2010-09-29 18:28:55

ሰንበት ዘሕንጸታ 2003 ዓ.ም. (2010)


መዝሙር፡ ሓነጸዋ ለቤተክርስትያን. . . . ።

ንባባት: 1ቆሮ 3፡1~18፤ ራእ. 21፡10~ፍ፤ ግ.ሓ. 7፡44~51፤ ሉቃስ 9፡18~22

ስብከት፡ ደብረ ጽዮን ዘአፍቀረ ሓነጸ መቅደሶ በአርያም፥ ወሳረራ ውስተ ምድር ዘለዓለም።

መዝሙር፡ “ንቤተክርስትያን ሓነጽዋ ፥ ብመንፈስ ቅዱስ ከአ ሸለምዋ፥ ብኢድ ካህናት ዝተሃንጸት፥ ብአፍ ጳጳሳት ዝተቐደሰት፥ አብ ጊዜ ሕማማቱ ካብ ጎብኡ ብዝፈሰሰ ማይ ተባረኸት፥ ንሰማይ አቐዲሙ ፈጠሮ አብ ምድሪ ኸአ ማሕደሩ ተኸለ አቦ ቀደሳ ማሕደሩ ኸአ ገበራ”።

እዚ ናይ ሎሚ መዝሙር ነታ ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን አብ ሰማርያ ዝተሃንጸት እናዘከረ ቤተክርስትያን ብክርስቶስ ተሃኒጻ ካህናት ጳጳሳት ዝጓስይዋ እያ። ቤተክርስትያን ዋንአ ክርስቶስ እዩ፥ ንሱ ዘውረሳ መገዲ ሒዛ ትመርሕ በዚ ኸአ ዝኾነ ሓይሊ ክንቕንቓ አይክእልን እዩ። አብ ደብረ ጽዮን ማሕደሩ ሓነጸ አብ ምድሪ ንዘለዓለም ሰርታ። ንሕና ሕንፃ ቤቱ ኢና፥ ሰውነትና ክፍሊ ሰውነቱ ስለ ዝገበሮ ማሕደሩ ኢና። እዚ ሕንፃ እዚ ኩሉ ጊዜ ነጺሑ ክነብር ናይ ኩላትና ሓልፍነት እዩ። ካልእ ከይአትዎ እሞ ዘይመልክዑ ከይሕዝ። ነፍስወከፍና ህንጻ ቤቱ ንክርስቶስ ስለ ዝኾና ንቤተክርስትያኑ ክነዕብያ ክንከላኸላላ ከሎና ሽዑ ምስኡ ውህደት አሎና።

ወንጌል ሉቃስ አብ ናይ ሎሚ ዝተነበና ማሕደሩ ወይ ምስኡ ክነብር ንኢየሱስ መጀመርያ ክንፈልጦ ክነለልዮ ከም ዝግባእ ይነግረና። አብ ምዕራፍ 9 ሉቃስ ብሓፈሻ እንተ ረአና ብዙሓት ንኢየሱስ ክርእዩ ከም ዝደልዩ ይነግረና። ሄረዱስ መን ምዃኑ ክሓትት ንረኽቦ፥ ንሓወርያት አብ ጽምዋ ቦታ ይወስዶም ነቲ ዝረአይዎን ዝሰምዕዎን ከስተንትኑ እሞ ንሱ መን ምኻኑ ክፈልጡ። አብ ጽምዋ ቦታ ከለዉ ህዝቢ ንበይኖም ክኾኑ ዕድል አይሃቦምን ስዒብዎም ጽምአት መንፈስ ነርዎም ኢየሱስ ብቃል አምላኽ ይምግቦምን ካብ ኩሉ የሕውዮምን ነሩ። እዝስ መን እዩ እናበሉ ክሓቱ ጀሚሮም ቅርብ ኢሎም ከአ አግሂድካ ንገረና ንስኻ መን ኢኻ ዝበልዎ እዋን ነሩ እዩ። ንሓዋርያት አብ ገለ እዋን አብ ተልእኮኡ ምስታፍ ምስኡ ሓደ ምዃን ዝገልጽ ስለ ዝኾነ ዝብላዕ ሃብዎም እናበለ አብ ምዕዳል ዓሣን ህብስትን እጃሞም ከበርክቱ ይሕብሮም። አብ መደብ አምላኽ አቲኻ አምላኽ ዝደልዮ ምግባር ንአምላኽ ምፍላጥ እዩ።

