ ሕይወታ በቲ አምላኽ ዝደልዮ ስለ ዝመርሐት እዩ።

ትሕትና ንኹሉ ክትርኢ ከምኡ ንክትርድኦ ዘጸግም ነገር ክትርዳእ ዕድል ይኸፍተልካ። ሓደ ሰብ ትሕትና ዘልኦ ክኸውን እንከሎ አብ ክፍአት ወይ አብ ውድቀት ቀልጢፉ አይአቱን እዩ። ናይ ምስትውዓል ክእለትን ንርእሱ መሊኹ ምኽአልን ዓቕሚ አልኦ። ንኹሉ ብትዕግስቲ ይሓልፎ ሽዑ ነቲ ጸበባ ይሓልፎ። ኲኖ ጸልማት ብርሃን ከምዘሎ ይርኢ። ትሕትና ዝጎድሎ ሰብ ግን አብቲ ከባቢኡ ዘሎ ጥራሕ እዩ ዝርኢ ሽዑ ዘይድለ መገዲ ይሕዝ። ትሑት ሰብ ንርእሱ አብ ትሕቲ እግዚአብሔር ገሩ ስለ ዝርእያ ዓይኑ ቋሕ አየብልን እዩ ኩሉ ጊዜ አብ ምስማዕ እዩ ዘድህብ። ትሑት ሰብ ክፉእን ጽቡቕን መምዩ ክፈልጥ አየጸግሞን እዩ።

ትሕትና ዝለበሰ ሰብ ጸሎት ክገብር አየጸግሞን እዩ፥ ንአምላኽ አብ ልቡ ቦታ ክህብ ስለ ዘየጸግሞ ምስኡ ክዛተን ክልምንን ይኽእል። እንተኾነ ክጥንቀቐሉ ዝግብኦ ነገራት አሎ። ናይ ሎሚ ወንጌል ብዛዕባ ሓደ ፈሪሳውን መጸበሓውን ይዛረብ ። እቲ ፈሪሳዊ ሕይወቱ ዝመርሓሉ አገባብ እናጠቐሰ መረጋገጺ የቕርብ፥ ሕጊ ናይ አይሁድን ትእዛዛት እግዚአብሔርን የኽብር። ኩሉ ሓደ ጥዑይ አይሁዳዊ ክገብሮ ዝግበኦ ይገብር ይጸውም ምጽዋት ይህብ ኩሉ ሥርዓት ይፍጽም። እንተኾነ አምላኽ ምስኡ አይኮነን። ስለምንታይ? ምኽንያቱ እዚ ሰብ ንርእሱ ቀዳምነት ይህብ ኩሉ ናቱ ዘበለ አብ ጥቕሚ ርእሱን ንሱ መን ምዃኑን ዘተኮረ እዩ አምላኽ ንአኡ ካልአዊ እዩ። “አምስግነካ አሎኹ ኦ አምላኽ ከም ካልኦት ዘይገበርካኒ ብፍላይ ከምዚ መጸበሓዊ ዘይገበርካኒ እናበለ ጸልዩ። ብኻልእ አዘራርባ እግዚአብሔር ክትሕጎስ አሎካ አነ ንኹሉ ሕግኻ ስለ ዝሓለኹ እናበለ መን ምዃኑ ገሊጹ። ክጸውም ምጽዋት ክህብ እንከሎ ንአምላኽ ስለ ዘፍቀረ አይኮነንን እንታይድአ ንርእሱ ስለ ዘፍቀረ፥ ንርእሱ ልዕሊ ኹሉ ስለ ዝረአየ። አምላኽ ከምዚ ዝአመሰሉ ብዙሕ ጊዜ ስለ ዘይርኢ ክሕጎስ አልኦ ብፍላይ ብዙሓት ከምቲ መጸበሕዊ ስለ ዝኾኑ።

ናይ እዚ ፈሪሳዊ ቀንዲ ጸገም ናይ ኩሉ ምንጪ እግዚአብሔር ምዃኑ ስለ ዝዘንግዔ እዩ። ብዘይ አምላኽ ሓንቲ ክገብር አይምኽአለን። ግን አብ ነፍሱ ጥራሕ አተኲሩ።

