2010-10-06 14:46:11

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፣ መንእሰይ ብናይ ገበን ጉጅለታት ኣመለኻኽታ ከይጽለው


ኣብ ሲቺሊያ ክፍለ ሃገር ኢጣሊያ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምስ ናይታ ክፍለ ሃገር መንእሰያት ድሕሪ ምርኻብ ከምዘጠናቐቑ ክንገር እንከሎ፣ መንእሰይ ብናይ ማፍያን ካልኦት ናይ ገበን RealAudioMP3 ጉጅለታት ኣመለኻኽታ ከይጽለዉን ከይማረኽን ሓደራ ኢሎም። ኣብ ኣደባባይ ፖሊተአማ ንዝተኣከቡ ልዕሊ 20 ሺሕ ዝግመቱ መንሰያት፣ ቅዱስነቶም መሪሕ ቃል ቅድሚ ምቕራቦም፣ ናይ ካልታኒሰታ ሊቀ ጳጳስ ናይ ሲቺሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ጉዳይ መንሰያትን ሥድራ ቤትን ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ሩሶቶ፣ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቤተ ክርስትያን ጽቡቕን ብሩኅን ህልው ኩነት ምልክት ኢዩ ቢሎም ሰላምታኦም እንከቕርቡ ከምዝገለጽዎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

ብፁዕ ኣቡነ ሩሶቶ ናይ ሲቺሊያ ትጽቢት ናይቲ እንነብረሉ ማኅበርሰብ እውነተይናን ቅኑዕን ብድሆ ኢዩ። ማኅበርሰብ ሲቺሊያ ናይ ተስፋን፣ እቲ እዚዩ ዝማርኽ ናይ ዘመንና ናይ ፍቕሪ ሥልጣኔ ዘቕርቦ ጥንሰ ሓሳብ ዝውክል ኢዩ ቢሎም፣ ኣብቲ ኣደባብይ ዝተኣከበ ብእምነትን ብሙውቅ ፍቕርን ኣኽብሮትን ምስ ተኸታሊ ቅዲስ ጴጥሮስ ጥምረቱ ይምስክር ኣሎ ኢሎም። ካብ ተመሃሮ ብዛዕባ ኣብታ ክፍለ ሃገር ዕለታዊ መነባብሮ ተደቂኖም ዘለዉ ዓበይቲ ሽግራት ዘነጽሩ መግለጽታት፣ ብፍልያ ድማ መንእሰይ ናብ መገዲ ኣምላኽ ንዝመርሕን እቲ ዘነቓቕሕን ዝተውሃበካ ኃላፍነት ንኽትሕድስ ዘብቕዓካ ንእግዚአብሔር ንምውፋይ ዝብል ውሳኔ ባይታ ዝፈጥር ዓሚዩቕን ብሱል ንዝኾነ መደብ ሕንጸት፣ ዘለዎ ሃረርታ ዘንጸባርቕን ኣብ መንጎ ተመሃሮን ኣባይቲ ትምህርትን ዘሎ ርክብን፣ ብቓል ጥራሕ ዘይኮነ ብሕይወቶም ኣብነት ዝኾኑ መሰኻኽር ከምዝደልዩን፣ ናይ ቓል ዘይኮነ ናይ ሕይወት ምስክርነት ኣዚዩ ከምዝሃንጾን እዚ ድማ ምስ ዕለታዊ ህልው ናብራኡ ክነጻጸርን፣ እቲ ዝቐስሞ ፍልጠት ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ከምዝሕግዞን ካብ ተመሃሮ ኣብ ዝቐረቡ ዘረባታት ከምእተሰመረሉን እንክፍለጥ፣ ሲቺሊያ ምእንቲ ፍትሕን ምርግጋጽ ሕግን ዝተሠውኡ ናይ ጸረ ማፊያ ቤት ፍርዲ ደያኑን ፍትሕን ሕግን ክነግሥ ዘይሕለል ኣገልግሎት ዘበርከቱ ደቂ ቤተ ርክስትያንን ኣባላት ውሉደ ክህነትን ከምእተጠቐሱ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እቶም ተመሃሮ ካብ ዘቕረብዎ ዘረባን ሕቶን ናይ መንሰያት ድልየትን ሃረርታን ዕላማን ተገንዚቦም፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ብፅእና ዝኣወጀትላ ኣብ 1990 ዓ.ም. ገና ጓል 19 ዓመት እንከላ ብዝሓደረ ሕማም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈለየት፣ በቲ ካብ ዓሚዩቕ እምነትን ፍቕርን ዝምንጭ ብርሃን እግዚኣብሔር ዝተኾለዐት ብፅዕት ኪያራ ባዳኖ ከም ኣብነት ጠቒሶም፣ ከም ባህልን ልምድን ጥራሕ ዘይኮነስ ከምቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝምህረና ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ዝሰጋገር ካብ እምነት ዝምንጭ ኣብ መንጎ ወላድን ውላድን ዝቐውም ርክብ መሠረታዊ ምዃኑ ዝነጽር ኢዩ።

