2010-10-07 15:52:06

ሲኖዶስ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ


ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርኂ ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 24 ኣብ ከተማ ቫቲካን ሲኖዶስ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ ክካየድ ኢዩ።

ኣር እስቲ ናይቲ ሲኖዶስ ‘ኣብ ማእከላይ ምብራቅ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንኅብረትን ምስክርነትን፤ ዝብል ኮይኑ መሪሕ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ከኣ ካብ ግብረ ሓዋርያት 4፡32 ዝተወስደ ‘ኩሎም ኣመንቲ ሓደ ልብን ሓንቲ ሓሳብን ነበሮ’ ዚብል ኢዩ።

ነዚ ሲኖዶስ እዚ ንዝተሰናደው መርኃ ግብር ንምድልዳል ብፓክስ ሮማና ዝተዳለወ ጉባኤ ዓለምለኻዊ ምንቅስቃስ ካቶሊካውያን ሊቃውንቲ ትማሊ ዓውደ መጽናዕቲ ጀሚሩ፤ ኣብ ናይ ትማሊ ው ዕሎ ስደት ሓድነት ቤተ ክርስትያንን ዘተ ምስ ኣስላምን ዝብላ ቀንዲ ኣርእስትታ ተዘትዪሎም።

እዚ ዓውደ መጽናዕቲ እዚ ነርባዕተ መዓልታት ክቅጽል ምዃኑ እውን ምስ እዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ኣጸጋሚ ኮይኑ ዘሎ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ዘሎ ዘይምርድዳእ ስለዝኾነ ተጋባእቲ ናይዚ ዓውደ መጽናዕቲ፤ ‘ሃይማኖታዊ ዘተ ብዙኃን ዚሓቊፍን መሰል ደቂ ሰባት ዚሕሉን ኅብረተሰባዊ ፍትሒ ዘንግሥን ክኸውን ኣለው’ ቢሎም፤ ብዘይካዚ በብጉጅለ ተማቂሎም ብዛዕባ ንነበርቲ ማእከላይ ምብራቅ ዘር ኢ ምድሪ ገርዎም ዘሎ መወዳእታ ዘይብሉ ስደት ከማኡ እውን ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ዝርከቡ ክርስትያን ኣብ ክንደይ ንሶም ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ኣይግድን ስለዝኾነ እዚ እውን ክርኰረሉ ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ ብምዃኑ ከማኡ እውን መዓልቦ ስኢኑ ዘሎ ርክብ ፍልስጠኤማውያንን እስራኤላውያንን እውን ካብቲ ዛዕባታት ናይ ዓውደ መጽናዕቲ ኢዮም።

እዚ ዓውደ መጽናዕቲ እዚ ምስ ተፈጸመ ንናይ ሲኖዶስ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ ተጋባእቲ ኣበው ለበዋታት ከተሓልልፉ ኢዮም።

ኩነታት ማእከላይ ምብራቅ እንታይ ከምዝመስል ናይ ስዑዲ ዓረብ ሓዋርያዊ ኅየንተ ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ሂንደር ንረድዮ ቫቲካን ነዚ ዚስ ዕብ መግለጺ ሂቦም፡ ቅድሚ ዝ ኣገረ ገሊሑ ዝረአ ነገር እዛ ቤተ ክርስትያን ኣብ ንግደት ወይ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ምዃና ኢዩ፤ ዳርጋ ኩሎም ኣብዚ ከባቢ ዚርከቡ ክርስትያን ወጻእተኛታት ኢዮም፤ ዝበዝሑ ካቶሊካውያን ካብ ፍሊፒንስን ህንድን እኳ እንተኾነ ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ዝመጹ ኢዮም፤ ከም ሓለፍቲ መንገዲ ስለዝረኣዪ ነዛ ቤተ ክርስትያን እዚኣ ፍሉይ ገጽታ ይህባ።

ኣብ በዓል ኢየሩሳሌም ሊባኖስ ሶርያ ኢራቅ ጥንታውያን ክርስትያን ስለዘለው ንሓድነት ክዛተዩ ክሰርሑ እንከለው ኣነ ኣብ ዝሰርሓሉ ግን ወዲ ዓዲ ክርስትያን ስለዘየሎ ወላውን ዝተፈላለየ ናይ ክርስትና ማኅበራት እንተለዋ ካብ ካልእ ከባቢታት ፍልይ ይብል።

ንቤተ ክርስትያን ማእከላይ ምብራቅ ሎሚ ቀንዲ ዘድልያ ከምቲ መሪሕ ቃል ናይቲ ሲኖዶስ ዚብሎ ‘ኅብረትን ምስክርነትን’ ኢዩ። እዚ ብወጻኢ ምስ ካል ኦት ኣብያተ ክርስትያን ዘይኮነ ቀንዲ ኣብ ውሽጢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብቀዳምነት ዘድሊ ነገር ኢዩ፤ ዓሚቊ ኅብረትን ግሁድ ምስክርነትን ካብ ውሽጥኻ ክትህብ እንተዘይክ ኢልካ ኩሉ ከንቱ ኢዩ፤ በዚ ሲኖዶስ እዚ ክንመሃር ንጅምር ኣሎና፤ ተማሂርና ነንሕድሕድና ምት እርራም ክንገብር ተስፋ እገብር። እንክብሉ እዚ ሲኖዶስ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽን ሕጋዊ ጉዳያትን ከየድሃበ ንናይ ክርስቶስ ወንጌል ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ከመይ ጌርካ ክትነብሮ ክትምስክርን ከምዚከኣል ትንቢታዊ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ዘለዎም ተስፋን ለበዋን ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.