2010-09-21 16:49:23

ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ፍጻሜ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ዘስመዖ ናይ መፈናዊ ዲስኩር


ቅዱስ አቦና ኣብዚ ታሪኻዊ ዝኾነ ወግዓዊ ምብጻሕ እዚ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዝቅመጡ 6 ሚልየን ካቶሊካውያን ምእመናን ተዛሪብኩም ግን ካብ 60 ሚልየን ንላዕሊ ብዝኾነ ናይዛ ሃገር ዜጋታትን ማእለያ ብዘይብሎም ናይ ምሉእ ዓለም ሕዝብን ተሰሚዕኩም፤ ከመይ ዘመሓላለክምዎ መል እኽቲ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስይትያን ጥራይ ዘይኮነ ንነፍስ ወከፍና ዝኾነ እምነት ንዝኽተልን ሃይማኖት ንዘይብሉን ኩሉ ተዛሪብኩም። እዚ ዘቅረብኩምልና ኣስተምህሮ ነፍሲ ወከፍና ሕልናና ክንክተል ዝ ዕድም ሓያል ብደሆ ኢዩ፤ በብማዕልቲኡ አየናይ ኢዮ መሰልና፧ ንርእስና ይኹን ንካልኦት እንታይ ክንገብር ንክእል፧ ኢልና ንርእስና ክንሓትት ከምዘሎና፤ ከማኡውን ካርዲናል ኒውማን ብዝሃብዎ ምስክርነት ዝለዓለ ትምህርቲ ናይ ሥራሕ ቦታ ንክትረክብ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሕይወት ከምዘድሊ ንስኹም እውን ነዙይ ኢኹም መስኪርኩም፤ ስለዚ ሓባራዊ ረቋሒ ናይ ኩልና ብምዃኑ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ጉዳይ ስለዝኾነ ኣብ ማእከል ሓዲስ ባህሊ ነዙይ ንምስራጽ መንግሥትና እውን ነዙይ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምሕናጽ ኢዩ ድሌቱ። ሃይማኖታውያን ዝኾኑ ኩሎም ምስ 30ሺሕ ዝኾኑ ሃማኖታዊ ናይ ግብረ ሠናይ ማኅበራት ብምዃን ናይዚ ባህልዚ ሓነጽቲ ኢዮም። ሃይማኖት ከኣ ቀንዲ ተዋሳኣይ ክፍሊ ሕንጸት ሃገርና ኢዩ፤ ወትሩ ከም ኡ ነሩ ከማኡ ከኣ ኪኸውን ኢዩ። እምነት ብሓገግቲ ኣካል ዝፍታሕ ጸገም ኣይኮነን እንታይ ደኣ ናይ ሃገራዊ ጒዕዞና ክፍሊ ኢዩ።

ኩላትና ብግድን ሓደ ሃይማኖት ዘይምኽታልና ወይ ኸኣ ንኩሉ ሃይማኖት ክነጠቃልል ዘምፍታና ዕድለኛታት ኢና፤ ከመይ ከምቲ ንስኹም ዝበልኩምዎ ቀንዲ ሕቶ ንር እስና ከመይ ጌርና ኢና ንርእያ ንካልኦትከ ከመይ ንርእዮም ኢዩ።

ሃገር ምሉእ ብዛዕባ እዚ ነገር ከምዝሓስብ ገርኩሞ፤ እዚ ከኣ ኣዎንታዊ ጥራሕ ኢዩ ኪኸውን ዚኽ እል፡ ከመይ ንሓባራዊ ጥቅሚ ዝቀርብ ጻውዒት ብኹሉ ቅቡል ኢዩ፤ ነፍሲ ወከፍና ሥድራና ማኅበረሰና ነንሕድሕድና ክንተሓጋገዝ ግዱዳት ኢና፤

ብርግጽ ግዴታትናን ግቡእናን ክንዮ ዶባትና ክሓልፍ ክኽ እል ኣለዎ፤ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ትማሊ ርክብናን ወከልትና ኣብ ዝገበርዎ ክት ዕን ኣብ መንጎ እዛ ሃገርን ቅድስት መንበርን ሓባራዊ መርገጺ ኣብ ዘሎና ዓለም ለኸ ጉዳያት ሓደ ምትሕብባር ክንሓንጽ ወሲና፤ ንምጥቃስ ንኩሉ ዘሻቅል ዘሎ ናይ ኣከባቢ ለውጢ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ምፍጣር ንናይ ዓለም ምሉእ ሰላም ምስራሕ ንድኽነትን ሕማምን ምቅላስ ምር ኣይ ይከኣል።

ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ወላውን ኣብዚ ግዜ ቊጠባዊ ቅልውላው ነቶም ዝደኸዩ ምሕጋዝ ክንቅጽሎ ኣሎና፤ ኣብዚ ግዜ እዚ መንጎ ሃብታማን ድኻታትን ተፈጢሩ ዘሎ ዓቢ ጋግ ዓለምና ንኽትነብረላ ኣስጋኢት ገርዋ ኣሎ። በዚ ኸስ እዛ ዓዲ እዚኣ ነቲ ክትሕግዝ ኣትያቶ ዘላ ቃል ክትሕሉ ካል ኦት ሃገራት እውን ነቲ ዝ ኣተዎኦ ቃል ንኽሕልዋ ዝከኣላ ከተበርክት ኢያ። አብ ፓኪስታን ምዕልቅላቅ ማይ ኣብ ዝተኸስተሉ ግዜ ዝተራእየ ቅጽበታዊ ናይ ሕብረት መንፈስን ምርርዳእን ገና እቲ ርኅራኄ ኣብ ቦታኡ ከምዘሎ ይገልጽ።

እዚ ምድንጋጽ እዚ አብ ናይ ግሊ ሕይወተይ ንዕሽተይ ጓለይ ኣብ ዝተወልደትሉን ኣቦይ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ኣብ ዝሰገረሉን ዝተቀበልክዎ ልባዊ መል እኽታት ርኢየዮ።

ንሓባራዊ ጥቅሚ ጽጉማት ንምሥራሕ እንተደኣ ወሲና ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ይኹን ኣብ ካልኦት ተሓባበርትና ማእከል ቅድስት መንበርን ዓባይ ብሪጣንያን ወትሩ ጥቡቅ ምትሕብባር ተስፋይ ኢዩ፤’ እንክብሉ ተስፋኦም ብምግላጽ ምስጋኖኦም ኣቅሪቦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.