2010-10-19 13:42:02

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንካቶሊክ ምእመናን መንሰያት ህንዲ


ኣብ ህንዲ ግዝኣት ሜግሃላያ ኣብ እትርከብ ከተማ ሺሎንግ ክካይድ ዝቐነየ ናይ ሕንዲ ካቶሊካውያን መንሰያት ሻምናይ ጉባኤ ትማሊ ከምእተዛዘመ ኤሺያን ኔውስ እንክሕበር፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናብቲ ጉባኤ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ካቶሊክ መንሰያት ህንዲ ኣብታ ሃገር ክርስትያናዊ ፍቕርን ተስፋን RealAudioMP3 ሓጎስን ሰላምን ክምስክር ዝተጸውዔ ምዃኑ ከምዘተሓሳሰቡን ክንገር አንከሎ እታ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ህንዲ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ሳልቫቶረ ፐናኪዮ ኣብቲ መዕጸዊ እቲ ጉባኤ ከምእተነበት እንክሕበር፣ ቅዱስነቶም ናብቲ ብናይ ህንዲ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዓለም ምንባርን ዓለም ናጻ ምውጻእን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ንናይ ሃገሮም መንሰያት ካቶሊክ ዘዳለዉዎ ናብ ሻምናይ ብሔራዊ ሓቆፍ ናይ ካቶሊክ መንሰያት ጉባኤ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ መንሰያት ሕይወቶም ብቓል ኣምላኽ ለዊጦምን ሓዲሶም ኣብ ማኅበርሰብ ምልዋጥን ሕዳሴን ከንቓቕሑ ይግባእ፣ ዝተሓደሰ መንእሰይ ዝነብረላ ሃገር ተሰፈይና ኢያ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ካቶሊክ መንሰያት ህንዲ መንፈሳውነት ኣብ ዘነቓቕሓሉ ተግባራትን ሕንጸታትን ክዋስኡን ናይ ዝነነብርሉ ከባቢ ጭቡጥ ኵነት ናይ ምፍላጥን ምትንታንን ብቕዓት ክህልዎምን ኣብ ጸሎት ትጉሃትን ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ባህላዊ መጽናዕቲ ብንቕሓት ክጽመድ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓደራ ቢሎም፣ ግብረ ገብ ዝዓሰሎን ብቓል ወንጌል ዝተለወጠ ሕይወት ምንባር ምንጪ ሓጎስ ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.