2010-10-02 14:10:56

በዓለ ቅድስቲ ተረዛ ዘ ሊሰ


ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ትማሊ እታ ብእንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ ተልእኮ ወንጌል ሓላዊት ቅድስቲ ተባሂላ እትጽዋዕ ቅድስቲ ተረዛ ዘ ሊሰ RealAudioMP3 ከምዘብዓለት ተገሊጹ።

ቅድስና ኵሉ ክበጽሖን ናይ ኵሉ ጸዋዕታን ከምዝኾነ፣ ምሉእ እምነታ ኣብቲ ፍቕሪ ዝኾነ እግዚኣብሔር ብምንባርን ገዛእ ርእሳ ኣብኡ ብምውፋይ ዝመዝከረት፣ ዕለት 30 መስከረም 1897 ዓ.ም. ኣብ ቤት ኣቦ ዝተወልደት ከምዝኾነት እንክፍለጥ፣ ዓበይቲ ነገራት ብምፍጻም ዘይኮነስ ኣብ ዕለታዊ ናብራ ኣብቶም ነኣሽቱ ነገራት ተኣማኒ፣ ማለት ብነኣሽቱ ነገራት እሙን ኮይካ ምርኻብ ዝብል ወንጌላዊ ምኽሪ መሪሕ ሕይወታ ገይራ፣ እምንቲ ኮይና ዝተረኽበትን ገና 18 ዓመት ከይመልኣ ኣብ 1887 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 13 ኣብ ዘቕረብዎ ኣተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ተሳቲፋ ኣብ ገዳም ቀረመለሳውያን ክትኣቱ ፍቓዶም ሓቲታን ፍቓድ ረኺባን ነቲ ብእግዚኣብሔር ዝተዓደላ ጸዋዕታ ምንባር ከምዝጀመረት ማኅደር ታሪኽ ቅዱሳት ይሕብር።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ ሓደ ዓመት፣ ዕለት 1 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም. ንሓጋይ ዕረፍቲ ካብቲ ዝቕመጥሉ ኣብ ጋስተል ጋንዶልፎ ካብ ዝርከብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ክፋነዉ፣ ንናይታ ከተማ ማኅበርሰብ ሰላምታኦም እንከቕርቡ፣ ዕለቱ በዓል ቅድስቲ ተረዛ ዘ ሊሰ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ቅድስቲ ትረዛ ዘ ሊሰ፣ እቲ ሓንጎፋይ ቢልካ እትቕበሎን ምስቲ ዝሓቶ ልዑል ኣድላይነት ኣጣሚርካ እትርድኦን እትነብሮን ቃል እግዚኣብሔር፣ ምንጪ ናይ ዝተሓደሰ ሕይወት ከምዝኾነ ዝመዝከረት፣ ንቶም ዓበይቲ ናይ ሥነ ኅላዌ ሕቶታት፣ እቲ ንዅሉ ብጠቕላላ ንሰብኣዊ ኩነት ትርጉምን ክብርን ዝህብን ዘጉልሕን መገዲ ፍቕሪ ምዃኑ ዝመስከረት ኢያ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።

ኣብ ዕለት ሓደ መስከረም 2006 ዓ.ም. እቲ ሕድ ሕዳዊ ዘይምግዳስን ዘይምትሕስሳብን ምጥርጣርን ሓሶትን ንኣይነትን ንኸነሰንፍ ዝገብረና እቲ ኅላዌ ዝዅልዕ ናይ ፍቕሪ ሓቂ ምዃኑ ቅዱስቲ ተረዛ ዘ ሊሰ፣ ኣብ ጸሎታ ናይ እግዚኣብሔር ምስሊ ኣብ ንጹሕ ልብን በቲ መለኮታዊ ውበት ኣብ ዝማረኽ ልቢ ይሕተም ብዝበለቶ ቃል ከምዝገለጸውቶ ጠቒሶም፣ ንጹሕ ምዃን ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብ ናይ ቅዱስ ምስሊ ዘ ማኖፐሎ ቅዱስ ሥፍራ ተረኺቦም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ከምዘረድኡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ዕለት 19 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም. ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፣ ብፅዕና ዝተኣወጀሎም ወለዲ ቅድስቲ ተረዛ ዘ ሊሰ ብፁዕ ኣቦኣ ልዊጄ ማርቲን ኣዴኣ ዘሊያ ማርቲን፣ ወላዲ ኣብ መጻኢ ሕይወት ውላዱ ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ዝምስክር ኣብነት ኢዩ ቢሎም፣ እዚ ድማ ወለዲ ቅድስቲ ተረዛ ዘ ሊሰ፣ ኣብ መንፈሳውን ሰብኣውን ሕንጸት ጓሎም ዝነበሮም ኃላፍነት ዝምስክሮ ኢዩ ከምዝበሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.