2010-10-16 14:40:26

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ናይ ኢጣሊያ፣ ናይ ካቶሊካውያን ማኅበራዊ ሰሙን


“ተሰፈይና ዛዕባ ንመጻኢ ሃገር” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ኣብ ኢጣሊያ ረጆ ካላብሪያ ካብ ዕለት 14 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ዝካየድ መበል 46 ናይ ኢጣልያ ናይ ካቶሊካውያን ማኅበራዊ ሰሙን ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናብ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበርን ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስ RealAudioMP3 ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእክኽቲ፣ ነቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ቁጠባን ሳዕቤናቱን ካብ ዝብል ጭብጢ ተበጊሶም ኣብ ፍትሕን ፍቕርን (ምትሕስሳስብ) ዝቐውም ሓባራዊ ጥቅሚ ብሰፊሕ ከምዘረድኡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

ኣብ ዓለም ዝርኤይ ሽግር ኤኮኖምያዊ መበቆል ዘለዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብፍላይ ባህላውን ስነ ሕዝባዊ ቅልውላውን፣ ንተራ ደቀ ንስትዮ ኣብ ማኅበርሰብ ግቡእ ቦታ ካብ ዘይምሃብን ዘይምንቕቓሕን፣ እቲ ዓንዲ ማኅበርሰብ ዝኾነ ሥድራ ቤት ኣብ ምድጋፍ መንግሥታትን ተቛማትን ዘርእይዎ ጉድለትን መሠረት ዘለዎ ምዃኑ ኣመልኪቶም። ኵሉ ዜጋ ውልቃዊ ረብሓ ጥራሕ ካብ ዘናዲ ስስዔን ሕሉፍ ፍትወት ነብሲ ተቖጢቡ፣ ኵነታት ናይ ምትንታን ክእለቱ ክብ ብምባል ንነዊሕ ዝጥምትን ኣብ ማኅበራዊው ጉዳይ ናይ ተሳታፍነት መሰሉን ሓላፍነቱን ብምኽባር ንቑሕ ኣባል ክፍሊ ኅብረተሰብ ኮይኑ ኣብ ምክልኻል ናይ ሕይወት ባህልን ሰብኣዊ ክብርን ከባብን ኣብ ምንቕቓሕ ሰላም ንጡፍ ኽከውን ኣተሓሳሲቦም። ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ኣብ ፖለቲካን ባህልን ብዘይ ስምዒት ትሑትነት ዝዋሳእ ዝተሓደሰ ሓድሽ ካቶሊካዊ ወለዶ ክበርቕ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ኣብ ባህላውን ፖለቲካውን መዳያት ንጥፈት ካቶሊክ ምእመን፣ ካብቶም ብዛዕባ እግዚኣብሔር ሰብን ዓለም ዝምልከቱ ሓቅታት ተበጊሱ ኣእምሮኣውን ቀልባውን ግብረ ገብን መሠረት ካብ ዝገብር ናይ ሕንጸት ከይዲ ክፍለ የብሉን። ስለዚህ ቤተ ክርስትያን ብመንፈስ ኣገልግሎትን ቃልን ተግባርን ብዘሳንይ ናይ እምነት ምስክርነት መሠረት ብሱልን ምዕቡልን ክርስትያናዊ ኅልና ኣብ ምሕናጽ ክትነቕሕ ይግባእ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ኣብ መወዳእታ መልእኽቶም ጉዳይ ስደተይናታትን ተመዛበልንትን ጠቒሶም ስደተይናታት ኣብ ዝተኣንገድሉ ማኅበርሰብ ተወሃሂዶምን ተሳንዮምንም ንኽነብሩ ዘኽእሎምን ንስደት ዝድርዅ ዝተፈላለዩ ኅብረ ጨናፍር ሽግራት ንምውጋድ ዝኣመተ ማኅበራዊ ፖለቲካ ክምዕብል ኣተሓሳሲቦም። ቤተ ክርስትያን ነቶም ስደተይናታት ክፍሊ ኅብረተሰብ ዘተኮረ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብምቕራብ መደብ ድሕነት እግዚኣብሔር ከተበሥር ዝተጸወዔት ኢያ ኢሎም። ብሩኅ መጻኢ ንምሕናጽ ድላይ ብሉጹ መጻኢ ዓለም ንበይኑ እዅሉ ኣይኮነን፣ ምእንቲ’ዚ ብሩኅ መጻኢ ንምሕናጽ ዝብል ድላይን ጻዕርን ነቲ ኣብ ፍጥረት ሰብ ዘማእከለ ናይ ወዲ ሰብ ተግባር ሠገር ዝጥምትን ታሪኽ ብለውሃትን ሓልዮት እግዚኣብሔር ይምራሕ ኣብ ዝብል ብእማኔ ዝጸንዔ ክኸውን ኣለዎ፣ እዚ ዘተኣማምን ተስፋ’ዚ ገጽ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘነጸሮ ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.