2010-09-29 18:19:20

ዘመነ ጵጵስናይ ብተስፋን ብገርሀይና መንገድን እግዚአብሔር ናብ ዓለም ናይ ምምጻእ ጒዕዞ ንግደት ኢዩ


ነዙይ ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብ ሳንቲያጎ ናይ ኮሞስተላ ንዚካየድ ዘሎ ናይ ነጋድያንን መካነ ንግደታትን ዓለም ለኸ ኮንግረስ ሓዋርያዊ ግብረ ተል እኮ ናብ ዝሰድድዎ መል እኽቲ ኢዩ፤ ቅዱስነቶም ኣብ መል እኽቶም ‘መካነ ንግደታት ናይ ፍቅሪ መራሕ መንገዲ ይኹኑ፤ ነቲ ኣብ ጒዕዞና ወትሩ ዘይሓድገና እግዚኣብሔር እንረኽበሉ ቦታ ይኹኑ’ እንክብሉ ነቲ ካብ ‘ንሱ ንወትሩ ምሳኦም ኪኸውን ምሳኦም ኣተወ’ ዚብል ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ሓዋርያትን ርክብ ዘመልክት መሪሕ ቃል ሒዙ ዚጓዓዝ ኮንግረስ

ሓደራ ቢሎም።

ነቲ ኮንግረስ ዝኸፈቱ ናይ ስደተኛታትን ተፈናቀልትን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብጹዕ ሊቀ ጳጳስት ኣቡነ ኣንቶዮ ማርያ ቨልዮ እንክኾኑ ናይ ቅድስነቶም ምሕጽንታ ‘መካነ ንግደታት ዋና ተል እኾኦም ነቶም ጽጉማትን ረዳኢ ዘይብሎምን ሓቀኛ ሓገዝ ነፍስን ሥጋን እናኣበርከቱ ወትሩ ንድምጺ ጽጉማት ንምስማዕ ስንድዋት ብምዃን ናይ ፍቅሪ መራሕ መንገዲ ክኾኑ’ ዚብል ኢዩ፤ ቅዱስነቶም ነዚ ዚበሉ መሪሕነት መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዚርከቡ ተል እኾኦም ‘ከምቲ ሓደ ንንግደት ዚጓዓዝ ሰብ ብተስፋን ብገርሀይና መንገድን ንጐደናታት ምሉእ ዓለም ዚጓዓዝ ኣነ እውን ኣብ ከናፈርን ልብን ነፍሲ ወከፍ መልእኽቲ ድሕነት ናይቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዚተንሠኤ ክርስቶስ ከብጽሕ ዘመነ ጵጵስናይ ኩሉ ናይ ንግደት ጉዕዞ ክኸውን በዚ ኸኣ ን ኣሕዋተይ ኣብ እምነት ከጽን ዖም ኢዩ ሃረርታይ፤እንክብሉ በዚ መንፈስ እዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኣብቲ ቦታ ንንግደት ክኸዱ ምዃኖም ሓቢሮም፤

ቅዱስነቶም ዕላማ ንግደት ንጽድቅን ንገድልን ምዃኑ ንኸነጽሩ እዚ ጉዕዞ እዚ ካብቲ ብዘይ ዕላማ መዓልቦን ዚገይሽ ኮብላሊ ዝገበሮ ጉዕዞ ፍሉይ ኢዩ፤ ንጉዕዞ ንግደት ዝተበገሰ ሰብ ወላውን ንጹር እንተዘይኮነ ወትሩ ኣብ ቅድሚኡ ዝመርሖ ሓይሊ ኣሎ፤ ቀንዲ ዕላማ ናይ ንግደት ጉዕዞ ብ ኢየሱስ ክርስቶስ ገቢርካ መልሲ ናይ ኩሉ ሃረርታናን እምነትናን ዝኾነ እግዚአብሔር ንምርካብ ኢዩ። ሓደን ቀንድን ናይዚ ርክብዚ እዚ ኸኣ በመሥዋዕተ ቅዳሴ ንቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ምስታፍ ኢዩ፤ እንክብሉ ጥርዚ ወይ መደምደምታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ንግደት ገሊጾም።

መካነ ንግድታት ቅዱሳን ቦታታት ምዃኖም እውን ክዝንጋዕ ከምዘይብሉን ኣባኡ ኣብ ትበጽሓሉ ግዜ ብፍርሃትን ረዓድን ብመንፈስ ጸሎትን ኣኽብሮን ምምልላስ ከምዘድሊ እውን ኣብቲ መል እኽቶም ገሊጾም።

ነቲ ኮንግረስ ዝኸፈቱ ብጹዕ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ቨልዮ እውን ኣብ ንግግሮም ቤተ ክርስትያን ከም ናይ ንግደት ዘመሰለ ኣጋጣሚታት ቃለ ወንጌል ንምስባኽን ንሰባት ናብ ክርስቶስ ንምስሓብን ክጥቀመሉ ከምዘለዋ ኣዘኻኺሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.