2010-09-23 14:55:51

ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንምርጫ ሕይወት መሠረት ኢዩ


ኣገልጋሊት እግዚኣብሔር ኪያራ ባዳኖ ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ሊጉሪያ ኣብ እትርከብ ከተማ ሳሰሎ ብ 1971 ዓ.ም. ዝተወልደት ክርስትያናዊ መዕበያ ዝተዓደለትን ወንጌል ብሓቅን ብፍቕርን RealAudioMP3 ኣብ ምንባሩ ዝተገሄት ኣብ መበል 19 ዓመት ዕድሜኣ ብዘጓነፋ ሕማም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፍለየት ገና ተመሃሪትን ኣፍቃሪት ስፖርትን እንከላ ናይቲ ብኪራያ ሉቢክ ዝተመሥረት ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ኣፍቅሮተ ዘቤት ኣባል ብምዃን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ወንጌልን መሪሕ ሕይወታ ገይራ ገዛእ ርእሳ ብሓይሊ ቅዱስ መንፈስ ንኽልወጥ ዝፈቀደት ኣብነት ምርጫ ሕይወት ክርስትና ንምዃን ዝበቕዔት ኢያ።

እዛ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳም ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣብቲ መለኮታዊ ፍቕሪ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማርያማዊ ቅዱስ ሥፍራ እንተ ላእለ ኵሉ ብፅዕና ክትእውጀላ ምዃኑ እንክፍለጥ፣ ብዛዕባ እዚ ውሳኔ ቤተ ክርስትያንን ብዛባ እዛ ኣገልጋሊት እግዚኣብሄር ወለዳ ተረዛ ባዳኖን ሩጀሮ ባዳኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኪያራ እቲ ቤተሰብ ምሉእ ክኸውን ካብ እግዚኣብሔር ዝተዓደለት ጸጋ ኮይና ድሕሪ ብዙሕ ሃረርታ ዝተረኽበት ውላድ ከምዝኾነት ገሊጾም፣ ካብኦም ዝተወልደት ጥራሕ ዘይኮነት ጓል እቲ ልዑል ፈጣሪ ምዃና ብምርዳእ ምርጫ ነጻነታ ብምኽባር ዘዕበይዋ ምዃና ሓቢሮም፣ ብዙሓት እዛ ጓልኵም ናይዚ ዓለም ኣይኮነትን ይብሉና እውን ኔሮም ኢዮም እንክብላ ኣዲኣ ማሪያ ተረዛ ባዳኖ የመልክታ።

ብመንፈስ ክርስትና ኮስኲይሶም ከምዘዕበይዋን ምድራውን ሰማያውን ኣቦ ከምዘለዋን ነቲ ሰማያዊ ኣቦኣ ድማ ብጸሎትን ብፍቕሪ ብጻይን ኣብ ብቅዱሳት ምሥጢራት ብምስታፍ ክትራኸቦ ከምእትኽእል ድማ ነረድኣ ኔርና ቢለን እንክሕብራ፣ ኣቦኣ ይብሉ፣ ቤተ ክርስትያን ናይ ክርስትና ሕይውት ኣብነት ኢያ ቢላ ብወግዒ ብፅዕቲ ክትብላን ዘቕረበቶ ናይ ውሳኔ ፍቓድ ልክዕ ከም ቅዱሳት ምሥጢራት ብቁሳዊ ዓይንን ኣእምሮን ክትርድኦ ዘይትኽእል ዓቢይ ምሥጢር ኢዩ። እዚ ዓቢይ ዕድል’ዚ ናይ ጻዕርና ውጽኢት ዘይኮነስ ካብ ኣምላኽ ዝወረደ ጸጋ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.