2010-10-21 15:49:35

ታንዛኒያ፦ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙኃን


ናይ ኣሩሻ ሊቀ ጳጳሳት ምኽትል ብፁዕ ኣቡነ ሲሞን ቶቢያስ ተንገስ ከይዲ ኩነታት ዓለምን ኣፍሪቃን ቅድመ ርድኢት ዝገብርን ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ኅብረተሰብ ኣፍሪቃ ንሓደጋ ዘቃልዑን ኅብረ ግርጭታትን ፖሊቲካዊ ዘይምርግጋእን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሐ ዘረባ ብምስማዕ፣ ነቲ ኣብ እሩሻ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ኬንያን RealAudioMP3 ኡጋንዳን ታንዛኒያን ዝርከባ ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙሓን ኣካየድትን ጋዜጠይናታትን ዘራኸበ ዕዮኣዊ ኣኼባ ከምዘጀመሩ ክንገር እንከሎ፣ ኣብቲ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ዝዛዘም ዕዮኣዊ ኣኼባ ብፁዕነቶም ብስም ናይ ኣሩሻ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆሴፋት ልዊስ ለቡሉ ንተጋባእያን ሰላምታን መልእኽትን ኣቕሪቦም፣ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝርኤን ንናይ ኣፍሪቃ ሰላምን ምዕባለን ውህደት ዝዕንቅፍን ዘሎን ዝቐላቐል ዘንጸላልውን ኃዋሁ ውጥረትን ወረ ውግእን ፍሉይ ትኵረት ዝገብር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንናይ ሰላም ባህሊ ምስፍሕ ወሳኒ ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ኣብዚ መዳይ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙኃን ዓቢ ግደ ኣለወን ከምዝበሉ ናይ ኬንያ ቺሳል እተሰምየ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙኃን ኣብ ኣፍሪቃ፣ ናይ ፖለቲካ ጉዳይ ኣሰናዳእን ናይ ሰላም ባህልን ምርግጋእ ዘነቓቕሕ ክፍሊ ኣሰናዳእን ክህልዎ ብፁዕ ኣቡነ ተንገስ ከምዘተሓሳሰቡ ክንገር እንከሎ፣ እዚ ብናይ ምሥራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ዝተወጠነን ብናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ናይ ካቶሊክ ናይ ደገፍ ማኅበር ቍጠባዊ ደገፍ መሠረት ዝረጋገጽ ዘሎ ምዃኑ ቺሳል ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።

ናይ ምሥራቕ ኣፍሪቅ ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙኃን ህዝቢ ምሥራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ክዋሳእን ናይ ምምዝዛን ልቦና ከማዕብልን ብሱልን ሃናጺ ነቐፌታ ፍርድን ናይ ምቕራብ ሥን ኣእምሮኣውን ቀልባውን ብቕዓቱ ከዕብን ናይ ሰላም ባህሊ ከፍቅርን ግርጭትን ዓመጽን ኣይፋል ናይ ምባል ድላዩ ዝጻረር ስጉምቲ ከይኽተልን፣ ብሓፈሻኡ ንቕሓት ሕሊናኡ ከዕብን ናብ ሰላም ከድህብ ዘኽእሎን ዘተባብዖን ዝሓንጾን ዝመርሖን መደባት ዝቐርበሉ ክኸውን ኣብቲ ኣኼባ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ምሥራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ናይ መራኸቢ ብዙኃን ጉዳይ ዝሓሊ ድርገት ዋና ጸሓፊ ኣባ ክሪሳንቱስ ንዳጋ ከምዘተሓሳሰቡ ቺሳ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.