2010-10-21 16:18:09

ሥልጣን ምቅባል ማለት ብፍትሕን ብግብረ ሠናይን ንኻልኦት ምግልጋል ማለት እዩ።


ቅዱስነቶም ትማል ሮቡዕ ኣብ ዘስተምሃርዎ ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ፤ ብዛዕባ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነበረት ቅድስቲ ኤልሳቤጥ በዓልቲ ሃንጋሪ ዝሃበቶ ዓቢይ ኣብነት ናይ ግብረ ሠናይ ብምትኳር ሥልጣን ዚቅበል ብትሕትና ንፍትሕን ፍቅርን ንኸገልግል እምበር ክግልገል ወይ ክጉይትት ከምዘይኮነ ሓቢሮም። ቅዱስነቶም ታሪኽ ሕይወት ቅድስት ኤልሳኤጥን ተጋድሎኣን ብከምዚ ዝስዕብ ገሊጾሞ።

ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ብ1207 ዓም ተወልደት፤ ኣቦኣ ኣንድረያ 2ይ ንጉሥ ናይ ሃንጋሪ ነበረ፤ ምስቶም ጎረባብቱ ዝነበሩ ንጉሣውያን ቤተ ሰባት ዝምድናኡ ንኸደልድል ልዕልቲ ገርትሩድ በዓልቲ ጀርመን ተመርዕዩ ነበረ፤ ኤልሳቤጥ ኣብ ቤተ መንግሥቲ ተሓጒሳ እናዓበየት ከላ ኣቦኣ ናይ ቱሪንጃ ል ዕልቲ ክትኮነሉ ስለዝደለየ ናባኡ ሰደዳ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ውድድር ሥልጣንን ል ዕልናን ስለዝ ዓብለለ ኣቦኣ ምስ ልዑላን ቤተ ሰባት ከዋስብዋ ብምድላይ ናብ ሉድቪግ ዝስሙ መስፍን ተሓጽየት፤ ሽሕ’ኳ እዚ ሕጸ እዚ ንፖሎቲካዊ ረብሓ እንተተገብረ ኣብ ማእከል እዞም ክልተ ኣጓብዝ ሕጹያት ውዕውዕ ፍቅሪ ተሠረተ፤ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣቦኡ ምስ ሞተ ወዲ 18 ዓመት ከሎ ገዛኢ ናይ ቱሪንጃ ኮነ፤ ኤልሳቤጥ በቲ ንድኻታት እተርእዮ ዝነበረት ፍቅርን ኣገልግሎትን ኣብቲ ቤተ መንግሥቲ ብዙሕ ትውቀስ ነበረት፤ ናይ መርዓ በዓሎም እውን ከይተረፈ ካብቲ ዝተሓስበ ወጻኢታት ፍርቁ ንድኻታት ከምዝ ዕደል ስለዝተገብረ ብዙሕ ኣዛረበ፤ ከመይ ናይ ቤተ መንግሥቲ ሰብ ክብሩን ልዕልናኡን ሓልዩ ክኸይድ ኣለዎ እምበር ድኻታት ክረድ እ ላዕልን ታሕትን እንተቢሉ ከም ውርደተይና ይቊጸር ነበረ። ኤልሳቤጥ ግን ኣብ መንጎ እቲ እምስክሮ ሃይማኖት ክርስትናን ተግባራት ኣመንትን ዘሎ ዓቢ ፍልልይ ብዙሕ የተሓሳስባ ነበረ፤ ክርስትና ብምንም ተኣምር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክወርድ የብሉን እውን ትብል ነበረት፤ ሓደ ግዜ ምስ ሓማታ ቤተ ክርስትያን ምስ ከዳ ልዕልቲ ኤልሳቤጥ ኣኽሊላ ኣውጺኣ ኣብ ርእሲ መስቀል ገበረቶ እሞ ተጎልቢባ እናጸለየት ከላ ሓማታ እንታይ ግብሩ ኢኺ ትገብሪ ዘሎኺ ክብረትኪ እባ ሓልዊ ምስ በለታ ንጉሠይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣኽሊል እሾኽ ደፊኡ እናረኣኹ ኣነ መስኪን ፍጥረት ከመይ ገይረ ክብሪ ናይዚ ሓላፊ ምድሪ ዝገልጽ ዘውዲ ኣብ ርእሰይ ክደፈእ በለታ ይበሃል። ኩሉ ግዜ ከምቲ ኣብ እግዚአብሔር ትመላለሶ ምስ ካልኦት እውን ብኸም ኡ ትመላለስ ነራ፤ ክልተ ገጽ ኣይነበራን ንማለት ዚኣክል። እትበልዖ መግቢ መጀመርያ ብቅንዕና ዝተጠርየ ካብ ናይ በዓል ቤታ ንብረት ምዃኑ ከየረጋገጸት ኣይተልኸፎን ነበረት። ነቶም ዝተገፍዑ እውን ትጣበቀሎምን ዝግብ ኦም ካሕሣ ተውህቦምን ከምዝነበረት ይትረኽ። እዚ ኸኣ ንሰበ ሥልጣን ዓቢይ ትምህርቲ ኢዩ፤ ኣብ ዝኾነ ጽፍሒ ዝወሃብ ሥልጣን ንሓባራዊ ጥቅሚ ኣብ ግምት ዘእተወ ከም ኣገልግሎት ፍትሕን ፍቅርን ክንበር ከምዘለዎ የመልክት።

