2010-09-25 15:25:56

ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሥርወ እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር


ናይ ኵላዊት ቤተ ክርትስያን ሥርወ እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ እቶም ናብ ካቶሊክ ቤት ክርስትያን ንኽምለሱ ዝሓቱ ምእመናንን ካህናትን ኣንግሊካዊት ቤተ ክርትያን RealAudioMP3 ብቐረባ ዝከታተልን ግቡዕ ናይ ቤተ ክርስትያን ትምህርቲ ብምቕራብ ምስ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብምሉእ ውህደት ክነብሩ ዝመርሕ ድርገት ብናይ ዋሽንግቶን ሊቀ ጳጳሳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዶናልድ ዉየርል ክምራሕ ከምዝወሰነ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ብፁዕ ኣቡነ ዉየርል ኣብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሥርወ እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ወኪል ክኾኑ ዝተውሃበ ውሳኔ ኣብ 2009 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 Anglicanorum Coetibus / ጉጅለ ኣንግሊካውያን ብዝብል ኣርእስቲ እቶም ምሉእ ብምሉእ ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ክምለሱ ዝውስኑ ምእመናንን ወይ ድማ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝምርሕሉ ሓዋርያዊ መምርሒ መሠረት ተልእኾኡ ዘካይድ ድርገት ክመርሑ ዝተመዙ ምዃኖም ዘመልክት ኢዩ።

በዚ መምርሒ መሠረት ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ዝርከቡ ናብ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ክምለሱ ዝሓቱ ምእመናን ወይ ድማ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብቐጥታ ምስ ናይ ዋሽንግቶን ሊቅ ጳጳሳት ክራኸቡ ኣለዎም ዝብል ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.