2010-10-07 15:36:02

ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ኣፍሪቃ


ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ 1960 ዓ.ም. ናጽነትን ሉኣላውነተን ካብ ዝረጋግጻ ንነጀው ኣፍሪቃ ብናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ዝተዓደለት እውን እንተኾነት ሕጂ እውን ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ናጻነት፣ ሕዝባ ናይ ዓመጽን RealAudioMP3 ራዕድን ስደትን መከራን ኣደዳ ከምዝኾነ ኣብ ጫድ ናይ ዱባ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሚሸል ሩሶ ገሊጾም፣ ኣብታ ክፍለ ዓለም ብኢድ ኣታውነትን ብምትሕብባር ናይ ገለ ገለ መንግሥታትን ሃገራት ኣፍሪቃን ናይ ከባቢ ቤት ምኽሪ ምምሕዳራትን ዝለዓዓሉ ሁከትን ዝፍጸሙ ምዝመዛ ሃብቲ ተፈጥሮ ንዛ ክፍለ ዓለም ናብ ዝከፍኤ ውጥረትን ድኽነት ይድርኻ ኣሎ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ንህዝቢ ኣፍሪቃ ከይሓሰብካን ጎደና ምዕባለኡ ከይኣመትካን ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ዝፍጸም ምዝመዛ ሃብቲ ተፈጥሮ፣ ክውገድ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት፣ ተፈጥሮኣዊ ሃብትታት ዕድልን ጸጋን ክነሱ መርገም ኮይኑ ዝሕሰበሉ እዋን በጺሕና ኣሎና ቢሎም፣ ስለዚህ ናይታ ክፍለ ዓለም ናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ንኣፍሪቃን ሕዝባን ምዕባለ መጋበሪያ ክውዕል ምጽዓር፣ ስደትን መከራን ዘወግድ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም ኣብ ኤውሮጳ በቶም ካብ ኣፍሪቃ በረኻን ምድረ በዳን ባሕርን እናቋረጹ ዝውሕዙ ስደተይናታት ምኽንያት ዝተኣታተዉ ተባሂሉም ብናይ ኤውሮጳ መንግሥታትን ብናይ ኤውሮጳ ናይ ፖለቲካ መድረኻት ዝንገሩ ማኅበራዊ ፖለቲካውን ሃይማኖታዊ ተርእዮታት መሠረታዊ ፍታሕ ክረክብ ዝገብር እውን ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ሩሶ ከምዘመልከቱ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።

ናይ ኣፍሪቃ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ንናይ ኣፍሪቃ ምዕባለ ክውዕል ኣብ ዝብል ዕላማ ንኣፍሪቃ ምድጋፍ ኣፍሪቃ ካብ ድኽነትን መከራን ክትላቐቕ ዝድርኻ መሠረታዊ መደብ ምዕባለ ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ሩሶ ገሊጾም፣ ሕዝባ ካብ ድኽነት ዘላቕቕን ስእነት ሥራሕ ዘወግድን ናይ ሕንጸት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድ ውሳኔ ዘረጋገጽን ብሓፈሻኡ መሠረት ሰላምን ምርግጋእን ምዕባለን ኢዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.