2010-10-02 14:06:29

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፣ ምእንቲ ሰላምን ዴሞክራስን ምርግጋጽ


ናይጀሪያ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ዝወጻትሉ በመል 50 ዓመት በዓል ናጽነት ምኽንያት፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ክታሞም ዘንበርሉ፣ ዝመሓላለፍዎ ናይ ርሑስ በዓል ናጽነት መልእኽቲ፣ RealAudioMP3 ናይ ሰላምን ፍትሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ኣብ ኣቡጃን ቤተ መንግሥቲ ተረኺቦም ንርእሰ ብሔር ኤበለ ጉድላክ ጆናታን ከምዘረከቡ ናይ ቫቲካን ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንሕብዝን መንግሥትን ናይጀሪያ ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ናጽነት ናይጀሪያ ዝተሰምዖን ሓጎስ ገሊጾም፣ መንግሥትን ሕዝብን ንሰላምን ዴሞክራስንን ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ጥበብ ብዝዓሰል ብቑዕን ቅኑዕን ንናይ ሓባራውን ውልቃውን ምሉእ ዕብየት ብዝድግፍን፣ ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡ ክፍሊ ኅብረሰብ ናይጀሪያ ፍሉይ ቆላሕታ ክግበረሎም ብዘተባብዕ ሥርዓት ሕጊ ተመሪሑ ከስፍሖ ኣብዚ መዳይ ከይተሓለለ ኣበኪሩ ክዓዪ ተላብዮም። ካብ 1960 ዓ.ም. ፈለማ ናጽነት ናይጀሪያ ንነጀው ዝተረጋገጹ ማኅበራውን ፖለቲካውን ምዕባለታት ዘተባብዕ ምዃኑ ብምምልካት፣ እግዚኣብሔር ንሕዝብን መንግሥትን ናይጀሪያ ክባርኽን ወትሩ ድማ ኣብ ጸሎቶም ህልዋት ከምዝኾኑ ከምዘረጋገጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብመበል 50 ዓመት በዓል ናጽነት ናይጀሪያ ኣብ ኣቡጃን ንዝዓርግ መሥዋዕተ ቕዳሴ ንቕዱስ ኣቦና ወኪሎም ዝሰርዑ ናይ ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ምዃኖም ክንገር እንከሎ፣ ብፁዕነቶም ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ሓጎስ መግለጺ መልእኽቲ ኣረኪቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ናይጀሪያን ዘሎ ክሌኣዊ ርክብ ዝንኣድ ኢዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግልት ኣመልኪቱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ኣቡጃን ሥርዓት ምኽባር መበል ሓምሳ ዓመት በዓል ናጽነት እናተፈጸመ እንከሎ ብዝወረደ ናይ ቦምቢ መጥቃዕት 7 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዝወረዶም ክንገር እንከሎ፣ ቅድም ክብል እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደልታ ከባቢ ናይጀሪያ ተጨውዮም ዝነበሩ ካብ 3 ክሳብ 10 ዓመት ዕድመ ዝርከብዎም 15 ተመሃሮ ናጻ ተለቒቖም ንቤተሰቦም ክምእተረከቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.