2010-10-14 14:00:48

ቅድስቲ መንበር፣ሕንጸት ደቀ ንስትዮን ምርጋፍ ኣጽዋርን


ኣብ ኔው ዮርክ ኣብ ናይ ሕብራት መንግሥታት ዓለም ኣብ ዝካይድ ዘሎ መበል 65 ጠቕላሊ ጉባኤ ዝስተፍ ዘሎ ጉጅለ ልኡኻት ቅድስት መንበር ዝመርሓን ብስም ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንሲስ ቹሊካት ቅድሚ ትማሊ ዘረባ ዘስምዓ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ተልእኾ RealAudioMP3 ኣማኻሪት ካትይ ሙርፍይ፣ ቅድስቲ መንበር ዓመጽን ውግእን ክውገድን ኣብ እውነተይና መገዲ ምዕባለ ክምረሽ ሕንጸት ደቀ ንስትዮን ምርጋፍ ኣጽዋር ውግእ ዘየማትእ ምርጫ ምዃኑ ክምእተኣምንሉን፣ እዚ ኣብ መላእ ኵርንዓት ዓለም መታን ቅቡል ክኸውን ምስ ዝተፈላለዩ መንግሥታት ኣብ እተካዶ ርክብ እተቓልሖን እተነቓቕሖን ዕላማ ኢዩ ከምዝበላ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ሕንጸትን ምዕባለን ደቀ ንስትዮ ናብ መገዲ ሰላምን ምዕባለን ዝመርሕ ማዕጾ ከምዝኾነን ምእንት’ዚ ቤተ ክርስትያን ንጉዳይ ደቀ ንስትዮ ዝሓልዩ ዝተፈላለዩ ማኅበራት ብምቛም፣ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብትኽክል ዕለት 2 ሓምለ 2009 ዓ.ም. ዝተመሥረተ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንደገፍ ደቀ ንስትዮን ኣደነትን ዝሕጸጹ መዳባት ክረጋገጹ ጭቡጥ ሓገዝን መጋበርያን ዘቕርብ ማኅበር ኣብነት ጠቒሰን፣ ዘርኢ ሰብ ብዘይ ሕጊ ካብ ቦታ ቦታ ብዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ደቀ ንስትዮን ሕጻናትን ዝወርድ ኢሰብኣዊ ተግባርን ዓመጽን ዘተኣታትዎ ሓድሽ ጊልያነት ንኽውገድ ድኽነትን መሃይምነትን ሥእነት ሥራሕን ምውጋድ ዝብል ዕላማ ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዉ ከምዝበላ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ብፁዕ ኣቡነ ፍራንሲስ ቹሊካት ዓለም ሓቆፍ ድሕነትን ምርጋፍ ኣጽዋርን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣተኵይሮም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ናይ ዓለም ሓቆፍ ውሕስነት ድሕነት መምዘኒ ሓይሊ ምክልኻልን ኣጽዋር ውግእን እናኾነ፣ ነጽዋር ውግእ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎን፣ ኣብ 2009 ዓ.ም. ንወተሃደራዊ ጉዳይ ዝፈሰሰ ሃብቲ ገንዘብ ሓደ ሚሊያርድን 531 ሚሊዮን ዶላር ከምዝኾነን ምስ 2000 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ በ 49 ሚእታዊ ክብ ከምዝበለ ኣመልኪቶም፣ ድኽነት ንምውጋድን ንናይ ድኻታት ደገፍ ዝሕንጸጹ ናይ ግብረ ሰናይ መደባት መሳለጢ ተባሂሉ ዝስላዕ ሃብቲ ገንዘብ እናጎደለ ይኸይድ ኣሎ ከምዝበሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.