Home Archivio
2010-09-25 15:25:56
ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሥርወ እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር
ናይ ኵላዊት ቤተ ክርትስያን ሥርወ እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ እቶም ናብ ካቶሊክ ቤት ክርስትያን ንኽምለሱ ዝሓቱ ምእመናንን ካህናትን ኣንግሊካዊት ቤተ ክርትያን
ብቐረባ ዝከታተልን ግቡዕ ናይ ቤተ ክርስትያን ትምህርቲ ብምቕራብ ምስ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብምሉእ ውህደት ክነብሩ ዝመርሕ ድርገት ብናይ ዋሽንግቶን ሊቀ ጳጳሳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዶናልድ ዉየርል ክምራሕ ከምዝወሰነ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ብፁዕ ኣቡነ ዉየርል ኣብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሥርወ እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ወኪል ክኾኑ ዝተውሃበ ውሳኔ ኣብ 2009 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 Anglicanorum Coetibus / ጉጅለ ኣንግሊካውያን ብዝብል ኣርእስቲ እቶም ምሉእ ብምሉእ ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ክምለሱ ዝውስኑ ምእመናንን ወይ ድማ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝምርሕሉ ሓዋርያዊ መምርሒ መሠረት ተልእኾኡ ዘካይድ ድርገት ክመርሑ ዝተመዙ ምዃኖም ዘመልክት ኢዩ።
በዚ መምርሒ መሠረት ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ዝርከቡ ናብ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ክምለሱ ዝሓቱ ምእመናን ወይ ድማ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብቐጥታ ምስ ናይ ዋሽንግቶን ሊቅ ጳጳሳት ክራኸቡ ኣለዎም ዝብል ኢዩ።
All the contents on this site are copyrighted ©.