2010-09-25 15:18:56

ሓጎስ ዝዓሰሎ ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ተመሃሮን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ልዕሊ 400 ዝግመቱ ተመሃሮ ጳጳሳዊ ቤት ትምህርቲ ጳውሎስ ሻድሻይን ተመሃሮ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ናይ ማኅበር ደናግል ፒየ ፊሊፒነ RealAudioMP3 ኣብ ካስተል ጋንደልፎ ተቐቢሉም መሪሕ ቃል ከምዝሃቡ ሓጎስ ዝዓስሎ ርክብ ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተውሃበ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ነቶም ተመሃሮ ኣብ ዘቕረብዎ ምዕዳን፦ ኣገዳስነትን ጥቅምን ቤት ትምህርቲ ግንዛቤና ከነዕቢ ፍልጠት እንቐስመሉን ምስ ካልኦት እንራኸበሉን ብፍላይ ድማ ቃል ኣምላኽ እነንብበሉ ቤት ሕንጸት ኢዩ ኢሎም።

ቅድሚ 77 ዓመት ኣብታ ዝተወለዱላ ኣብ ጀርመን ኣትርከብ 300 ተቐማጦ ኣብ ዝነበርዋ ንእሽተይ ቍሸት መባእታዊ ትምህርቶም ዝጀመርሉ ዓመት ዘኪሮም፣ እቲ ኣዚዩ ኣድላዪ ዝኾነን ብፍላይ ድማ ምንባብን ምጽሓፍን ዝተመሃርናሉ ኢዩ፣ ምንባብን ምጽሓፍን ምኽኣል ናይ ካልኦት ሓሳብ ንርድኣሉን፣ ጋዜጣታትን ዝተደርሱ መጻሕፍቲ ከንንብብ ንጅምረሉ ናይ ጥንትን እዋናውን ብፍላይ ድማ ናይ ዓለምና መንፈሳዊ ኣምር ንኽንርዳእን ክንራኸበሉን ሓሳብ ንሓሳብ ክንለዋወጠሉ ዘብቅዓና ቤት ኢዩ።

እቲ ኣዚዩ ዘደንቕ እግዚኣብሔር ንኣና ክዛረበናን ብቓል ኣምላኽ ዝጽሕፉ ሰባት ገይሩ ንዓና ዝጸሓፎ መጽሓፍ፣ ንኣኡ ክንፈልጥን ንኣና ዝብለና ከነለልን ምኽኣል ኢዩ። ቤት ትምህርቲ ንሕይወትና ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት እንመሃረሉ ኢዩ። እግዚኣብሔር ምፍላጥ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምፍላጥ እዚ ድማ ከመይ ጌርና ብብቕዓትን ብሓጎስን ክንነብር ይድግፈና ኢሎም። ብምቕጻል እቲ ዓቢይ ሥድራ ቤት ክንምሥርት ዝሕግዘና ትርጉም ብጻይነት እንርዳኣሉን፣ መሓዙትን የዕሩኽን እነጥርየሉን ብፍላይ ድማ እቲ ዝዓበየ ክንረኽቦን ክንፈልጦን ዝግብኣና እቲ መገዲ ሕይወት ዝኾነ ብሓቂ ዝሕብረና ዓርኪ ዅሉ ዝኾነ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንረኽበሉ ሥፍራ ኢዩ ኢሎም። ቀጺሎም እቶም ተመሃሮን መምሃራንን ነቲ ዝተዓደሎም ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ብምዉቕ ጣቕዒት ድሕሪ ምስጋን፣ ቅዱስነቶም ነቶም ተመሃሮን መምሃራንን ቡራኼ ሂቦም ከምዘፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.