ኤልሳቤት ብዙሕ ናይ ምሕረት ሥራሓት ትገብር ነበረት፤ ማዕጾኣ ንዝኳሕኲሑ ዝስተን ዝብላዕን ትህብ ነበረት፤ ንዝዓረቁ ትኸድን ንዝሓመሙ ትከናኸን ንሰብ ዕዳ ዕዳኦም ትኸፍለሎም ንዝሞቱ ትቀብር ነበረት። ካብ ኣደራሽ ቤተ መንግሥቲ ብምውጻእ ኣብ ድኻታት ገዛውቲ ምስተን ኣገልገልታ ትቅመጥ ነበረት፤ ንአአን ከኣ እንጌራ ሥጋ ሓሩጭን ካልእ ዝብላዕን ዝስተን ተምጻኣለን ነበረት። ንጽጉማት መግቢ ባዕላ ትዕድል ነበረት ኩነታት ክዳኖም እውን ትቈጻጸር ነበረት፤ እዚ ነገራት እዚ ነቶም መኽረርቲ ስለዘይተወሓጠሎም ንበዓል ቤታ እዚ ውርደተኛ ተግባር እዚ ክሳብ እንታይ ዝኸውን ኢኻ ሱቅ ቢልካ ትርኢ ዘሎኻ ምስ በልዎ ‘ክሳብ ነቲ ሕንጻ ቤተ መንግሥቲ ዘይሸጠቶ ሕጉሥ ኢየ’ በሎም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኢዩ እምበኣር እቲ ውሩይ ተኣምራት ናይቲ ኣብ ዕምባባ ጽጌረዳ ዝተቀየረ ኅብስቲ ዝተፈጸመ፤ ኤልሳቤጥ ኅብስቲ ኣብ በጃ ክዳና ሓቁፋ ንድኻታት ክትዕድል እናኸደት ከላ ሰብኣያ ጎፍ ይብላ እሞ እንታይ ኢኺ እዚ ሒዝክዮ ዘሎኺ ይብላ፤ ንኽተርእዮ ነቲ ክዳን ምስ ዘርገሓቶ ክንዲ ኅብስቲ ዘደንቅ ዕምባባታት ጽገሬዳ ተራኢዩ፤ እዚ ምልክት ፍቅሪ እዚ ኣብ ብዙሕ ስእልታት ቅድስት ኤልሳቤጥ ተሳኢሎም ንርእዮም።

ኪዳናዊ ሕይወቶም ኣብነታውን ምክብባርን ፍቅርን ዝዓሰሎ ነበሮ፤ በዓል ቤታ ነቲ ንድኻታት እትገብሮ ተግባር ከምዝድግፎ ንኽገልጸላ፤ ‘ክብርቲ ኤልሳቤጥ እትሓጽብዮ እትምግብዮ እትኸድንዮ ክርስቶስ ኢዩ’ ይብላ ነበረ። እዚ ከኣ እምነትን ፍቅሪ እግዚአብሔር ፍቅሪ ብጻይን ንሕይወት ሓዳር ክሳብ ክንደይ ከምዝድግፎን ነቲ ኪዳናዊ ውህደት ከምዘሐይሎን ትዕዘብ።

