2010-09-21 16:47:39

ቅዱስነቶም ምስ ጳጳሳት ዓዲ እንግሊዝን ወይልስን ስኮትላንድን


ቅዱስነቶም ምስ 50 ዝኾኑ ጳጳሳት ዓዲ እንግሊዝን ወይልስን ስኮትላንድን ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን ‘ገና ጽምኢ እግዚአብሔር ንዘለዋ መሬት ወንጌል እንደገና ኣበስሩ’ እንክብሉ ብዛዕባ ምስክርነት ወንጌል ኣብ ናይ ዘመንና ማኅበረሰብ ዓለም ብሰፊሑ ገሊጾም፤ ከማኡ እውን ነቲ ኣብዚ ግዝያት እዚ ንቤተ ክርስትያን ዘጸገመ ዓመጽ ትሕቲ ዕድመ መልሲ ቤተ ክርስትያን ቅልውላው ቊጠባ ምስ ኣንግሊካውያን ሓድነት ብዝምልከት ብሰፊሑ ተዛሪቦም።

እቲ ኣኼባ ዝተኻየደሉ ኣብ ኦስኮት ኮለጅ ናይ መርሚንግሃም ኢዩ፤ እዚ ቦታዚ ታሪኻዊ ቦታ ኢዩ፤ ድሕሪ ጸገም ምፍልላይ ቤተ ክርስትያን ዓባይ ብሪጣንያ ብ1852 ዓም ቀዳማይ ሲኖዶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብዚ ኢዩ ተኻዪዱ፤ ካርዲናል ኒውማን እውን ተሳቲፎሞ ነሮም።