አብ ሕወትና ብዙሕ ፈሪሳውነት የጥቅዓና እዩ ንርእስና ነልዕል ንኹሉ ዝሃበ አምላኽ ንርስዖ ንኹሉ ብናትና ክእለትን ጻዕርን ዝመጸ ገርና ነቕርቦ ሽዑ ትዕቢት ንዕቀት ኩሉ አንነት የጥቅዓና ንአምላኽን ንሓውንን ክንርኢ የጸግመና። አብቲ እንገብሮ ሰናይ ጥራሕ ንጥምት ንአምላኽ አይንጥምቶን አብኡ እቲ ጸገም ይጅምር። አምላኽ ቦታ አይረክብን አብ መጨረሽታ ንኽፉእ ከም ጸቡቕ ገርና ክንርኢ ንግደድ።

ቅዱስ ጳውሎስ በቲ ዝገበሮ ይምካሕ ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ ጉያይ ፈጺመ ንዝተሰናደወለይ አኽሊል ክቕበል ቀሪበ አሎኹ ከብል እንከሎ ካብ ትዕቢት ወይ ፈሪሳውነት አይኮነን። እዚ ኸአ መጀመርያ ንኹሉ ዝፈጸሞ ግብሪ ብጸጋ አምላኽ ከምዝገበሮ ይእመን። አነ ኮይነዮ ዘሎኹ ኩሉ ብጸጋ አምላኽ እዩ ይብል። ካልአይ ኩሉ ሓይሉ ዓቕሙ አውጽእዎ ንርእሱ ዘይኮነ ምእንቲ አምላኽ ካልኦት ምእንቲ ፍቕሪ ክርስቶስ ርእዮም መታን ክኽእሉ።

ብኻልእ እቲ መጸበሓዊ ሓጢአተኛ፥ ብርግጽ ሕጊ አይሁድ አይሓለወን፥ መኽፈሊ ሓረጣ እዩ ነሩ ሥርሑ። ንባዕዳውያን ገዛእቲ እና አገልገለ ንህዝቡ ቀረጽ እና አኽፈለ ንህዝቡ ዝጨቆነ እዩ። ብርግጽ ሓጢአተኛ እዩ። አብ ቅድሚ አምላኽን ሰብን ክቐውም ዘይግብኦ ገሩ ንነፍሱ የቕርባ፥ ሽዑ አምላኽ ይፈትዎ፥ ኢየሱስ ከም ዝበሎ ንቤተመቕደስ ክሓድግ እንከሎ ጸዲቑ ተመልሰ ይብል።

አምላኽ እዚ መጸበሓዊ አብ ሓጢአቱ ስለ ዝተአመነ አምላኽ ተቐቢልዎ። ባዕሉ ሓንቲ ክገብር ከም ዘይክእል ይፈልጥ ነሩ አምላኽ እንተዘይሓገዞ ሓንቲ ክገብር ከምዘይክእል ይፈልጥ ነሩ። “ኦ አምላኸይ ንአይ ንሓጢአተኛ ምሓረኒ” እናበለ ጸልዩ። አምላኽ ከምዚ ገሩ ብትሕትና ዝቐረቦ ንሓቂን ንሓጢአቱን ዘላለየ ክሕግዝ ቀልጢፉ ይመጽእ።

ሓጢአተኛታት ከምዝኾና ድሕሪ ተአሚና ዝዓበየ ህያብ እዩ ንአና። ቅዱስ ዮሓንስ አብ ቀዳመይቱ መልእኽቱ “ምስኡ ኅብረት አሎና እናበልና አብ ጸልማት እንተ ነበርና ንሕሱ ሓቂ እውን አይንገብርን ኢና ዘሎና. . . . . ኃጢአት የብልና እንተበልና ንገዛእ ርእስና ንጥብር አሎና እታ ሓቂ እውን አባና የላን” (1ዮሓ 1፡6፥8)። ጸገም ናይእቲ ፈሪሳዊ እዚ እዩ ነሩ ንአምላኽ ዝኽተል ዘሎ ዝመስሎ ዝነበረ አብ ጸልማት እዩ ዝጉዓዝ ዝነበረ። ዕዉር እዩ ነሩ። እቲ መጸበሓዊ ግን ይርኢ ነሩ።

