2010-09-21 17:00:08

ሰንበት ዘፍሬ 2010 (መስከረም 9 2003 ዓ.ም.)


መዝሙር፡ እኩት አንተ. . . . . . .

ንባባት፡ 1ጥሜ 1፡12~17 ያዕ 5፡1~10፤

ግ.ሓ. 19፡21~ፍ ሉቃስ 15፡1~32

ስብከት፡ምድርኒ ውሃበት ፍሬሃ፤ ወይባርከነ እግዚአብሔር አምላክነ፤ ወይባርከነ እግዚአብሔር።

እዋኑ እዋን ፍረ ብምዃኑ ምስማክ ናይ ሎሚ ሰንበት “እግዚአብሔር አምላኽ ይባረኽ ምድሪ ፍሬአ ትህበና አላ” እናበለ ናይ ኩሉ ውህበት ምንጪ አምላኽ ከምዝኾነ እሞ ክንመስግኖ ይምዕደና። አብ ምጅማር ዓመት ስለ ዘሎና ፍሉይ ተበግሶ አብ ኩሉ ሕይወትና ብፋልይ ከአ አብ እምነትናን ጉዕዞ ክርስትያናዊ ሕይወትናን አትክሮ ክንገብር የድልየና ነዚ ክሕግዘና ምእንቲ ናይ ሎሚ መንፈሳዊ መዝሙርና ከምዚ ይብል፡

“ኦ ጉይታ ንፍሬ ምድሪ ባርኽ ንክረምቲ ብበረኸትካ እትኸፍት ጉይታይ ከማኻ ዝበለ ጻድቕን መሓርን መን አሎ፤ እታ ጠምያ ነይራ ዝጸገበት ነፍሲ ካብ ሞት ድኂና ትባርኸካ አላ። አብ ሰማይ እትቕመጥ ብትሑታን እትባረኽ ምስጉን ኢኻ። ስምካ ንኡድ ክእለትካ ድማ ዓቢ እዩ። ንስኻ ኢኻ ንሰንበት ዕረፍቲ ጌርካ ዝሠራዕካን ንኹሉ ዝግብኦ ምግቢ ዝሃብካዮን” እናበለ ምስጋንኡ ብምግላጽ ንዘመነ ፍሬ ይዝክር።

ናይ ሎሚ ሰንበት ንባባትና ብሙልኦም ናይ አምላኽ እንታይነት ይገልጹልና። ብብሩህ ስእሊ ባዕልና ክንሓስቦ ብዘይንኽእል እንትርፎ ብቃላት ኢየሱስ እምበር ብምልአት ክንርድኦን ክንበጽሖን ዘይንኽእል ምሕረቱ ይገልጹልና። ናይ ኢየሱስ ተግባራት ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ይገልጹ። ንሱ ንሓጥአተኛታ ይቕበል ምኽንያቱ ክቕይሮም ምእንቲ።

ዕምቆት ንባባትና አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ተጠርኒፉ ንረኽቦ። ብሰለስተ አብነታት ገሩ ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን አብ ምምላስ ናይ ሓደ ሓጢአተኛ ዝግበር ብዓል ይገልጸልና። ሰለስቲኡ ምሳሌታት አብ ሓደ ዓላማ ዘተኮረ እዩ። እግዚአብሔር ንሓጢአተኛ ናብቲ አብ ፍቕሪ ዝተመስረተ ርክቡ ከመልስ ኩሉ ይገብር። ካብ ምሕረት አምላኽ ዝተገለለ የለን ስለዚ ሓጢአተኛታት እንተ ተነስሑን ተጣዕሱን ፍቝራት አምላኽ ክኾኑ ይክአል እዩ።

ምሳሌ ዝጠፍኤት በግዕ እቲ ጓሳ ክሳብ ክንደይ ክሳብ ዝረኽባ ከም ዝደልያ፥ ክሳብ ዝረኽባ ኸአ ካብ ምድላያ ከም ዘይዕርፍ እሞ ናብ ብጾታ ከም ዝሕውሳ ሽዑ ንጎረባብቱ አብ ሓጎሱ ከም ዝዕድሞም ይነግር። ከምኡ ሓንቲ ሰበይቲ ገንዘብ ዘጥፍኤት ክሳብ ትረኽቦ ከም ዘይተዕርፍ ምስ ረኸበቶ ከንደይ ከም ትሕጎስ ይነግር። አብ ክልቲኡ ምሳሌታት ንዝጠፍኤ ነገር ምስ ተረኽበ ክንደይ ሓጎስ ከም ዝኸውን ይንገልጽ።

ናይ በታኒ ወዲ ፍሉይ ትምህርቲ ዝህብ ምሳሌ እዩ። ነቲ ምሳሌ አተኲርና እንተ ረአናዮ ብዛዕባ አቦ እዩ ብዝያዳ ዝዛረብ። እቲቦ ነቲ ንእሽቶይ ወዱ ብዘይ ጸገም ካብ ገንዘቡ ብፍቓዱ ብጽሒቱ ይመቕሎ። እቲ ወዲ ንገንዘቡ ይብትኖ ምስ ዝሩጋትን ዓዋሉን የጥፍኦ። እዚ ኹሉ ገሩ እንከሎ እቲቦ ምምላሱን ነታ ዝወጸላ መገድን ይጥምት ወደይስ ተጣዒሱ ይምለሰኒዶ ይኸውን እናበለ ይጽበዮ። አይሓረቐን ነቲ ወዱ ወላ አይፈረድሉን። አብ መጨረሻ እቲ ውሉድ አብ ልቡ ምስ ተመልሰ እሞ ብሕፍረት ናብ ገዛ አብኡ ገጹ ምስ ተመልሰ ብናይ አብኡ ብርሑቕ እንከሎ ክቕበሎ ምምጽኡን ፍቕሩን ፍጹም ተገሪሙ። ካብ መይቱ ዝነበረ ናብ ሕይወት ዝተመልሰ ወደይ ዝበለጽ ነገር የለን እሞ ብዓል ንግበረሉ ይብል።

