2010-10-02 14:15:03

ኤኳዶር፣ ፈተነ ዕላዋ መንግሥቲ


ኣብ ኤኳዶር ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ መንግሥቲ ዘጽደቖ ናይ ደሞዝ ቅነሳ ውሳኔ በምቅዋም ቅድሚ ትማሊ ዓቢ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብምክያድ ፈተነ ዕልዋ መንግሥቲ ከምዘካየዱ እንክሕበር፣ RealAudioMP3 ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ኮሬኣ ንዝተወሰነ ሰዓት ኣብ ርእሰ ከተማ ኪቶ ኣብ ዝርከብ ዓቢይ ቤተ ሕክምና ተዘሪዖም ኣብ ጽንኵር ኵነት እንከለዉ ሓይሊ ምክልኻል ብዝፈጸሞ መብረቓዊ መጥቃዕቲ ናጻ ከምዝወጹን በቲ ተኸሲቱ ዝነበረ ውጥረት ክልተ ሰባት ናይ ሞት ልዕሊ 30 ዝግመቱ ድማ ናይ መቝሰልቲ ሓደጋ ከዝወረዶም ተገሊጹ።

ርእሰ ብሔር ኮረኣ ኣቲ ተኸስቱ ዝነበረ ሁከትን ቅልውላውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወን እንክገልጹ፣ በቲ ሓይሊ ጸጥታ ብዝፈጸምዎ ናዕቢ ጠንቂ ናይ ሓይሊ ጸጥታ ዋና ኣዛዚ ፍረድይ ማርቲነዝ ብገዛእ ፍቓዶም ኃላፍነቶም ከምዘረከቡ ተገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ኤኳዶር ብፁዕና ጳጳሳት ቤት ምኽሪ በቲ ኣብ ሃገሮም ተኸሲቱ ዘሎ ጨንፈር ብዙሕ ቅልውላው፣ ሓቀይና ናይ ዘተ ከይዲ ክፍጠርን ኣብ መላእ ሃገር ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ መታን ክረጋገጽ፣ መንግሥትን ሕዝባዊ ባይቶን ተነጺሎም ሓደኣዊ ውሳኔታት ካብ ምትሕልላፍ ፈተና ተቖጢቦም፣ እቲ ሓቀይና ሥርዓት ዴሞክራሲ ዘረጋገጽ ናይ ሕዝቢ ተሳትፎን ሰላምን ናይ ሓባር ዘተን ሉኣላዊነት ሕጊ ውሑስ ዝገብር ከይዲ ፖለቲካ ምዃኑ ብፁዓን ጳጳሳት ብምምልካት መንግሥትን ሕዝባዊ ባይቶን ሓጋጊ ባይቶን እዚ መገዲ ክኽተል ከምዘተሓሳሰቡ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.