ሰብ አፍልጦ ወንጌል አምላኽን ርድኢትን መጠን ዘብዝሓሉ ዘመና ናይ ኃጢአት ነገር ክዝንግዖን ኃጢአት የለን አብ ዝብል መንፈስ ወዲቑ ይርአ። ሓደ አብነት ናይ እዚ ብዙሓት ክቖርቡ ትርኢ አብ መንበረ ኑዛዜ ዝቐርቡ ግን ውሑዳት እዮም። አብ ኃጢአት ወዲቕና ከሎና ከይተናዘዝና ክንቆርብ የብልናን ልብና ቅሒሩ እንከሎ ክንቆርብ የብልናን። ብዙሓት በዚ ሎሚ ናይ ኃጢአት ርድኢት አዋዲቖም ይርከቡ። እዚ ንግላውን ሓበራውን ሕይወት ጎዲእዎ ይርከብ። ኃጢአት ምስ አምላኽ ዘሎካ ርክብ ምስ ሰባት ከምኡ ምስ ርእስኻ ምቁራጽ ማለት እዩ።

ኃጢአት ማለት ዘይምፍቃር ንካልኦት ጽቡቕ ክትገብር ዘይምጽዓር። አብ መንበረ ኑዛዜ ቀሪብና እንናዘዞ መብዝሕትኡ ነቲ ዘይንገብሮ እዩ። አብ መዓልቲ ፍርዲ አምላኽ “ ጠምየ ነር፥ ጸሚኤ ነረ፥ ሓዚነነ ነረ፥ አብ ጸገም ነረ እንተኾነ ሓንቲ አይገብርክሙለይን ክብል እዩ። ስለዚ ዓሚቕ አፍልጦ ኃጢአት ክህልወና ይግባእ። ከምኡ ምስ ዝህሉ ካብ አምላኽ አይክንፍለን ኢና። ኃጢአትና እንተ ተአመና አምላኽ አብ ጥቓና ከምዘሎ ምልክት እዩ። እቶም ብጣዕሚ ዘሕዝኑ እዞም ዝስዕቡ እዮም።


ነዚ መልሲ ክኾነና ዝኽእል እቲ መጸበሓዊ ክኸይድ እንከሎ ጸዲቑ ተመሊሱ ዝብል እዩ። ኃጢአተኛ ዝነበረ ምሕረት አምላኽን አብ ኃጢአቱ ስለ ዝተአመነን ጸዲቑ ተመሊሱ። ጸሎቱ ንሰማያት ሰንጢቑ ሓሊፉ ናይ እቲ ፈሪሳዊ ግን አብ ርእሱ ተመሊሱ። ትሕትና ልቢስና ንአምላኽ ክንልምን ከሎና ዕርቂ አይአብየናን እዩ አብ ወንጌል ኢየሱስ ዓርኪ ኃትአን ኮይኑ እዩ ዝርአ፥ እተነኾነ ንኃጢአቶም ሸለል ኢሉ ዘይነ አብ ምሕረትን አብ ነጻ ዝኾነ ምሕረት አምላኽ ስለ ዝዕድሞም እዩ። ሓጥአን አብ ቅድሚ አምላኽ ሓጥአን ጥራሕ አይኮኑን እንታይ ድአ ዝፍቀሩ ሓጥአን እዮም ማለት ወላ እኳ ሓጥአን እንተኾኑ ብአምላኽ ይፍቀሩ እዮም። አምላኽ ኩሉ ጊዜ ክምለሱ ይጽበዮም።

ሎሚ አብ ዘለና አሊና ጸሎትና ኦ አምላኽ ምሕረትካ ሃበና ክንብል ይግባእ ወላ ነቶም ሕማቕ ዝገብሩና። ነዚ ክንገብር አብ ማርያም ንመለስ ንሳ ንቀተልቲ ወዳ እውን ክተማርር አይ ተሰምዓትን። ተኸተልቲ ወዳ ክስደዱ ክዋረዱ ክትርኢ ነቶም ገበርቲ እከይ ቅጽዓቶም አይደለየትን ኩሉ ጊዜ አብ ምሕረት አምላኽ እያ እትጥምት ዝነበረት። እምብአር ሎሚ መገዲ ሰማይ ምሃርና ንበላ። አብ ብርኪ ወዳ ተደፊእና ምእንቲ ወላዲትካ ተዓረቐና ንበሎ። ምሕረት ዝልማዱ አምላኽ ክምሕረና እዩ።

ኦማርያም አብ ብርኪ ወድኺ ተድፊእና ኃጢአትና ክንእመን እሞ ደቂ ሰማይ ክንከውን ምሳና ኩኒ፥ ንኹሉ ዝሓለፈ ኃጢአትና ክምሕረና ክዕረቐና ስምዓዮም ይመጽኡኻ አለዉ አውያቶም ተቐበል ብልልና። አደና ስለ ዝኾንኪ ሓደ ክጠፍእ አይትደልይን ኢኺእሞ ለምንልና ንበላ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.