2010-09-25 15:20:36

ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን፦ ዘይማዕርነት ሰላም የርሕቕ


ኣብ ኒውዮርክ ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዝተጠለብ ብዛዕባ እቲ ኣብ 2000 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ዝርኤ ድኽነት ብፍርቂ ንምንካይ ዘኽእል ተባሂሉ ዝተሓንጸጸ መደብ ልምዓት ከይድን ፍጻሜታቱን RealAudioMP3 ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሉ ኣብ ዘካይዶ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኻት መሪሖም ዝተሳተፉ ኣብቲ ጉባኤ ዘይማዕርነት፣ ሰላም ዘርሕቕን ጸረ ሰላም እውን ምዃኑ ዘረድእ ዓሚዩቕ ሓሳብ ዝዓሰሎ ዘረባ ዘስምዑ ጳጳሳዊ ናይ ፍትሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ቱርኩሶን፣ ድሕሪ ፍጻሜ እቲ ጉባኤ ናብ ቫቲካን እንክምለሱ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ኣብ ዘካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ንዝፈጸምዎ ተልእኾ እንክግምግሙ፣ ሕቶ ድኽነት ወትሩ ኅልው ኢዩ፣ ምዃናዊ ፍልልይ ዘሎን ዝህልውን ኢዩ፣ ከይህሉ ክትገብሮ ግን ዘይከኣል ኢዩ፣ እቲ ዘገድስ ሃብቲ ዓለም ኣብ ምጥቃሙን ምክፋሉን ዝርኤ ዘይፍትሓዊ ኣሰራርሓ፣ ድኻን ሃብታምን ሳልሳይ ዓለምን፣ ኣብ ምዕባለ ጎዳና ዝርከባ ሃገራትን ዝብልዎ ዝፈጠሮ ፈላላይ ሓጹርን ሰለይ እናበለ ኣብ ሥድራ ቤት ኅብረተሰብ ዝተኣታተዎ ዘሎ፣ ዓለም ኣብ ምጥቃሙን ምውናኑን ዝርኤ ዘይፍትሓዊ ኣሠራርሓ ዘስዕቦ ጸገም ከመይ ጌርካ ምውጋድ ዝብል ሓቶ ኢዩ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ ፍቕሪ ብሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም፣ ዓለማውነት ከይዲ ሓደ ቤተሰብ ከም ዝኾንና ገና ከይተረድኣናን ቤተሰብኣዊ መንፍስ ከየሓደርና ቀዲሙና ኢዩ ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፣ ኣሕዋትን ኣባላት ሓንቲ ሥድራ ቤት ኮይና ገና ኣብ ዘይንረኣኣየሉ ኣዋን ዝተበጽሔ ደረጃ ኢዩ። ሰላም ንምዕባለ መሠረት እንተድኣ ኮይኑ፣ እቲ ዘይማዕርነት ሰላም ንኽጎድል ኢዩ ዝድርኽ። ስለዚህ ኅላዌ ድኻታት ወትሩ ንሥድራ ቤት ዓለም ብድሆ ኢዩ። ንእንነብረሉ ዓለም ድኽነት ዘሕፍር ወይ ድማ ዕንቅፋት ኢዩ። እዚ እቲ ኣብ ዓለም ዝርኤ ዘይማዕርነት ንምውጋድ ከተባብዓና ይግባእ። እቲ ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዝተሓንጸጸ መደብ ልምዓት ሚለኒዩም፣ ነቲ ካብ ዓለምና ሰላም ዘርሕቕን ኣብ መንጎና ሰላም ንኸይህሉ ሥግኣት ዘሕድር ሕቶ ዘይማዕርነት መፍትሒ ንምንዳይ ዝፍትን መደብ ኢዩ።

ዘይማዕርነት ኣቲ ብዙሓት ቤቶምን ንብረቶምን ሃገሮምን ስድራ ቤቶምን ዛሕዚሖም ንኽስደዱ ዝድርኽ፣ እቶም ማኅበራዊ ሕቶ ዝበሃሉ ግርጭታትን ምዝውዋር ኣደንዛዚ ዕጸታውትን ኮታ ሰላም ዘርሕቑ ተግባራት ዝበሃሉን ካልኦት ሽግራት እውን ክህልዉን ክሰፍሑን ዝገበር ኢዩ። ምእንቲ’ዚ ኣብ ሥድራ ቤት ኅብረተሰብ ዝርኤ ዘሎ ዘይማዕርነት ምብዳህ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ድማ መሠረት ሰላምን ምዕባለን ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።

ብምቕጻል እቲ ኣብ ኔውዮርክ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ንመደብ ምዕባለ መሳለጢ ዝመደቦ 40 ሚሊያርድ ዶላር ትርጉሙ እንታይ ኢዩ ንዝብል ሕቶ ጳጳሳዊ ናይ ፍትሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊት ፍላሚያን ጆቫነሊ ብተራኤን እንክምልሳ፣ እዚ ውሳኔ’ዚ ኣብ ዓለም ዝርኤ ዋሕድን ጉድለትን ክንክን ጥዕና ኣብ ግምት ዝእትውን ብፍላይ ድማ ኣብተን ኣዚየን ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከባ 49 ሓገራት ዝምልከትን፣ ንመዳይ ክንክን ጥዕና ክውዕል ተባሂሉ ዝተመደበ ኢዩ። ስለዚህ፣ ጉዳይ ክንክን ጥዕና ሕጹጽ ጉዳይ ጌርካ ምሕሳቡ እወታዊ ኢዩ። እቲ ቐጺሉ ዝቕርብ ሕቶ ግን እቲ ዝተለገሰ ናይ ገንዘብ ሚዛን ከመይ ጌራክ ኢኻ ኣብ ግብሪ ተውዕሎ፣ ቀዳምነት ዝተውሃቦ ጉዳይ ናይ ኣዴታትን ዝውለዱ ሕጻናትን ክንክን ጥዕና ዝብል ኢዩ፣ ንኽንክን ጥዕና ኣዴታትን ዝውለዱ ሕጻናትን ሰናይ፣ እዚ መደብ’ዚ ግን ብንጹር እንታይ ማለት ኢዩ? ብዝሒ ውሉድ ንምቁጽጻር ዝብል ሕቡእ ተግባር ዘማላእ ድዩ? እዚ ድማ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ምዃኑ ሓቢረን ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ድኻታት ከፍርሑና የብሎም፣ ድኽነት ድኻታት ብምጥፋእ ዝውገድ ኣይኮነን፣ ስለዚህ ንድኻታት ዘይኮነስ ድኽነት ምውጋእ ኢዩ ዘድሊ ዝበልዎ ሓሳብ ዘኪረን፣ ዝኾነ ይዅን መደብ ምዕባለ ጸረ ሕይወት እንተድኣ ኮይኑ መደብ ልምዓት ዘይኮነስ መደብ ጥፍኣት ኢዩ ዝኸውን፣ እቲ ኣብ ድኻታት ሃገራት ዝርኤ ዓቢ ሽግር ናብ ምግባረ ብልሽው ዘሰጋግር ጉድለት ምሕደራ ረብሓ ሕዝብን ሃገርን ዘየማዕድው ኢዩ። ስለዚህ መጠን ሕዝቢ ምንካይ ዝብል ውሳኔ ከም ሓሳብ እውን ጸረ ሕይወት ኢዩ እንክብላ ዝሃበኦ ቃለ ምልልስ ደምደማ።








All the contents on this site are copyrighted ©.