2010-10-19 13:38:45

ቅድስቲ መንበርን ኮሎምቢያን


ኣብ ቅድስቲ መንበር ሓድሽ ናይ ኮሎምቢያ ልዑከ መንግሥት ኮይኖም ብመንግሥቶም ዝተላእኩ ቸሳረ ማውሪሲዮ ቨላስኲስ ኦሳ ትማሊ ናይ ሹመት ደብዳቤኦም ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ሓድሽ ናይ ኮሎምቢያ ልኡከ መንግሥት ተቐቢሎም RealAudioMP3 ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኮሎምቢያ ምንም ዓይነት እትሓቶ ሓላፋ ከምዘይብላ ኣመልኪቶም፣ ኅላዌኣ ኣብ ኮሎምቢያ ንማኅበረ ክርስትያንን ነቶም ልባቶም ንዝኸፍቱላን ንኽቕበልዎ ኣእዳዎም ንዝዝርግሑላ ንምግልጋል ኢያ። ካብ ቀድም ኣትሒዛ ኣብ ኮሎምቢያ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ መዳይ ሕንጸት ሓድሽ ወለዶን ኣብ ኣገልግሎት ሕሙማንን ኣረጋውያንን መሰልን ክብርን ደቂ ዓድን ባህሎምን ድኻ ክፍሊ ኅብረሰብ ኮሎምቢያ ካብቲ ወዲቕዎ ዘሎ ድኽነት ንኽላቐቕ፣ ንእሱራትን ተመዛበልትን ስደተይናታትን ብሓፈሻኡ ደገፍን ሓገዝን ነዘድልዮም ክፍሊ ኅብረሰብ ኮሎምቢያ ቀረባ ኮይኑ ኵለ መዳይ ደገፍ ክምእተቕርብ ቅዱስ ኣቦና ኣመልኪቶም። ነቲ 165 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ክሊኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ኮሎምቢያ ዘኪሮም ኣብታ ሃገር ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ክነቓቓሕን ክኽበርን እዚ ንምርግጋጽ ድማ ሥርዓትን ሕግን ኮሎምቢያ ንባህርያዊ ሕጊ ዘኽብርን ኣፍልጦ ዝህብን ክኸውን ይግባእ ቢሎም፣ ጥዑይ ኅብረሰብ ንምሕናጽ መተካእታ ዘይብሎም ዓንዲ ኅብረትሰብ ዝበሃሉ ናይ ሕይወት ባህሊ፣ ሕይወት ካብ ምጽናስ ክስባ ባህርያዊ ሞት ክኽበርን ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ብምሥጢረ ተክሊክ ዝጸንዕ ቃል ኪዳን ክተባባዕን፣ ሥድራ ቤት ምስ መትከል ግብረ ገብን እምነትን ዝተሳየ ሕንጸት ንደቆም ናይ ምቕራብ ሓላፍነቶም ክረጋገጽን ኣተሓሳሲቦም ንሓድሽ ልኡከ መንግሥቲ ኮሎምቢያ ሰናይ ምጅማር ተልእኾኦም ተመንዮም ንናይ ኮሎምቢያ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ኹዋን ማኑውል ሳንቶስ ካልደሮን ንሕዝብን ሃገርን ምዕባለ ዝሓንጸጽዎም መደባት ንምርግጋጽ ክኽእሉ ተመንዮም፣ ኮሎምቢያ 200 ዓመት ናጽነት ኣብ እትዝከርሉ ዘላ እዋን ሰላምን ደህንነትን ስምምዕን ምሉእ ምዕባለ ንዜጋታት ኮሎምቢያ ብዝበለጸ ክረጋገጽ ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.