2010-10-02 16:04:00

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ናብ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ኤውሮጳ


ናይ ኤውሮጳ ሃገራት ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበራት ዝኾኑ ብፁዓን ኣበው ኣብ ዛጋብርያ ትማሊ ጠቅላሊ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ኤውሮጳ ጀሚሮም። ቅድስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ናብቶም ተጋባእቲ መልእኽቲ ሰዲዶም። ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ድሕሪ ሰላምታን ሠናይ ትምኒት ናይ ኣሳልጦን ትኲረት ናይቲ ጉባኤ ኣብ ነጻነት ኣመንቲ ምናዳ ተጻዋርነት ክድንፍዕ ኣድልዎ ክውገድ፤ ብሓፈሻ ምድንፋዕ ሥድራ ቤት ምክልኻል ሕይወት ምሕላው ነጻነት ናይ ኣመንቲ ከሥምሩሉ ሓደራ ቢሎም።

ነቲ መል እኽቲ ብስም ር.ሊ.ጳ ዝፈረመሉ ናይ ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታቺዝዮ በርቶነ እንኪኾኑ፤ ንተጋባእቲ በቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርዎ ጽቡቅ ሥራሕ የመስግን፤ ነዚ ኣድላዪ ተግባር እዚ ክቅጽልዎ ብሓዲሽ ሓይልን ወንን ንሓዲስ ስብከተ ወንጌል ኤውሮጳ ኣበርቲዖም ክሰርሑ የማሕጽን፤

ነቲ ጉባኤ ዝኸፈቱ ናይ ኤስተርጎም ቡዳፐስት ሊቀ ጳጳስን ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ኤውሮጳን ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ እንክኾኑ ኣብ መኽፈቲ ዘረባኦም ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ንዝግበር ኣድልዎ ዝከታተል ተዓዛቢ ኃይሊ ዕማም ከምተመሥረተ ኣመልኪቶም።

ብፁዕነቶም ኣብ መደረኦም ‘ኤውሮጳ እግዚአብሔር የድልያ ኢዩ’ እንክብሉ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ጸገም ሥድራ ቤትን እናንቆልቆለ ዝኸይድ ብዝሒ ሕዝቢ ዘሻቅል ጉዳይ ስለዝኾነ ምምሕዳራት ኤውሮጳ ንሥድራ ቤት ብዝር ኢ ጸገም ክትወልድ ዘይምድላይ ከውግዱ ሓደራ ቢሎም። ቀጺሎም ቅልውላው ሥድራ ቤት ሓደ ሳዕቤን ናይ ባህልን መነባብሮን ቅልውላው ኢዩ፤ እቲ ዝገደደ ኸኣ ምንጻል ጽንሲ፤ እንክብሉ ተጋባእቲ መሰል ናይቲ ገና ዘይተወልድ ዕሸል ዝኽበረሉ መንገዲ ክደልዩን ክከላከሉን ሓደራ ቢሎም።

ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ናይቲ ጉባኤ ኣብ ዝቀረበ መጽናዕቲ ሕዝቢ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመት ደቂ ኣባት ኣረጋውያን እናበዝሑ እንክኸዱ ዕብየት ብዝሒ ሕዝቢ ብ3.8% ጥራይ ከምዝኾነ እዚ ዕብየት እዚ ከኣ ብስደተኛታት እምበር ናይ ወሊድ ብዝሒ ዳርጋ ከምዘየሎ ከምዝቁጸር ከመይ ኣብ 2008 ዝተገብረ ቈጸራ ናይቲ ዕብየት ቁጽሪ ሕዝቢ 69% ስደኛታት ኢዩ ነይሩ፤ ብኻል እ ኣዘራርባ ዘሎ ባህሊ ኤውሮጳ ሕይወት ካብ ጽንሲ ጀሚሩ ክተከላኸሎ ዘሎካ ቅዱስ ህያብ ምዃኑ ንኽግንዘብ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል የድልዮ፤ በዚ እንተቀጺሉ ምጽናት እውን ስለዘስ ዕብ ኩሎም ንሕይወት ሓዳርን ሥድራ ቤትን ዚኣክል ውሕስነት ብምሃብ ከደንፍዑን ክከላኸሉሉን ሕይወት ሰብ ክቡር ምዃኑ ተረዲኦም ካብ ጽንሲ ክሳብ ሞት ክከላኸልዎን ከኽብርዎን መሰሉ ክሕልውን ሓደራ ቢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.