2010-10-14 14:08:50

መራኸቢ ብዙኃንን ኣፍሪቃን


ኣብ ሮማ ዝርከብ ስነ ፖሊቲካ ዓለም ሓቆፍ ተቛም ናይ ኣፍሪቃ ጉዳይ ዝዕዘብ ጨንፈር ምስ ናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትር ንናይ ኣፍሪቃ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር መራኸቢ ብዙኃንን RealAudioMP3 ኣፍሪቃን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ዘዳለዎ ዓወደ መጽናዕቲ ኣብ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ጋዜጠይናታትን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙኃንን ዝዓደመ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ መዳይ ኣቀማምጣ መሬት ፖለቲካን ኤኮኖምን ኣብ ኣፍሪቃ ዝቀላቐሉን ዘለዉን ዝተዓትሩን ለውጥታትን ተበጽሖታትን ኣብ ዝብል ቅውም ነገር ዘተኮረ ከምዝኾነ እንክንገር፣ ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ናይ ኣፍሪቃ ደቡባዊ ሰሓራ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ማርኮ ክላውዲዮ ቮዚ ብዘስምዕዎ ዘረባ ክምእተጀመረ ካብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተመሓላለፈ ምንጪ ዜና ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.