2010-10-21 15:47:02

ምእንቲ ንናይ ሕይወት ባህሊ ክብሪ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ከምቲ ልሙድ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣደባባይ በሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ መደብ ረቡዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ድሕሪ ምቕራብ ቀጺሎም ን 24 ብፁዓን ጳጳሳት ናብ ናይ ካርዲናል ማዕርግ ከብ ከምዘበሉ ከምዝሓበሩ እንክንገር፣ RealAudioMP3 ካብቶም 24 ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ካርዲናል ማዕርግ ዝተቕበሉ 82 ዓመት ዝዕድሜኦም ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቛም ሊቀ መንበር ኮይኖም ዘገልገሉ ብፁዕ ኣቡነ ኤሊዮ ስገረቻ ክኾኑ እንከለዉ፣ ብፁዕነቶም ትማሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቅዱስ ኣቦና ንናይ ካርዲናል ማዕርግ ክብ ከብልዎም ምዃኖም ምስ ሰምዑ ብሓቂ ዘይጽቡይ ደስ ዘብል ዜና ከዝኾኖም ገሊጾም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብቑዕ ክብሉኒ ብትሕትና እቕበሎ። መላእ ኣገልግሎቶም ኣብ ምርምርን መጽናዕትን ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ሥነ ሕይወት ሥነ ምግባርን በቲ ዘለዎም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅነት ኣሰንዮም ናይ ሕይወት ባህሊ ክኽበርን ክሰፍሕን ከምዘገልገሉ ክፍለጥ እንከሎ፣ ሕጂ እውን ኣብዚ መዳይ በቲ ዘለዎም ፍልጠትን ልምድን ዝከኣሎም ኣገልግሎትን ሓገዝን ይፍጽሙ ከምዘለዉ ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ንናይ ካርዲናል ማዕርግ ከብቅዑኒ ነቲ ዝፍጽሞ ኣገልግሎት ዘተባብዕ ኢዩ ኢሎም።

ናይ ሕይወት ባህሊ ክኽበርን ክሰፍሕን ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክኽበር ኣብ ዝድርኽ መዳይ ተጸሚድካ ምግልጋል ዓቢ ጸጋን ደስ ዘብልን ኢዩ። ካርዲናል ምዃን ኣብቲ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ድልው ቢላ እተረክበካ ካብ ምሥጢረ ክህነት ዝምንጭ ሓላፍነትን ንእግዚኣብሔር እተገልግሎን ጓሳ ነፍሳትን ኮይንካ ኣብ እትፍጽሞ ኣገልግሎት ዘምጽኦ ውሳጣዊ ለወጢ እኳ እንተዘይሃለወ፣ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘሎ ምትእሥሳር ግን ዘጽንዕን ንእግዚኣብሔርን ንእንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያንን ዘሎካ ውሉዳዊ ቅርበት ዘተባብዕ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.