ቅዱስነቶም ዕብየት ናይቲ ዕለት ብምዝካር ከምዚ ክብሉ ሰላምታኦም ኣቅሪቦ፤// ዝኸበርኩም ጳጳሳት ኣኅዋተይ፤ እዚ ዕለት እዚ ንካቶሊካውያን ናይዘን ደሴታት ናይ ዓቢይ ሓጎስ ዕለት ኢዩ፤ ከም ኣብነት ናይ ተባዕ ተኣማኒ ቅዱስ ወንጌልን ናይዛ ዝፈተዋን ዘገልገላን ናይዛ ዓዲ እዚኣ ቤተ ክርስትያን ኣማልድን ንብፁዕ ጆን ሄንሪ ኒውማን ኣብ መንበረ ታቦት ኣደዪብናዮ፤ ኣብዚ ሎሚ ተኣኪብናሉ ዘሎና ብ1852 ዓም ካርዲናል ኒውማን ንናይ ዓዲ እንግሊዝን ወይልስን ካቶሊካውያን ናይ ሓዲስ ተኣማንነትን ሓዲስ ሕይወትን ብሥራት ኣስሚዑ ድሕሪ ርብ ዒ ዘመን ከኣ ንእስኮላንድ እውን ሓዊሱ፤ ሎሚ ዝፈጸምናዮ ኣዋጅ ብፅዕናኡ ኸስ ካብ ምብራቅ ክሳብ ምዕራብ ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ ነቲ ብቀጻሊ ካብ ሕዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ ንቅድስና ዝጽውዕ ዘሎ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ብምዝካር ንክብሪ ኣምላኽ ፍጹም ምስጋናን ክብርን ንምውፋይ ኢዩ። እንክብሉ ዕብየት ናይቲ እግዚአብሔር ዝ ዓደሎም ጸጋ ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ነቶም ብስም ጳጳሳት ሰላምታ ዘቅረቡሎም ድሕሪ ምምስጋን ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ ዳርጋ ኩሎም ጳጳሳት ንቪሲታ ኣድ ሊሚና ኣብ ሮማ ተረኺቦም ከምዝነበሩን በብሓደ ሰላም ከምዝበልዎምን ሽዑ ዝዘርዘሩሎም ጸገማት ግብረ ተልእኮ ዓለማውነት ዓብሊልዎ ኣብ ዘሎ ዓለምና ወንጌል ብሓዲሽ ንኽሰብኩ ከምዘተባብ ዕዎም ዘኪሮም፤ ነቲ ንሶም ዘዘንተውሎም ብ ዓይኖም ከምዝተ ዓዘቡ ክሳብ ክንደይ ብርቱዕ ጽምኢ ኣምላኽ ከምዘሎ ከምዝተገንዘቡ ብምግላጽ ጸዋዕታን ግደን ጳጳሳት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፤ ‘ነባሪ ማይ ሕይወት ቃል ወንጌል ንክተበስሩ ተመሪጽኩም፤ ተስፋኦም በናኒ ኣብ ዝኾነ ናይዚ ዓለም ነገራት እንከይኮነ ናይቲ ርግጸኛ ዝኾነ ክመጽእ ዘሎዎ ናይ ጐይታ ዓለም ክገብሩ ንም እመናን ኣተባብ ዑ፤ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ምስ ተስፋታቱ ንድኻን ጽጉምን ንሕሙምን ሽማገለን ነቲ ዘይተወልደ ዕሸልን ነቲ ዝተረሰዔን ክትሰብኩ እንከሎኹም ነቲ ሕይወት ዚህብ መልእኽቲ ወንጌል ብምልኣት ከተመሓላልፍዎ ሓደራ፤ ከምትዝክርዎ ኣብዚ ዚሓለፈ ግዜያት ነዘን ንነዊሕ እዋን ክርስትያን ኮይነን ዝጸንሓ ሃገራት ወንጌል እንደገና ብሓዲሽ ንምስባኽ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ቈይሙ ኣሎ፡ ኣብ ል ዕሊ እዚ ኸኣ ብዙሕ ሓደስቲ ምንቅስቃሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርትያን ኣብ ስብከተ ወንጌል ዓቢ ግደ ስለዘለወን ነዚ እውን ምልላይ የድሊ’ እንክብሉ ኣድላይነት ስብከተ ወንጌል ሕጹጽ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ድሕሪ ናይ ሮማ ርክብና ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኻየደ ፖሊቲካዊ ለውጢ ኣድህቦኡ ኣብ ቅልውላው ቊጠባ ገሩ፤ እዚ ቅልውላው እዚ ኣብ ግለሰባትን ሥድራ ቤታትን ዓቢ ጸገም ፈጢሩ ኣሎ፤ ሸቅሊ ኣልቦነት ሕማቅ ናይ ር እሰ ማል ወፍርን ኣብ ሕይወት ብዙሓት ሰባት የንጸላሉ ኣሎ፤ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣብቲ ልሙድ ልግሢ ካቶሊካውያን ዓባይ ብሪጣንያ ብም እማን ኣብ ጐድኒ ስ ኡናት ብምዃን ክትሕግዙ ሓደራ እብል፤ ትንቢታዊ ድምጺ ቤተ ክርስትያን ወርቱ ንድኻታትን ጽጉማታን ፍሉይ ቈላሕታ ንምግባር ይጽው ዕ፤ ናይ ዓዲ እንግሊዝን ወይልስን ጳጳሳት ‘ሓባራዊ ረብሓ ምምራጽ’ ኣብ ዝብል መል እኽቶም ኣብ ሕይወት ኅብረተሰብ ነዚ ጸጋ እዚ ከዕዝዙ ሓደራ ይብሉ፤ ናይ ሎሚ ኩነታት ነዚ ጻውዒት እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ጽቡቅ ኣጋጣሚ ይፈጥር፤ ከማኡ ከኣ ሕዝቢ ኣብ ዕለታዊ ናብራኦም ንዝዓዘዘ ሠናይ ተግባር ብምህንጣይ ክንዮ ን ኣይ ጥራይ ይጥ ዓመኒ ብምኻድ ጸጋ ዝመል ኦ ሞራላዊ ሕይወት ክነብሩ የተባብዕ፤” እንክብሉ ኣብዚ ህልው ኩነታት ቊጠባዊ ቅልውላው ኩሉ ግደኡ ከበርክት ጸዊዖም።

