2010-10-19 13:40:50

ኢጣሊያ፣ ናይ ካቶሊካውያን ማኅበራዊ ሰሙን


“ተሰፈይና ዛዕባ ንመጻኢ ሃገር” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተሰንዩ ኣብ ኢጣሊያ ረጆ ካላብሪያ ካብ ዕለት 14 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ዝተኻየደ መበል 46 ናይ ኢጣልያ ናይ ካቶሊካውያን ማኅበራዊ ሰሙን ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናብ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበርን ናይ ጀኖቫ ሊቀ RealAudioMP3 ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእክኽቲ፣ ነቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ቁጠባን ሳዕቤናቱን ካብ ዝብል ጭብጢ ተበጊሶም ኣብ ፍትሕን ፍቕርን (ምትሕስሳስብ) ዝቐውም ሓባራዊ ጥቅሚ ብሰፊሕ ከምዘረድኡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

ናይ ካምፖባሶ ሊቀ ጳጳስን ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓንን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ማኅበራውን ሥራሕ ጉዳይ ዝከታተል ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጃንካርሎ ማሪያ ብረጋንቲኒ፦ ናይ ከባቢ ወይ ድማ ወረዳን ኣውራጃን ሓቆፍ ሽግር በመንጽር ሓገራዊ ሓቆፍ ክርኤን ኣዚ ድማ ናይ ሓደ ሰብ ሽግር ዝፍታሕ እቲ ውልቃዊ ሽግሩ ናይቲ ዝነብረሉ ክፍሎ ማኅበረሰብ ሽግር ኮይኑ ክራኤ ምስ ዝጅምር ጥራሕ ኢዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከል ነገር ሰገር ዝኾኑ ክቡራት ዋጋታት ዘንጸባርቕ ማኅበረ-ሰብኣውነት ዝዳህሰሰ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ ክንገር እንከሎ፣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ተሳትፎ ካቶሊካውያን ኣብ መዳይ ፖለቲካ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ናይ ካቶሊካውያን ኣብ ፖለቲካ ምስታፍ ንምስግዳድ ዘይኮነ ሕዝብን ሃገርን ንምግልጋልን ሕዝብን ሃገርን ንምብራህን ንምንቕቓሕን ሕጋውነት ንምስፋሕን ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ሰብ ዘማእከለ ምዕባለን መደብ ሕንጸት ክረጋገጽን እምነት ብርሃን ኣእምሮ እምበር ጸቕጢ ከምዘይኮነ ኵሉ ካቶሊክ ምእመን በቢ ዝዋሳኣሉ ፖሊቲካዊ ማኅበራውን ኤኮኖሚያውን መዳይ እምነቱ ብቓን ብሕይወትን ክምስክርን ክነብርን ዘተሓሳሰበ ጉባኤ ኢዩ ኔሩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.