2010-10-07 15:31:10

ቅድስቲ መንበር፣ ጉዳይ ናይ ኤኮኖምን ፖለቲካን ዑቕባ ሓተትቲ ስደተይናታት


ዋና መንበሩ ኣብ ጄኔቭ ዝርከብ ኣብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ጉዳይ ዝሓሊ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ማኅበር ላዕለዋይ ድርገት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ቶማሲ ናይ ሕቡራት RealAudioMP3 መንግሥታት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ድርገት ኣብ ዘካየዶ መበል 61 ክፋል ኣኼባኡ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ካብተን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ፈጺመን ዘይኽብራ ሃገራት ዑቕባ ክሓቱ ቢሎም ንዝስደዱ ዜጋታት፣ ናብ ዝመጽሉ ምፍናውን ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሕቶኦም ምንጻግን ዓቢ ገበን ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ዕቕባ ሓታቲ ከም ሰብ ዘይኮነስ ብቁጽሪ ዝግለጽ እናኾነ፣ እቲ ዘቕርቦ ናይ ዑቕባ ሕቶ ኣክንዲ ተጥንቂቅካ ምርኣይ፣ ከም ቁጽሪ እናረኣኻ ዝግበር ኣሰራርሓ ናይቶም ሕይወቶም ካብ ሓደጋ ከድሕኑ ዝስደዱ ዜጋታት ሕይወት መሊስካ ናብ ዝገደደ ሓደጋ የውድቕ ከምዘሎ ብፁዕ ኣቡነ ቶማሲ ኣመልኪቶም፣ እቲ ክብጻሕ ዘለዎ ሸቶ ነቶም ዑቕባ ሓተትቲ ተቐቢልካ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ክኽበር ምንቕቓሕ ኢዩ። ካብ 1951 ዓ.ም. ብናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ውሳኔ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልንት ሓተቲ ዕቕባን ጉዳይ ዝምልከት ዝጸደቖ ሰነድ ኣብ 2011 ዓ.ም. መበል 60 ዓመቱ ከብዕል ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብቲ ዝሓለፈ 60 ዓመታት ናይ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ላዕለዋይ ድርገት ፍጻሜታቱ ዝነኣድ ኢዩ ቢሎም፣ ሕጂ እውን ብዙሓት ምዑባልት ሃገራት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ዝኽተላ ክነሰን፣ እቶም ካብተን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዘይኽብራ ሃገራት ተመዛቢሎም ዝመጹ ሓተትቲ ዑቕባ፣ ናብ ዝመጽሉ ከፋንዋ ምርኣይ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ንኸይክበር ዘተባብዕ ኢሰባዊ ተግባር ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.