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ዘልዓልዎ ነጥቢ ጸገም ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ኢዩ፤ ‘ኣብዚ ኣዋርሕ እዚ ዓቢ ኣቃልቦ ተነቢሩሉ ዘሎ ንሞራላዊ ተኣማንነት መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ብጣዕሚ ዝሃሰየ ጉዳይ እቲ ብውሉደ ክህነት ኣብ ትሕቲ ዕድመ ዝተገብረ ዘሕፍር ጾታዊ ዓመጽ ኢዩ፤ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት እዚ ብዛዕባ ዘስ ዕቦ ብርቱ ዕ ቊስልን ሥቃይን ተዛሪበ፤ ካብቶም ግዳያት ጀሚርካ፤ ኣብ መንጎ ካህናትን ምእመናንን ካህናትን ኣቡናቶምን ሰበ ሥልጣን ቤተ ክርስትያንን ሓፋሽን ርክብ ኣጸልሚትዎ ኢዩ። ነዚ ንምፍዋስ ኣድማዒ ስጒምቲ ከምዝወሰድኩም እፈልጥ፤ ጉድለታትኩም ኣብ ቃል ዕ ወጺ እኩም ም እማንኩምን ንብድሕሪ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ከይድገም እትገብርዎ ጥንቃቀን ነቶም ዝተበደሉ ንምሕጋዝ እትገብርዎ ጻዕርን እውን እፈልጥ፤ ነዚ ሓጢኣት እዚ ንምኽሓስ ብትሕትናን ርሕራሔን ናብቶም ናይዚ ዓመጽ እዚ ግዳያት ምብጻሕን ምሕጋዝን ዝበልጽ እንታይ ኣሎ፤ ንናኣሽቱ ዘሎና ግዴታ ካብዚ ንንየው ክኸውን ኣይከልን፤ በዚ ዘጋጠመ ውድቀት ሰብኣዊ ድኻምነትና እናስተንተንና ቅርጥዋት መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ክንከውን እንተደኣ ኰና እንሰብኮን እንገብሮን ኣዋሃሂድና ሕይወትና ብትሕትናን ቅድስናን ክመልእ ኣለዎ፤ ብፁዕ ኒውማን ብ1829 ኣብ ዝሰበኾ ‘እግዚአብሔር ንካህናት ከም ሓጢኣተኛታት ድኻሞም ክፈልጡ ም እመናን ከኣ ክድንግጹሎም ጸጋ ኣብ ጸጋ ክህቦም ከኣ ም እንቲ ካህናት ክምህለሉ ንጸሊ’ ቢልዎ ዝነበረ በዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናተይ እግዚአብሔር ነዙይ ፍሉይ ጸጋ ዓዲሉ ሓዲስ ተወፋይነትን ጸዋዕታን ክህበኩም እምነ፤ ከምቲ ጐይታ ዝብሎ ኸኣ ኣብዚ ዓዲ ዓባይ ብሪጣንያ ዚሰርሑ መግልግልቲ መንግሥቲ ኣምላኽ ዝኾነ ዓየይቲ ክል እኽ እምነተይ ኢዩ፤ በዚ ኣጋጣሚ ምሳኹም ርክበይ ምስ ወዳእኩ ተማሃሮ ዘር ኣ ክህነት ዓዲ እንግሊዝን ወይልስን እስኮትላንድን ክረክብ ምዃነይ የሐጉሰኒ፤ ረኺበ ኣብ ግራት ኣምላኽ ንክሰርሑ ኣብ ዝሰናደውሉ ግዜ ወትሩ ም እንታኦም ከምዝጽሊ ከረጋግጸሎም ኢየ፤’ ብምባል ኣብዚ ዘሎናዮ ግዜ ክበድ ክህነትን ምስክርነቱን ድሕሪ ምግላጽ ክልተ ንኣቡናት ዝርእያ ነገራት ማለት ብዛዕባ ኣብዚ ቀረባ ተሓቲሙ ዝወጸ ናይ ሮማዊ መጽሓፈ ቅዳሴ ትርጉም ንክሳለጥ ብወገኖም ዝተገብረ ኣስተዋጽ ኦ ዓቢ ከምዝነበረ ብምዝካር ብጥንቃቄ ክጥቀመሉ ሓደራ ቢሎም፤ ካልኣይ ነጥቢ ከኣ ምስ ኣንግሊካውያን ዘሎዎም ርክብ ከመሓየሹ ኣብ ሓድነት ቤተ ክርስትያን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ዝምሕጸን ነበረ።

ኣብ መወዳእታ ንኩሎም በቲ ዝገበሩሎም ምውቅ ኣቀባብላ ብምምስጋን ርክቦም ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.