2010-10-01 09:50:48

ወትሩ ጸሎት ምግባርን ኣብ ቅዳሴ ምስታፍን ምስ ክርስቶስ ይጠምረና


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ኣብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክርስቶስ ኣብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ትነብር ዝነበረት ቅድስቲ ማቲልደ ሕይወት ብምትኳር ካብዚኣ ቅድስቲ ንመሃሮ ጸሎትን ኣስተንትኖን ምዃኑ ብምግላጽ ‘ወትሩ ጸሎት ብምግባርን ኣብ ቅዳሴ ብምስታፍን ምስ ክርስቶስ ዘሎና ዕርክነት ክነዕቢ’ ሓደራ ብማለት ኣብዙይ ሶሙን እዚ ኣብ ናይጀርያ ብዝወረደ ምዕልቅላቅ ማይ ካብ ቤት ንብረቶም ተሰዲዶም ንዘለው 2 ሚልዮን ሕዝቢ ብምዝካር ስለኦም ከምዝጽልዩ ብምግላጽ ብመንፈስ ምስኦም ከምዘለው ሓቢሮም።

ቅዱስነቶም ካብ ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ቦታኦም ካስተል ጋንደልፎ ተመሊሶም ትማሊ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ 30 ሺሕ ንላዕሊ ዝኾኑ ነጋድያን ታሪኽ ሕይወት ቅድስቲ ማቲልደ ብሰፊሑ ዘርዚሮም፤

ቅድስቲ ማቲልደ ምስ ዓባይ ሓፍታ ቅድስቲ ገርትሩድ ገዳማዊ ሕይወት ዓዲ ጀርመን ዓንቢብሉ ኣብ ዝነበረ ዘመን ኣብ ሓደ ገዳም ናይ ሀልፍታ ብጸሎትን ኣስተንትኖን ዝነበራ ብኣብነትን ብዙሕ ዝሃነጻ ቅዱሳት ኢየን ነረን።

ቅድስት ማቲልደ 1241/2 ተወሊዳ ብ1250 ከባቢ ናብ ገዳም ኣትያ ብ1258 ደንጊላ፤ ገና መን እሰይ ከላ ብምምህርናን ሓላፊት ብምዃንን ብቃላን ብሕይወታን ብዙሕ ኣገልጊላ፤ ጓል 50 ዓመት ምስ ኮነት ብብርቱዕ ሓሚማ ንሾመንተ ዓመት ብዙሕ ተሳቅያ ኣብ ር እሲ እቲ ስቃያ ሓጢኣተኛታት ም እንቲ ክንስሑ ትገብሮ ዝነበረት ብርቱዕ ተጋድሎ እውን ብዙሕ ኣሳቅዪዋ ኢዩ፤ ባህርይ ብዝዓደላ ብልሕን ጥበብን ብኣስተንትኖን ሰቂለ ኅልናን ዘጥረየቶ መንፈሳውነትን ብዙሕ ጸሎታት ደሪሳ፤ ኣብ ክርስቶስ ብዝነበራ ኅሉፍ ፍቅሪ ኣብ ሕማማት ክርስቶስ ብግህዶን ብምሥጢርን ተሳቲፋ።

መለለዪ ሕይወት ቅድስት ማቲልዳ ጸሎተ ሰዓታትን ቅዱስ መጽሓፍ ብሕልፊ ወንጌል ምንባብን ምስትንታንን ል ዕሊ ኩሉ ግን መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስታፍ ኢዮም ነሮም፤ ቅዱስ ቊርባን እንክትቅበል ዝለዓለ ሰቂለ ኅሊና ብምክያድ ምስ ክርስቶስ ስለኩሉ ብምጽላይ ተዕልል ነራ።

ንቅድስት ማቲልዳ ነፍስ ወከፍ ቃልን ምልክትን ሥር ዓተ ኣምልኾ ዝለዓለ ትርጉም ነርዎ፤ ብዝለዓለ ተመስጦን ጥንቃቄን ኣስተንትኖን እያ ትሳተፎ ዝነበረት፤ እዚ ኩሉ ተጋድሎን ጸሎትን ተወፋይነትን ብዙሕ ዓስቢ ከምትረክብ ገይርዋ፤ ቅድስና ብ ዓቢኡ ኣብዚ ምድሪ እንከላ ዝተፈላለይ መል እልተ ባህርያዊ ተገልጾ ብምርካብ ክርስቶስ ባዕሉ ይዛረባን ይግለጸላን ነሩ።

መዋዳእታ ዓመታት ናይ ሕይወታ ብብርቱዕ ሥቃይ ዝተዓብለለ ክንሱ ሰዓታ ምስ ኣኸለ ጐይታ ክወስዳ ምስ መጸ ምእንቲ ድሕነት ነፍሳት ቊሩብ ክሳቀ ቢላ ነቲ ሥቃይ ብኸመይ ትቅበሎን ተወፍዮን ከምዝነበረት ዓቢ ትምህርቲ ሂባ ሓለፈት።

ቅዱስነቶም ናይዛ ቅድስት እዚኣ ኣብነት ከምዚ ክብሉ ገሊጾሞ፤ ‘ብመጽሓፍ ቅዱስ ክትምራሕ ንኹሉ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ብምግዳፍን ብቅዱስ ቊርባን እናተቀለበትን ንቤተ ክርስትያን እምንቲ ብምዃን ምስ ክርስቶስ ጥቡቅ ውህደት ዘለዎ ጒ ዕዞ ሕይወታ ፈጺማ፤ እዚ ኩነት እዚ ንዓና እውን ምስ ክርስቶስ ዘሎና ዕርክነት ከነሐይል ብሕልፊ ብዕለታዊ ጸሎትን ብጥንቃቄን ብተኣማንነትን ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምስታፍን ክንገብሮ ትዕድመና ከመይ ሥርዓተ ኣምልኾ ዓቢ ቤት ትምህርቲ መንፈሳውነት ኢዩ’ እንክብሉ ሓደራ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.