ሉቃስ ኢየሱስ ኩሉ ጊዜ ሓደ ዓቢ ነገር ክነግር ወይ ክፍጽም እንተኾነ ቅድም ጸሎት ከም ዝገብር ይነግረና። ገለ ሰባት ኢየሱስ እንታይ ኢሉ ይጽሊ ከም ዝነበረ ክሓቱ ዝደልዩ እንታይ ኢሉ ጸልዩ ዝብሉ አለዉ፥ እዚ ብዛዕባ ናይ ጸሎት ርድኢትናን አብ ጸሎት እንገብሮ አገባብራ ጸሎትና ካብ ኢየሱስ ክንምሃር ይሕግዘና ንሕና ኩሉ ጊዜ ክንጽሊ ከሎና ገለ እንተ ደለና ፥ እንተ ተሸገርና ኢና እንጽሊ እንተኾነ ኢየሱስ ከም ዘርአየና ጸሎት ምስ አምላኽ ምርኻብ ኢዩ፥ እዚ እዩ ኸአ ኩሉ ጊዜ ኢየሱስ ዝገብሮ ዝነበረ፥ ጸሎት ብኻልእ ወገን ክንርእዮ ከሎና ናይ አምላኽ ድለት ከመይ ገሩ አብ ሕይወተይ ከም ዝአቱ መገዲ ምድላይ እዩ፥ እዚ እዩ ዝለዓለ አገዳሲ ነገር አብ ቅድሚ ኢየሱስ። “አነን አቦይ ሓደን ኢና”። ኢየሱስ ክጽሊ እንከሎ አርድእቱ ምስኡ ነሮም እንታይ ይገብሩ ነሮም ይጽልዩዶ ነሮም ወይስ ይዕዘቡ እንፈልጦ ነገር የለን ብዝኾነ ጽንሕ ኢሎም ጸሎት ምሃረና ክብልዎ ንርእዮም። ጸሎት ዝገብር ንአምላኽ ይፈልጥ ይብል ቅዱስ አጎስጢኖስ።

እዚ ኹሉ ሉቃስ ከም መባእታ ናብ ዓቢ ነጥቢ ብሰለስት ወንጌላውያን (ማር. ማቴ፥ ሉቃ) ተጠቒሱ ዘሎ ከእትወና ስለ ዝደለ እዩ። “ሓቀኛ ግልጸት መንነት ኢየሱስ”። ሰለስቲኦም ወንጌላውያን ከም ዝሕብርዎ አብ ሰማርያ ናይ ፍሊጶስ አይሁድን አረማውያንን አብ ዝተሓዋወስዎ ዓዲ እዩ ተፈጺሙ። ኢየሱስ መን ምዃኑ ክፍልጥ ይደሊ እዩ ማለት አብዚ ዓለም ዘምጽኦ ንሱ መን ምዃኑ፥ምስ አብኡ ዝአምኑ ብኸመይ ከምዝነብር ክፍለጥ ድላዩ እዩ ነዚ ኸአ እዩ ንሓዋርያቱ ድሕሪ ሕጽር ዝበለ ጸሎት ወይ ሱባኤ ዝሓተቶም።

“ሰባት መን እዩ ይብሉኒ” እናበለ ሓቲትዎም። ዝተፈላለየ መልሲ ሂቦሞ ገለ ዮሓንስ መጥምቕ ካብ ሞት ተንሲኡ ይብሉኻ፥ ገለ ኤልያስ እቲ ናይ መስሕ ምምጻእ ዝነግር ዝጽበይዎ ክመጽ ዝነብሮ ይብሉኻ፥ ገለ ኽአ ሓደ ካብ ነብያት ኢኻ ይብሉኻ በልዎ። ካልኦት ዝብልዎን ዝሓስብዎን ክትገልጽ ቀሊል እዩ። አባኻ ተመሊሱ ሕቶ ክቐርበካ ከሎ ናይ ብሓቂ ይውጥረካ ስለ ዝኾነ ክትምልሶ ምስትውዓል የድልየካ። ብቑዕ መልሲ ክትህብ ሓላፍነት የልብሰካ።

“ንሳኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ “ ጴጥሮስ አፈኛ ኩሎም ኮይኑ “ንስኻ እቲ ናይ አምላኽ መስሕ ኢኻ” ኢሉ መሊስሉ። ክርስቶስ ስም አይኮነን ቅጽል እዩ ካብ ግሪኽ ዝመጸ ቅቡእ ማለት እዩ፥ ብዕብራይስጢ መስሕ ማለት እዩ፥ እዚ ቅቡእ ምዃን ናይ ንግስነት ምልክት እዩ፥ አብዚ እቲ ዝተቐብኤ መድኃኒ ንጉሥ አይሁድ ንሱ እዩ። ንስኻ ቅቡእ ንጉሥ እቲ እንጸብዮ ኢኻ ክብሎ ከሎ ኩሉ ዝተረድኦ እዩ ዝመስል አብቲ ዝስዕብ መግለጺ ንግሥነቱ አብ ዝገልጸሉ ግን ዝተረድኦ አይመስልን ሓሳቡ ቀይሩ ንተልእኮ ኢየሱስ ቅቕይር ክሓትት ንሰምዖ እዝስ አይረድካ ብኻልእ አዘራርባ እዚ ዝወርድካ እንተኾነ ንጉሥ አቲ እንጽበዮ አይኮንካ የስምዕ ስለዚ ዘረባ ቀይር ይብሎ።

ጴጥሮስ ብሓጺሩ እዚ አብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ዘሎ ሰብአይ እቲ ንብዙሕ ዘመናት ዝተጸበይዎ ናይ አይሁድ መድኃኒ እዩ ብምባሉ ቅጽበታዊ ለውጢ አብ ርድኢት አርድእቱ ከም ዝተራእየ የገልጸልና።

ኢየሱስ መንምኻኑ ምስ ተገልጸ ንሓደ ከይነግሩ የጠንቅቖም እዚ ዝኾነ ርድእት እቲ ህዝቢ ጌና ድሑር ስለ ዝነበረ እዩ። ንሳቶም ከም ሓደ ፖሎቲካዊ መራሒ እዮም ዝርእዮ ነሮም፥ ካብ ግዝአት ሮማውያን ነጻ ዘውጽኦም እዮም ዝደልዩ ዝነበሩ።

አስዕብ አቢሉ ሕማማቱ ሞቱ ክነግሮም ምስ ጀመረ “ወድ ሰብ ብዙኅ መከራ ኺጸግብ ብዓበይትን ብሊቃነ ካህናትን ብመማህራን ሕግን ክንዓቕን ክቕተልን ብሣልሳይ መዓልቲ ክትንሥእ ግድን እዩ” ምስ በሎም ነገራት ተቐይሩ። አብዚ ሉቃስ ከም ዝጠቕሶ ንመጀመርያ ጊዜ ኢየሱስ ንርእሱ “ወዲ ሰብ” ክብል ንሰምዖ። አብ አርባዕቲኦም ወንጌላውያን 81 ጊዜ ተባሂሉ ንረኽቦ ኩሉ ኸአ ብኢየሱስ እዩ ተባሂሉ። አብ ዳንኤል (7፡13~13) ወድ ሰብ ዝብል ከም ሰማያዊ ነገር ብአምላኽ ኩሉ ጸጋ ሓይሊ ዝተዋህቦ ገሩ እዩ ዘቕርቦ። ኢየሱስ ብመሲሓዊ ርድኢት እዩ ዝጥቀመሉ።

ካብ ማቴ~ማር ከም እንርእዮ ጴጥሮስ ብፍላይ ከም ካልኦት ሓዋርያት ነዚ ምስ ሰምዑ ብሓቂ ሰንቢዶ አይተቐበልዎን። ኩሉ እዚ ተጻይ ዝነበሮም ትጽቢቶም እዩ። አብ መምህሮም እዚ ክወርድ አይደልይዎን አይጽበይዎን። ንሓዋርያት እዚ ብኽልተ ምኽንያት ትርጉም አይህብን እዩ፥


ማር ከም ዝብሎ እዚ ነቲ አብ መጻኢ ምስኡ ክህልዎም ዘለዎ ርክብ ንምግላጽ እዩ። አብዚ ከም መስሕ አለሊዮሞ ግን እንታይ ዓይነት መስሕ እዩ፥ ስለዚ እንታይ ዓይነት መስሕ ምዃኑን እንታ ከም ዝኸውንን ክምሃሩ አለዎም። ንሱ ከምይ ገሩ ንአኦም ጥራሕ ዘይኮነ አብ መሉእ ዓለም ዘሎ ሰብ ከድሕን ከም ዝመጸ ምርዳእ።