ሥድራ ቤት ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ዝተዘርኤ ብዛዕባ ትርጉም ሕይወት መባእታዊ ግንዛቤ እንረኽበሉ መደብ ኣምላኽ ኢዩ። ብሓልዮት ጸጋ እግዚኣብሔርን ሰብኣዊ ምትሕብባርን ኣብ ማሕጸን ሥድራ ቤት ሕይወት ቅድስና ዘስተማቐሩ ደቂ ሲቺሊያ ከም ኣገልጋሊት እግዚኣብሔር ማሪያ ካርመሊና ለዮነን ማሪያ ማኞን ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ሮዛሪዮ ሊቫቲኖም ማሪዮ ጁሰፐ ረስቲቮን ጠቒሶም፣ እቲ ካብ ሰናይ ተግባር ሕማቕ ተግባራት ዘጉልሕ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ዘይዛረበሎም ብዙሓት ኣብ ግብረ ሰናይ ፍቕርን ዝተጸምዱ ንናይ ሲቺሊያ ናይ መጻኢ ሰናይ ዕድል ኃይሊ ዝኾኑ ብዙሓት መንሰያት ዝፍጽምዎ ጻዕሪ ጠቒሶም፣ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረ ዝንገር ዕጸ ሕይወትን ሳዕቤን ክፍኣትን፣ ምስ መዝሙረ ዳዊት ምዕራፍ ሓደ ንሕጊ እግዚኣብሔር ብምእዛዝ ዚሕጐስ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን ዜስተንትኖ ሰብ ዕዉት ኢዩ፣ ምስ ዝብል ቃል ኣምላኽ ብምትሕሓዝ ብእምነትን ብቅኑዕ ባህልን ተሰኒዅም ንመንፈስ ክፍኣት ንምቅዋም ኣይትፍርሑ፣ እዚ ዝፍጽም መንእሰይ ናይ ከባቢኡ ተስፋ ኢዩ ኢሎም። ንናይ ገበን ጉጅለታትን እቲ ናይ ሞት ባህልን መገዲ ሞትን ጥፍኣትን ዝኾነ ምስ ወንጌል ዘይቃደው ዓይነት ሕይወት ኣይፋል ቢልኩም ተቓወምዎ፣ ከምቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ሲችሊያ ብብፁዓን ጳጳሳታ ገይራ ንማፍያ ንምቅዋም እትኽተሎ መገዲ ሰናይ ስዓቡ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ሕይወት ክብርን ክቡራት ዋጋታትን ብፍላይ ድማ ናይ ፍቕርን እምነትን ኣፍልጦ ምስሊ እግዚኣብሔርን፣ ንሱ ብዘይ ምቁራጽን ብተኣማንነትን ሕይወቱ ክሳብ በጃ ምሃብ ከምዘፍቕረና ዘረጋግጸልና ዓሚዩቕ ርድኢት ዕለታዊ መግቢ ኮይኑ ከምዘዕብየናን ከም ሰብ ከምዝሓንጸናን፣ እዚ እትነብር ሥድራ ቤት ንእሽቶይ ቤተ ክርስያን ኢያ። ስለምታይሲ ብኃይሊ ምሥጢረ ተክሊል ናብ እዝግዚኣብሔር ተበጽሕን ፍቕሪ ክርስቶስ ስለ እተቕርብ ኢያ። መንሰያትን ሽግራት ንምብዳሆም እተከናውንዎ ጻዕሪ ብቐረባ ከም ዝፈልጥዎ ቅዱስነቶም ሓቢሮም፣ እቶም ሽግራት ከመይ ገይርካ ንምፍታሖም ኣብነት ዝኾኑ ከምቶም ብኢድ ማፊያ ዝተቐትሉ ኣባ ፒኖ ፑሊየሲ ዝኣመሰሉ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ካልእዎት ሰብ ጽቡቕ ኣብነት ኣለዉ፣ ስለዚህ ኣይትፍርሑ ቅዱሳት ኩኑ፣ ከም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሕይወትኩም ኣብ ኢድ ኣምላኽ ኣንብርዋ፣ ብቓሉን ብቅዱስ መፈሱን ክትቕረጹ ገዛእ ርእስዅም ንኣኡ ወክፉ፣ እዚ ምስ እትገብሩ ናይ ሃገርኩን ሕዝብኹምን ብርሃንን ጨውን ክትኾኑ ኢዅም ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.