እዞም መናእሰይ ሰብ ሓዳር ካብ 1222 ዓም ካብ ንኡሳን ኣኃው ካፑቺኒ ፍራ ሩጀሮ ከም ኣባት ነፍሲ ክመርሖም ጀሚሩ፡ ናይቲ ሃብታም ነጋዳይ ዝነበረ መን እሰይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ተሓድሶን ለውጥን ምስ ሰም ዔት ተመሲጣ፤ ካብዚ ግዜ እዚ ነቲ ኣብ ድኻታት ዝነብር ድኻን እተሰቅለን ክርስቶስ ክትክተል ወሲና፡ ንማኅበር ንኡሳን ኣኃው ካፑቺኒ እውን ክትሕግዞም ጀሚራ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብ1227 ዓም ሓያል ፈተነ የጋጥማ፤ ሰብ ኣያ ምስ መስቀላውያን ናይ ፈደሪኮ 2ይ ይወፍር፤ ሓሚሙ ኣብ 27 ዓመት ዕድሜኡ ይመውት፤ ኤልሳቤጥ ሞት እቲ እተፍቅሮ በዓል ቤታ ምስ ተረድኤት ብዙሕ ጐሃየት በይና ተዓጽያ ኣብ ሓዘንን ጸሎትን ኮነት፤ ብጸሎት ምጽንናዕ ረኺባ ኣብ ሰማይ ንኽትርእዮ ተስፋ ብምግባር ቤተ መንግሥቲ ክተመሓድር ጀመረት፤ ኮይኑ ግን እንደገና ካልእ ፈተና ኣጋጠማ፤ ሓሙታ እዚኣ ከተመሓድር ክ እለት የብላን ወራሲ ሓወይ ኣነ እየ፤ ብማለት ካብቲ ቤተ መንግሥቲ ምስ ሠልስተ ዘኽታማት ደቃ ሰጎጋ፤ ኣብ ትኣትዎ ጨኒቅዋ ነቶም ቆልዑ ነዕሩኽቲ ሰብኣያ ዝነበሩ ከዕብይዎም ሃበቶም፤ ንሳ ግን ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተዘዋወረት ሕሙማት ትሕግዝ ትፈትልን ትሰፍን ነበረት፤ ነዚ ኩሉ ብ እምነትን በት ዕግሥትን ተወፋይነትን ሰገረቶ፤ ኣብ ማእከል እዚ ገለ ቤተሰባን እሙናት ሰባትን እቲ ሓሙታ ዝገበሮ ዘይቅኑዕ ተግባር ተቋዊሞም ምቅሊት ናታ ከምትወስድ ገበሩ፤ ኮይኑ ንኩሉ ከም ከንቱ ቈጺራ ናይ 1228 ዓም ዓርቢ ስቅለት መዓልቲ ብመብጽዓ ናብ ኣምላኽ ተወፍያ ኣባል ሳልሳይ ፍራቸስካዊ ማኅበር ኮይና። ንኩሉ እኳ እንተመነነት ኣባት ነፍሳ ብዝመኸርዋ ነቲ ንብረት ንኣገልግሎት ድኻታት ተጠቅመትሉ፤ ሆስፒታል ሓኒጻ ሕሙማትን ስንኩላንን ኣባኡ ኣኪባ ከተገልግል ጀመረት፤

ብ1231 ብርቱዕ ረስኒ ሓዛ፤ በዕለት 17 ኃዳር ከኣ ብዕረፍተ ጻድቃን ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልየት፤ ቅድስና ሕይወታ ዝምሥክሩ ብዙሕ ነገራት ስለዝነበረ ብኡ ንብኡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ር.ሊ.ጳ ግረጎርዮ 9ይ ቅድስቲ በልዋ፤ ኣብ ማርቡርጎ ከኣ ብስማ ዓቢ ቤተ ክርስትያን ተሓንጸ።

ቅድስቲ ኤልሳቤጥ እትምህረና፤ እምነትን ዕርክነትን ክርስቶስ ፍትሒ ይወልድ፤ ማዕርነት ኩሉ የርኢ፤ መሰል ካልኦት ኣጉሊሑ ብምንጻር ፍቅርን ግብረ ሠናይን ከምዝ ዕምብብ ይገብር፤ ካብዚ ፍቅሪ እዚ ከኣ ተስፋ ይውለድ፤ ክርስቶስ ከምዘፍቅረና ርግጽነት ብምሃብ ንካልኦት ከነፍቅር ይዕድመና፤ እንክብሉ ሥልጣን ዝቅበል ሰብ ብፍትሕን ብፍቅርን ንካልኦት ከገልግል ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይግብኦ ኅልናዊ ግዴታ ምዃኑ ኣብሪሆም።








All the contents on this site are copyrighted ©.