ንሕና እምብአር በዚ ጉዕዞ ክንጉዓዝ አሎና ዘሎና ናይ ኢየሱስ መንነት አፍልጦ ክነዕምቖ እሞ ንሱ ብስቓዩን ሞቱን ከም መስሕ ንመገዲ ድሕነትን ዕርቅን ጥራሕ አይኮነንን አርእዩና እንታይ ድአ ንሕና እውን መገዱ ክንምሃር ንመከራ ሓሊፍና አብ ትንሣኤን ሕይወትን ክንበጽሕ ክንጽዕር ከም ዘሎና። ስቓይ፥ሕማም፥ውድቀት፥ድኽመት፡ተስፋ ቝርጸት አብ ሕይወትና አብ ዝገጠመሉ እዋን ናይ ድሕነት ሥራሕ ርኢና ክንክእል አሎና። በዚ ዝስዕብ ከአ ክንምስክሮ ንኽእል፡


ኢየሱስ ሎሚ ክፍለጥ እንተኾነ አፍለጥቱ ንሕና ኢና፥ ዓለምና ፍልጠት ኢየሱስ ውሒድዋ ብኹሉ ክትልካዕ ርኤ ዘድልዮ ጉዳይ አይኮነን። አብ ገለ እዋን እናፈለጥና ከም ዘይንፈልጦ እንኾነሉ ጊዜ እውን አሎ። ገለ ኸአ ንኢየሱስ ፈሊጥናዮ እናበሉ ዘይንሱ ክቕርቡልና ለይትን መዓልቲን ናይ ሓሶት መለኸት ዝነፍሑ ሓርኮት ዝብሉ አለዉ። ዘጋጊ ውሑድ እይኮነን። ሎሚ እምብአር ኢየሱስ አብ ኩሉ ግላውን ሓባራውን ሕይወትና ቅርብ ኢሉ ንበይንና ወሲዱ ትፈልጠኒ ዘሎኻ አነ መን እየ እስከ ንገረኒ ይብለና አሎ።

አቦና አዳም ንአምላኽ ይፈልጦ ነሩ እዩ ወላ እንተ ዓለወ ማዕሪኡ ክኸውን ክብ ግዝአቱ ወጺኡ ነጻነቱ ካብ አምላኽ ክእውጅ ምድላዩ እዩ ሓጢአቱ። ሎሚ ጸጊሙ ዘሎ ወድሰብ ብቐትሩ ጸልሚትዎ መገዲ አምላኽ አጥፊኡ ብዘይ ኢየሱስ ምንባር ይሕሸኒ ክብል ምምራጹ እዩ። ሕልና ሰባት አልቦ አምላኽ መሊክዎ ክዕገርግር ዝርኤ ውሑድ አይኮነን። አምላኽ ዘይብሉ ዓዲ ክንሃንጽ ደፊርና ንጽዕር አሎና አምላኽ ደንጓዪ እምበር ርትዓኛ እዩ። ባዕልና ብዝፈጠርናዮ ነገር ናይ አምላኽ እንታይነት ክንክውል ዘይክአል እዩ።

እሞ እንታይ ንበል፥ እንታይ ንግበር፥ አብ ቅድሜኻ ቀሪበ እእመን አሎኹ ንስኻ አምላኸይ ፈጣሪኤይ ኩልንትናይ ኩሉ ንስኻ ዝሃብካኒ እዩ ብዘይካኻ ኩሉ ሓቀኛ ትርጉም የብሉን እሞ አባኻ ምለሰኒ ብርሃንካ ሂብካ ፍልጠትካ አሕድረለይ ከቢቡኒ ንዘሎ ዘዘንግዕ ባዕለይ ዝፈጠርክዎ ነገራት ኢምንትነቱ አለልየ አብ ክብርኻ መግለጺ ክጥቀመሉ ሓግዘኒ ንበሎ።

ኦእሙን አገልጋል አብ ውሑድ ተአሚንካ ኢኻ እሞ አብ ብዙሕ እሸመካ አሎኹ ክብለና እዩ። ናብ ማርያም ቀሪብና ንስኺ ብዝያዳ ንአምላኽ ዝቐረብኪ ኢኺ እሞ አሰርኪ እንኽተለሉ ጸጋ አውህብና እናበልና ንለምና።



ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.