2010-10-02 16:06:23

ናይ ኢጣልያ ረኪበ ጳጳሳት ጉባኤ ተዛዚሙ


ብቸይ ዚፍለጥ ጉባኤ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓዲ ጣልያን ካብ ዚሓለፈ ሰኑይ ክሳብ ትማሊ መደበኛ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ። እዚ ጉባኤዚ ዚሓለፈ ሰኑይ ኢዩ ኣብ ሮማ ብስግደት ቅዱስ ቊርባንን ኣስተንትኖን ጀሚሩ።

ነቲ ጉባኤ ዝከፈቱ ናይ ኢጣልያ ረኪበ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ኢዮም ፈሊሞሞ።

ብጹዕነቶም ኣብ ምኽፋት እቲ ጉባኤ ኣብ ዘስም ዕዎ ዘረባ ‘ቊምስናታትና ሎሚ ነተን ወትሩ ዘይዕጸዋ መዛግብ መዛግብ ይመስላ’ እንክብሉ ቊምስናታት ኣብዚ ግዜ እዚ መራኸቢ ማእከል ብምዃን ንግብረ ተል እኮ ይኹን ንካል እ ማኅበራዊ ጉዳያት ብዙሕ የፍርያ ከምዘለዋ ገሊጾም፤ ንመርዓ ዝሰናደው ሕፁያት ትምህርቲ ክርስቶስ መን እሰያት ዝተፈላለዪ ናይ ቊምስናታት ማእከላት ንመንፈሳውን ካል እ ሕንጸትን ኣገልግሎትን ጽቡቅ ኣበርክቶ ይገብራ ከምዘለዋ ገሊጾም።

እዙይ ኮይኑ ግን ገና ናይ ም ዕራባውያን ሃገራት ብርቱዕ ጸገም ከምዘሎ ኣይሓብኡን፤ ትርጉም ሕይወትን ህላዌ እግዚአብሔርን ገና ብብዙሓት ዘይተፈትሑ ግድላት ከምዝኾኑ ብም እማት ቅዱስነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት ብዛዕባ ወንጌል ብሓዲሽ ምስባኽ ኣመልኪቶም ዝበልዎ፤ ‘ካብ ዓቃባዊ ሓዋርያዊ ግብረ ተል እኮ ናብ ስብከተ ወንጌላዊ ሓዋርያዊ ግብረ ተል እኮ ብምሕላፍ ሀ ቢልካ ትምህርቲ ክርስቶስ ምምሃርን ወንጌል ምስባኽን የድሊ፤ ውሕስነት ህላዌናን ሓጎስናን እግዚአብሔር ምዃኑ ብምርዳእ ናይ ሕይወትና ጉ ዕዞ ካብ ግዜ ሥራሕ ክሳብ ግዜ ዕረፍቲ ካብ ማንም ዕለታዊ ተግባራት ክሳብ ሕይወት ዕርክነትን ሓዳርን ዘሎ ናብራ እግዚአብሔር እንተተሓዊስዎ ጥራይ ፍጽምናን ሓጐስን ዕግበትን ክህብ ከምዝኽ እል ምምሃር የድሊ’ ድሕሪ ምባል እዚ ከኣ ግደ ናይ ነፍሲ ወከፍ ተኸታሊ ክርስቶስ ከምዝኾነ ካህናትን ም እመናን ብሓባር ክሕደሱን ክልወጡን ከምዘለዎም ኣመልኪቶም።

ብዘይካዚ እቲ ጉባኤ ብዛዕባ ማኅበራውን ፖሎቲካውን ኩነታት ዓዲ ጣልያን እውን ተዛትዮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.