2010-09-23 15:02:05

ናይ ካቶሊክን ኦርቶዶክስን ናይ ሓባር ድርገት


ኣብ ኦስትሪያ ርእሰ ከተማ ቪየና ናይታ ከተማ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ክሮስቶፈር ሾንቦርን ብዘቕረብዎ እንገዳ ናይ ካቶሊክን ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሓባር ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት RealAudioMP3 ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ከምዝጀመረ ተገሊጹ።

እዚ መበል 12 ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ ቤተ ክርስትያን ኣብ ቀዳማይ ሚለኒዩም ጉዕዞ ናይ ሮማ ጳጳስ ተራ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘማእከለ ከምዝኾነ እንክንገር፣ ናይ ካቶሊክ ልኡካን ዝመርሑ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኩርት ኮች ክምዝኾኑ ክንገር እንከሎ፣ ነቶም ናይ ዝተፈላለያ ምሉእ ሉዓላዊ ሥልጣን ዘለወን ናይ ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስትያን ልኡካን ዝመርሑ ንናይ ውህደት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ኣብ ቤርጋሞ ሜትሮፖሊታ ዮአኒስ ዚዙላስ ከምዝኾኑ ተገሊጹ።

ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን መንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ቀዳማይነቱ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ መንጎ ካቶሊክን ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስትያን ሓደኣዊ ኣመለኻኽታ ንኽህሉ ሓቂኑ ዝተጀመረ ናይ ሓባር ዘተ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ካቶሊክን ናይ ዝተፈላለያ ልኡላውያን ናይ ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ቲዮሎጊያ ናይ ሓባር ድርገት ኣብ ዘካየድ ናይ ዘተ ፍጻሜ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ሓባር ሰነድ፣ ናይ ሮማ ሊቀ ጳጳሳት ብፍቕሪ መንፈስ ቀዳሜ ኩሎም ብፁዓንን ቅዱሳንን ፓትሪያርካትን ከምዝኾኑ የመልክት፣ እዚ ኣብ በርጋሞ ዝካየድ ዘሎ መበል 12 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ውህደት ኩለን ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሮማ ሊቃነ ጳጳሳት ተራ ንዝብል ሕቶ ብዓሚዩቕ ክመያየጠሉን ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.