2010-10-01 14:41:54

ብፁዕ ኣቡነ ቶማሲ፣ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክረጋገጽ


ኢኣማኒ ፈረንሳዊ ፈላስፋ ቤርናርድ ሄንሪ ለቭይ ምስ ኤቢሲ እተሰምየ ናይ ስፐይን ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ናይ ካቶሊክ ሃይማኖትን ናይ እምነት ትሕዝቶኡ ከይተረፈ ኣብ ኤውሮጳ RealAudioMP3 ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከዝጋጥሞን፣ ካብ ካልኦት ሃይማኖታት ንላዕሊ ብፍላይ መጥቃዕቲ ዝወርዶ ከምዝኾነ ጠቒሶም፣ እቲ ዘገርም ኣብ ልዕሊ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ር.ሊ.ጳ. ዝፍነዉ ናይ ቃላትን ሓሳብን መጥቃዕቲ ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ቅድመ ፍርዲ፣ ማለት ብዘይ ብቑዕ ፍልጠትን ተመኵሮን ዝፍነው ናይ ኣረኣእያ ጽልኣትን መሠረት ዘለዎ መጥቃዕቲ ምዃኑ ሓቢሮም፣ እዚ ዓይነት ጽልኣት ኣዚዩ ክብ እናበለን እናሰፍሔን ይኸይድ ኣሎ ከምዝበሉ ይንገር። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅድሚ ትማሊ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ጄነቭ ዝርከብ ብዛዕባ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድ ዝሓሊ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ማኅበር ኣብ ዘካይዶ ክፍለ ጉባኤኡ ተሳቲፎም ዘረባ ዘስምዑ፣ ኣብዚ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ማኅበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ፣ ኣብ ዓለም ኣድልዎን ቅድመ ፍርድን ዘተባብዕ፣ ጸረ ሃይማኖት ተግባር ክብ እናበለን እናሰፍሔን ይኸይድ ከምዘሎ ኣመልኪቶም፣ ብቐዳምነት ኣብ መላእ ዓለም ናይ ሃይማኖት ነጻነት ንሓደጋ ዘቓልዕ ካብ ኃይማኖታዊ ኣኽራርነትን ካብቲ ብሃይማኖት ዝዕበለልን ዝምራሕን ፖሊቲካ ክንሕለው ይግባእ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ብፁዕነቶም ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ኣብ ዓለምና ዝርኤ ዘሎ ጸረ ሃይማኖት ተግባር ብዛዕባ ሃይማኖት ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ኮነ ብሔራዊ ሓቆፍ መድረኻት፣ ዓቢይ ናይ ክትዕ ርእሰ ጉዳይ ክኸውን ከምዝደረኸን ኣረዲኦም፣ ብመዳይ ክልሲ ሓሳብ ዝተሰነየ ኣማንያንን ኢኣማንያን ምሁራት ዝዋስእሉ ብፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ደረጃ ዝካየድ ናይ ሓይማኖት ዘተን ክትዕን ምስቲ ግብራውነት ዝሓትት ብዛዕባ እቲ ካብቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ሓደ ክፍሊ ዝኾነ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝምልከት ጉዳይ ከይነጋራጭዎ ምጥንቓቕ የድሊ። ስለዚህ ነዚ ኵሉ ኣብ ግምት ብምእታው ዓለም ለኻዊ ኮነ ብሔራዊ ሓቆፍ ፖለቲካ ነቲ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኽ ዝርኤ ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ዝምልከት ሕቶ ግምት ብምሃብ ማኅበራዊ ሰላም ምእንቲ ክረጋገጽ ናይ ውልቀ ሰብ ወይ ድማ ማኅበረ-ሰብ ሃይማኖትን ዝኽተሎ ሃይማኖታዊ ባህሉን ውሕስነት ዘረጋገጽ ክኸውን ኣለዎ።

ሓሳብካን ርእይቶኻን ናይ ምግላጽን ምቅራብን ነጻነት ምኽባር ንናይ ሃይማኖት ነጻነት መሠረት ኢዩ። ሓሳብካን ርእይቶኻን ናይ ምቕራብ ነጻነት እንተድኣ ውሑስ ዘይኮነ፣ ናይ ዘተ ባህሊ ክህሉ ማለት ዘበት፣ ስለዚህ ካብቲ ምልካዊ ሥርዓትን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዘየኽብር ፖለቲካ ክፈጥር ካብ ዝኽእል ዓይነት ከይዲ ሃይማኖትን ፖለቲካን ምጥንቓቕ የድሊ፣ ኣብ ምክብባር ተመሥርቱ ዝወሃብ ወይ ድማ ዝቐርብ ነቐፌታዊ ርእይቶ ንሰናይ ኢዩ። ንማሕበራሰብ ድማ ዓቢ ሃብቲ ኢዩ። ንኻልእ ክትዕብልልን ከተጥፍእን እተቕርቦ ነቐፌታዊ ርእይቶ ግን ጸረ ሰላማዊ ማኅበራዊ ናብራ ኢዩ ኢሎም።

ወዲ ሰብ ብናይ ክልሲ ሓሳብ ኣርኣያን ኣምሳልን ዝውድብን ዝፍጠርን ባህሊ ዝኽሰት ዘሎ ሓድሽ ናይ ስነ ሰብኣዊ ኣመለኻኽታ መሠረት ንፍጠረት ሰብ ምግላጽን ምንባብን ምፍታን ናይ ዘመንና ሓደጋን ሥግኣትን ኢዩ። ስለዚህ ሰብ ብናይ ክልሲ ሓሳብ ውጽኢት ጌርካ ምርኣይ ውልቃውነትን ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተሓጽረን ምስ ካልኦት ዘይዛተን ዘይራኸብን ከምኡ ድማ ብክልሲ ሓሳብ መሥረት ቅርጺ ናይ ዝህዝ ማኅበርሰብ ኣባል ኢዩ ዝኸውን። እዚ ድማ ናብ ኣኽራርነት መርገጺ የሰጋግር። እቲ ንናይ ውልቃውን ሓባራውን ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ንምኽባር መሠረት ዝኾነ ወዲ ሰብ ደሴት ዘይኮነስ ምስ ካልኦት ዝራኸብ ፍጡር ምዃኑ ዝገልጽ ኣመለኻኽታ ኣብ ግብሪ ብምውዓል እቲ ናብ ኣኽራርነት ዘስጋግር ኣመለኻኽታ ምውጋድ የድሊ።

ናይ ምክብባርን ምቅብባልን ዘተን ሰላምን ባህሊ ምስፋሕ ካብ ኣባይት ትምህርቲ ዝነቕል መደብ ኢዩ። መንእሰይ በዚ ባህሊ ተዀስኲይሱ ክዓቢ ገና ብዓንተወኡ ኣብ ናይ ሰላም ባህሊ ክሕነጽ ከምዝግባእ ቤተ ክርስትያን እትኣምነሉን ኣብ ግብሪ እተውዕሎ ውሳኔ እውን ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.