2010-10-19 13:43:28

ዓንቀጸ ሓይማኖት፣ ፍልሰታ ለማርያም


ኣብ ሮማ ዕለት 1 ሕዳር 1950 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፒዪ መበል 12 ፍልሰታ ለማርያም ዓንቀጸ ሃይማኖት ዝኣወጅሉ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምኽንያት ዕለት 29 ጥቅምቲ ኣብ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣዳራሽ ዓንቀጸ ሓይማኖት፣ ፍልሰታ ለማርያም ዘማእከለ ዓወደ መጽናዕቲ ክካይድ ምዃኑ እንክንገር፣ RealAudioMP3 ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለዩ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታትን ቅዱሳት ማኅበራትን ናይ ስነ ማሪያምን ቲይሎጊያን ሊቃውንትን ክሳተፉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብዛዕባ ሥርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ሚስጢራትን ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል አንቶኒዮ ካኚዛረስ ዮቨራ ብዓይኒ ዓንቀጸ ሃይማኖት ፍልሰታ ለማርያም ዝብል ክፍሊ እምነት ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ታሪኻዊ ቲዮሎጊያውን ትውፊታዊ ጭብጥታት ተመርኵይዞም ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖን ክንገር እንከሎ፣ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ኣብነ ማውሮ ፒያቸንዛ፣ ናይ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበር ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ኤንሪኮ ዳል ኮቮሎ ፍልሰታ ማርያም ብመንጽር ሥነ ታሪኽን ብስነ ኣበው ቤተ ክርስትያንን ሰፊሕ ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።







All the contents on this site are copyrighted ©.