2010-10-06 14:51:29

ርእይቶ ብዛዕባ መሪሕ ቃል ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሲችሊያ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሲቺልያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ዘቕረብዎ ኣሰምህሮን ዝሓብዎ መሪሕ ቃልን ስብከታትን፣ ንናይ ሲችሊያ ሃይማኖታውን ማኅበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖምያውን መዳያት ዝትንክፍን RealAudioMP3 ዝሓንጽን ከምዝኾነን ኣብተን ብማፍያ ኢድ ዝተቐሉ ንጹሓን ዜጋታትን ኣባላት ውሉደ ክህነትን መሥታዕትነት ዝኸፈሉለን ቦታታት ንኽብሪ እቶም ዝተሰውኡ ምብጻሕ ኣካይዶም ጸሎት ብምዕራግ ዘቕረብዎ ኣብነት፣ ንሕዝቢ ንቅኑዕ መገድን ፍትሕን ሰላምን ዘተባብዕ ምዃኑ ናይ ፓሌርሞ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕእ ኣቡነ ፓውሎ ሮመዮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣመልኪቶም፣ ኣቶም ብኢድ ማፊያ ዝተቐትሉ ኣባል ውሉደ ክህነት ኣባ ፒኖ ፑሊየሲ ንናይ ሲችሊያ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ንመላእ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ማኅበርሰብን ኣብነት ከምዝኾኑን፣ ነቶም ኩሎም ሕግን ፍትሕን ኣብ ምንጋሥ ዕላማ ዝተጸምዱን፣ ምእንቲ’ዚ ቅዱስ ዕላማ መሥዋዕትነት ዝኸፈሉ ንጹሓን ዜጋታት ሲቺሊያን፣ ደያኑ ፋልኮነን ሊቫቲኖን ዝኣመሰሉ እውን ጠቒሶም፣ ኣብ መገዲ ሓቂ ምንባር ከፍርሓና ከምዘይብሉን፣ ማፍያ ናብ ሞት ዘብጽሕ ናይ ሞትን ጸረ ሕጋውነትን ጸረ ማኅበራዊ ሰላም ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ከምዘረድኡን እዚ ድማ ሕዝቢ ብሓባር ንናይ ገበን ጉጅለታት ክቃወም ዘተባብዕ ከምዝኾነ ብፁዕ ሮመዮ ሓቢሮም።

ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ሲቺሊያ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፣ ካብ ዝሓለፉ ናይ ቤተ ክርስትያን ታሪኽ ከምእንርድኦ፣ ብተደጋጋሚ ናይ ሞት ባህሊ ዝቃወምን ፍትሒ ክነግሥ ዘተሓሳስብን ብፍላይ ድማ ናይ ቀረባ ተዘክሮ ክስባ እዛ እዋን ዘቃልሕ ናይ ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቃል፣ እቶም ናይ ገበን ጉጅለታት ካብቲ ዝኽተልዎ ናይ ሞት ባህሊ ክልወጡ ብምዕዳም፣ ፍርዲ እግዚኣብሔር ዘይተርፍ ሓቂ ኢዩ ዝበልዎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ፍልይ ብዝበለ ቓላት በቲ ዘመንና ዝሓትቶን መንሰይ ወለዶ ክርድኦ ብዝኽእል ቋንቋ ተጠቂሞም ተመሳሳሊ መልእኽቲ ከምዘቕረቡ ኣመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.