2010-09-29 18:17:16

ግዜ ሥራሕን ዕለተ በዓላትን ንሥድራ ቤት ክብትኑ የብሎምን


ድሕር ክልተ ዓመት ኣብ ሚላኖ ካብ ግንቦት ዕለት 30 ክሳብ ሰነ ዕለት 3 2019 ኣብ ሚላኖ ዓለም ለኸ ጉባኤ ሥድራ ቤታት ክካየድ ተወሲኑ ኣሎ፤ እዚ ጉባኤ እዚ ብጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሥድራ ቤት ኢዩ ክምራሕ፤ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነዙይ ኣመልኪቶም ንሊቀ መንበር ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሥድራ ቤት ብጹዕ ካርዲናል ኤንዮ ኣንቶነሊ ኣብ ዝጸሓፍዎ መል እኽቲ፤ ‘ኣብ መንጎ ናይ ሥራሕ ግዜን ናይ ዕረፍቲ ግዜን ዘሎ ፍልልይ እንደገና ብምጽናዕ ነቲ ኣብ ግዜና ዝረኤ ዘሎ ቅጥ ዒ ዝሰኣነ ህርፋን ሥራሕ ብሕልፊ ንሰንበት ዳርጋ መዓልቲ ሥራሕ ምግባር ትርጉማ ኣጥፍኡ ንሥድራ እውን ከይተረፈ ክበታትን ቀሪቡ ዘሎ ጸገም ዳግም ግምት ክገብረሉ ሓደራ’ ብማለት ግዜ ሥራሕን ዕረፍትን ክመዛዘን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።

ንንቡር ምጥሕስ ከም በዓል እንተተቈጺሩ ናይ በዓል ግዜ ከኣ ቀዲሙ ወይ ድሒሩ ኣብ ሥራሕ እንተውዒሉ ትርጉም ሰብን ሥድራቤትን ብስም ምዕባሌ ይጠፍእ ከምዘሎ ብሩህ ኢዩ፤ ቅዱስነቶም እዚ ነገር እዚ ሓደገኛ ምዃኑ ብምግላጽ ኢዮም ንብጹእ ካርዲናል ኣንቶነሊ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ዓሚቊ ኣስተንትኖ ብምግባር ንምም ዕርራዩ ሓደ ስጉምቲ ክውሰድ ዘተሓሳስቡ ዘሎው፤ ንሥራሕ ዝኸውን ግዜን ንሥድራ ቤት ዝወሃብ ግዜን ኣመዛዚንካ ናብ ሓቀኛ ትርጉም ዕረፍቲ ምምላስ የድሊ ብሕልፊ ሰንበት ኣኽብር ዝብል ትእዛዝ ጐይታ ነታ ዕለት ጐይታ ከም ሶሙናዊት ፋሲካ ዝገልጻ ብምርዳእ እዚ ዕለት እዚ ዕለት ጐይታ ጥራሕ ዘይኮነ ዕለት ሰብ ዕለት ማኅበረሰብ ዕለት ምትሕግጋዝ ከምዝኾነት ክዝክሩ ሓደራ ይብሉ። ናይዚ ምኽንያት እንክገልጹ ከኣ ሥራሕን ዕረፍትን ምስ ሕይወት ሥድራ ቤት ብቀጥታ ስለዝተሓሓዙ ኣብ ሥድራ ቤት ንዝግበር ምርጫ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ዘሎ ርክብ ኣብ መንጎ ውሉድን ወለድን ዘሎ ዝምድና ስለዝጸሉ ሥድራቤት ምስ ማኅበረሰብን ቤተ ክርስትያንን ንዘለዎ ርክብ ይጎድ እ፤ ብሕልፊ ሎሚ ውድድር ዕዳጋን ልዑል መኽሰብ ናይ ምርካብ ህርፋንን ንግዜ ዕረፍቲ ከም ምቹእ ጊዜ ናይ መኽሰብ ብምቅራብ ሥድራ ቤትን ማኅበረሰብን ብምፍራስ ብሕታዊ ሕይወት የማዕብል ኣሎ።
ቅዱስነቶም ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ እዚ ጉዳይዚ እንታይ ከምዝብል እንክገልጹ፤ ‘ሥድራቤት ሥራሕን ዕለተ ዕረፍትን ደቂ ሰባት ምልኣት ዘለዎ ሰብኣዊ ሕይወት ንኽነብር እግዚኣብሔር ዝህበና ውህበትን ቡራኬን ኢዩ፤ይብል፤ በዚ ኸኣ ዕለታዊ ተመኲሮና ዕለት ዕለት እንፍጽሞም ተግባራትን እንገብሮም ርክባትን ነቲ ግላውን ሥድራ ቤታውን ማኅበረሰባውን ዝኾነ ሓቀኛ ምዕባሌ ወዲ ሰብ ናብ ተስፋን መወዳእታ ዘይብሉ ጽቡቅ ነገርን የርሕዎ። ዝመጽ እ ዘሎ ጉባኤ ሥድራቤትከስ በዚ መንጽር እዚ ክኸውን ኣለዎ’ ብማለት ሓደራ ቢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.