2010-10-14 13:59:50

ናይ ማእክላይ ምብራቕ ማኅበረ-ክርስትያን ንሰላምን ኅብረኣውነትን


“እቶም ዝኣምኑ ዅላቶም ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ነበሩ፤ ብዅሉ ብርኪ ነበሩ እምበር ሓደ እኳ ነቲ ገንዘቡ፥ እዚ ናተይ እዩ፥ ዚብል ኣይነበሮምን” ግብረ ሓዋርያት ምዕራፍ 4 ፍቕዲ 32 ተመሪሑ ካብ ዕለት 10 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም ናይ ዝቕጽል ዘሎ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ RealAudioMP3 ወከልቲ ትማሊ ምስ ናይ ኢጣልያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ከእምተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ብናይ ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ኒኪላ ኤተሮቪችን ብናይ ምሥራቕ ኣቢያተ ክርስትያን ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ናይቶም ልኡኻት ሊቀ መንበርን ብፁዕ ካርዲንል ለዮናርዶ ሳንድሪ ዝተመርሑ ልኡኻት ኣበው ሲኖዶስ ኣብ ሕንጻ ኵሪናለ ምስ ርእሰ ብሔር ናፖለቲኖ ዝተኻየደ ርክብ ኣመልኪቶም ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበረዎ ቃለ ምልልስ፣ ኢጣሊያ ንናይ ማእከላይ ምብራቕ ሓፈሻዊ ጉዳያት ብቐረባ ብምክትታልን እተርእዮ ህርኵት ሓልዮት መሠረት ናይ ሲኖዶስ ኣበው ንርእሰ ብሔር ናፖሊቲካኖ ምስጋናኦም ዘቕረብሉ ልባዊ ርክብ ከምዝነበረ ሓቢሮም።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ዜጋታትን ሃይማኖታትን ማዕርነት ብመሠረት ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣውን መሰልን ፍቓድን ውሳኔ መሠረት ውሑስ ክኸውንን ክረጋገጽን ምዕራብ ሃገራት ዝፍጽምኦ ጻዕርን ምንቕቓሓትን ዓቢ ሓገዝ ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ብፍላይ ድማ እዚ ምንቕቓሕ ካብ ኤውሮጳ ክነቅል እንከሎ ዓቢይን ሰፊሕን ተቐባልነት ኣለዎ ኢሎም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ ካቶሊክ ማኅበረ ክርስትያን ውኁድ ክፍሊ ኅብረተ-ሰብ እውን እንትሰኾነ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ብፍላይ ድማ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ መዳይ ሕንጸትን በቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ብናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስያን ናይ ተራድኦ ማኅበር እቢላ ኣብ ማኅበራዊ ጉዳይ እተሳልጦ ደገፍን እተከናውኖ ካቶሊካዊ ተግባርን ዝምስክሮ ኢዩ ኢሎም።

ርእሰ ብሔር ናፖሊታኖ እቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቕ ሲኖዶስ ዓቢይ ታሪኻዊ ፍጻሜ ኢዩ ቢሎም፣ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብቲ ክፍሊ ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክነቓቓሕን ክረጋገጽን ዘካይዶ ጻዕሪ ዘኪሮም፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ክሰፍን ተላብዮም ኣብዚ መዳይ ናይ ቤተ ክርስትያንን ብፁዓን ጳጳሳት ኣገልግሎት ዝነኣድ ኢዩ፣ ኣብቲ ከባቢ ህላዌ ካቶሊካውያን ብሓፈሻኡ ኅላዌ ማኅበረ ክርስትያን፣ ንምርግጋጽ ሰላምን ኅብረኣውነትን ዓቢ ተራ ዘለዎን ኣገዳስን ምዃኑ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ብፁዓን ጳጳሳት ጻዕርን፣ ከምኡ ድማ በዚ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ እቲ ኣገልግሎት ንምሕዳስን ንምንቕቓሕን ክቡር ዋጋ ኅላዌ ማኅበረ ክርስያን ብብቕዓት ዘተባብዕ ኢዩ ኢሎም።

ኵለን ኣብ ውልቀ-እግዚኣብሔርነት ዝኣምና ሃይማኖታት ኣብ መንጎ ማኅበረሰብን ሥልጣኔታት ዕርቅን ምክብባርን ውሑስ ክኸውን ሰላምን ምክብባርን ምቅርራብን ክህሉ ዘካይድኦን ብቐዳምነት ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዘተባብዕዎ ናይ ዘተ መድረኽ መሠረት ሰላም ኢዩ ከምዝበሉ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተመሓላለፈ መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.