2010-10-12 15:47:25

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ካላብርያ- ደቡብ ዓዲ ጣልያን


 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝመጽእ ዓመት ዕለት 9 ጥቅምቲ 2011 ዓምፈ ኣብ ረጅዮ ካላብርያ ዝበሃል ደቡብ ዓዲ ጣልያን ዝርከባ ሰብኻ ላመጽያ ተርመን ናይ ሰራ ሳን ብሩኖ ቸርቶዛን ክበጽሑ ምዃኖም ናይቲ ከተማ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ልዊጂ ኣንቶንዮ ካንታፎራ ከማኡ እውን ናይ ቸርቶሳ መነኮሳን ኣበምኔት ኣባ ጃክወስ ዱፖጝ ንጋዜጣ ሎዘርቫቶረ ሮማኖ ኣመልኪቶም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ቅዱስነቶም ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ንጋሆ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ኣማስያኡ ከኣ ምስ ቸርቶሲኒ ዝበሃሉ መነኮሳን ሲታውያን መነኮሳት ዳዊት ዘሰርክ ክደግሙ ምዃኖም ሓቢሮም።

ቅድሚ 26 ዓመት ብወርኂ ጥቅምቲ 1984 ዓም ዝክረ ጥ ዑም ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓውርያዊ ምብጻሕ ገሮም ከምዝነበሩን ‘ኣደናቂ ቦታ፤ ኃያል ቦታ፤ ሽሕኳ ብዙሕ ኣሉታዊ ተጽ ዕኖ እንተጋጠሞ ንሕማቅ ክቃወምን ብትዕግሥትን ሥራሕን ክብርን ንቅድሚት ክግሥግሥ ዝኸኣለ ቦታ’ እንክብሉ ኣብ ኣየርፖርት ላመንጽያ ዓው ቢሎም ከምዝሰበኹን መዛግብ ይዝክር።

ነዚ ናይ ሕጂ ሓዋርያው ምብጻሕ ዝኣወጁ ናይ ላመንጽያ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ልዊጂ ኣንቶንዮ ካንታፎራ እዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዚ ብሃውሪ ዝተመደበ ኣይኮነን፤ ዓመት ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ድሮ ስለዝጀመርና እዚ ምብጻሕ እዚ ከኣ ደፋኢ ኃይሊ ኢዩ፤ ሽሕ’ኳ እዚ ሓዋርያዊ ብምጻሕ እዚ ናብ ሰበኻና ዘተኮረ እንተኾነ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ዘጋጥሙና ብርቱዕ ፈተናታት ከም ጸገም ማፍያ ሥራሕ ምስኣን፤ ብቐጻሊ ዘዕለቅልቁና ማኅበራዊ ጸገማት ንምስጋር ሕዝቢ ናይዚ ዞባ እዚ ተስፋ ክሰንቅ ይኽእል፤ ብዙሕ ግዜ ሕዝቢ ካላብርያ ተስፋ ዝቆረጸ ኢዩ ይበሃል፤ እቲ ሓቂ ግን ሕዝቢ ካላብርያ ናይ ዞባኡ ተዋሳኢ ክኸውን ይደሊ፤ ከተማ ላመጽያ ይኹን ዞባ ካላባርያ ሓደ ዓቢ ዝላ ናብ ምዕባሌ ክገብር ዝኽእል፤ ብቁዕ ሃይማኖታዊ ሕይወት ክነብር ዝኽእል ናብ ብሱል እምነት ዘለዎ ተበግሶ ክወስድ ዝኽእል ዚኣክል ተኽእሎን ዓቅምን ብቅ ዓትን ዘለዎ ሕዝቢ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን እንክብሉ፤ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ጸገማትን ተኽእሎን ትጽቢትን ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.