2010-10-01 14:39:42

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙኃን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2011 ዓ.ም. ንዝኽበር መበል 45 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙኃን “ኣብ ናይ ሥነ ኣኃዝ ዕደ ጥበባዊ ዘመን መራኸቢ ብዙኃን ሓቅን ብሥራትን ቅኑዕን RealAudioMP3 ትኽክለይና ሕይወትን” ብዝብል ኣርእስቲ ክምራሕ ከምዝወሰኑ እንክንገር፣ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ በቢ ዓመቱ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙኃን ምስቲ ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ቤተ ክርስትያን ዕለት 24 ጥሪ እተብዕሎ ናይ መራኸቢ ብዙኃንን ጋዜጠይናታትን ሓላዊ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስ ብምትሕሓዝ ዕለት 24 ጥሪ 2010 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኵላዊ መልእኽቲ ከመሓላልፉ ምዃኖም ናይ መራኸቢ ብዙኃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።

ናይ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ ኣብዚ ናይ መራኸቢ ብዙኃን ብናይ ሥነ ኣኃዝ ዕደ ጥበብባዊ ምዕባለ ኣብ ዝዕብልለሉ ዘሎ እዋን፣ መራኸቢ ብዙኃን ሰብ ዘማእከለ፣ ግላዊ ምሥክርነት መሠረታዊ ኮይኑ ዝተርፈሉን፣ እዚ ማለት ድማ ኣብ ሓቂ ዝተመርኮሰ ክኸውን ከምዘለዎን፣ እዚ እቲ ናይ መራኸቢ ብዙኃን ሙያ ዝሓቶ መምዘኒ ኢዩ። ዝኾነ ይዅን ኣብ መራኸቢ ብዙኃን መዳያት ዝዓዪ ብፍላይ ድማ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ምእመናን ጋዜጠይናታት ሓቂ ናይ ምብሣር ሓላፍነት ዝቕበሉ ናይ ሕይወት ትክኽለይናን ቅኑዕን ውሕስነት ክኾኑ ይግባእ ዘተሓሳብ ምኻኑ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መግለጺ የመልክት።

ናይ መራኸቢ ብዙኃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ጋዜጠይናታት ናይ መራኸቢ ብዙኃን ሰብ ሙያ ተኣማንነቱ ዘመሓይሽን ዝልውጥን ወይ ድማ ክብ ክብል ዝገብሮ፣ ዝጥቅመሉ መሣርሒ ኣይኮነን፣ ኣቲ መሣርሒ መራኸቢ ብዙኃንን ክውከሶም ዝግብኦምን፣ ብሥነ ኣኃዝ ዝተዓብለለ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ እውን ንገዛእ ርእሱ ፈጺሙ ከወግዶም ዘይግብኦም፣ ክቡራት ዋጋት ዝቕይር ከምዘይኮነ ብምትንታን፣ ሓቂ ፈጺሙ ዘይቅየር ድሉዱል መርገጺ፣ እቲ ብሥነ ኣኃዝ ዝረጋገጽ ዘሎ ምዕባለ ዕደ ጥበብን ዘተኣታትዎ ዘሎ ፍልጠትን ነታ ሓቂ ናብ ኵሉ ቐረባ ክገብራን እዚ ድማ ናይ ኵሎም ናይ መራኸቢ ብዙኃን ሰብ ሙያ ሸቶ ኽኸውን ከምዝግባእ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.