እዚ ምሳሌ ምስሊ ፍቕርን ሕድገት ሓጢአትን ዝገልጽ እዩ። ክትሓስቦ ከቢድ እዩ ሓደ ንገዛ አብኡ ዘዕነወ ተመሊሱ ኢልካ እሞ አብ ዝርጋን መስተን ዕውልናን ገንዘብካ ዘጥፍኤ ብዓል ክትገብረሉ አይስምዓካን። ንሱ እውን ክምለስ እንከሎ እንታይ ኮን እብሃል እናበለ ከምዚ ተቕባል ክግበረሉ እንከሎ እንታይ ይብል ይኸውን።ብዝኾነ እቲ ዝተጓነፎ ጸገም አብ ቤት አብኡ ከም ዝምለስ ገርዎ ከምኡ አብ ልቡ ክምለስ ሓጊዝዎ አብ ምቾት አብ ርካብ ከሎ ዘይረአዮ አብ ጠመት አብ ውርደት ምስ በጽሔ ፍቕሪ አብኡ ክርኢ ክኢሉ፥ ልዕሊ ኹሉ ግን እቲ አብ ገዛ አብኡ እንከሎ ዝነበሮ ፍቕሪ ንክምለስ ዓቢ ተስፋ ሂብዎ። እቲ ዓቢ ናይ ሓዉ ምምላስ አየሓጎሶን አብ ገዛ እንከሎ ናይ አብኡ መቐረትን ትርጉም አገልግሎቱን አይተረድኦን ምሰቦኻ ምዃን እንታይ ከም ዝኾነ ክበጽሖ አይከአለን። በቲ ናይ ሓዉ ምምላስ አይተሓጎሰን አብ አፍደገ ኮይኑ አብ ገዛ አብኡ ምእታው አብዩ ምኽንያቱ እቲ ሓጢአተኛ ሓዉ ስለ ዝተመልሰ። እዚ እውን ጠፊኡ እዩ አብ ገዛ እንከሎ መንፈስ ናይ ወዲ ገዛ አየስተማቐረን መስኪን ወላዲ ክልቲኦም ደቁ ጥፉአት እዮም ነሮም እዚ እውን አብ ቤት አብኡ ክአቱ ናይ አብኡ ልመና ደልዩ። አብኡ ወጺኡ ነቲ አብ ግዳም ኮይኑ ምእታው ናብ ቦታ ሓጎስ ዝአበየ ለሚንዎ። ብዙሕ ጊዜ አብ ቤት አምላኽ አሎና እናበልና ክንጠፍእ ንኽእል ኢና ስለዚ ምስትውዓል የድልየና።

ትሕዝቶን ትምህርትን ናይ እዚ ምሳሌታት ክንርዳእ ጽቡቕ እዩ። አብ ምጅማር ወንጌል አኽፈልቲ ቀረጽን ሓጢአተኛታትን ንኢየሱስ ይደልይዎን እንታይ ከም ዝብል ክሰምዑ ይስዕብዎን ከም ዝነበሩ ይነግረና። አብዚ ናይ ክልተ ጋንታ አንጻር ግን አብ ሓደ ቀሪቦም ንርኢ መራሕቲ ሃይማኖት ጻድቅን ንርእሶም ዝሓስቡን ብሞራል ውዱቓት ካብኦም ውጹአት ዝርአዩ ዝነብሩን ክልተ ዝተፈላለዩ ጋንታታት ብዝኾነ ዘይራኸቡ። ካልአይ ኢየሱስን እቲ ሓፋሽ ህዝብን ከምኡ አረማውያን ኩሎም ብዝተፈላለየ መገዲ ካብ ህዝቢ ርሒቖም ዝነብሩን አብ ቅድሚኡ ከምዝነበሩ ይነግረና። አብዚ ክልተ ትርጉም ዘለወን ቃላት ንርኢ “ይደልይዎ” “ይሰምዑን”። ናይ ቀደም ኩነታቶም ጠባዮም ብዘየገድስ ንኢየሱስ ይደልይዎ ነሮም ክሰምዕዎ ሃረር ይብሉ ነሮም እዚኦም ከአ ኩሎም ሓጢአተኛታት ነሮም ማለት አይኮነን። ሓጢአተኛ ዝብሃል ንኢየሱስ ካብ ምድላዩን ካብ ምስምዑን ዘቋረጸ ጥራሕ እዩ። ኢየሱስ ካብዞም አብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ንአኡ ዝደልዩ ክሰምዕዎ ዝደልዩ ካብኡ ክምሃሩ ዝደልዩ እዩ ርእዩ።

ፈሪሳውያን መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ላዕሊ ላዕሊ ጥራሕ ዝርእዩ አብ ደረጃ ሓጢአት ጥራሕ ገሮም ዝርእይዎም ሰባት ይርእዩ ነሮም። በዚ አብ ልዕሊ ኢየሱስ አግሮምሪሞም “እዚ ሰብ እዚ ንሓጢአተኛታት ይቕበል ምስኦም ይበልዕ እናበሉ አጝረምሪሞም። ነዚ ክረድኦም ነዘን ምሳሌታት አቕሪብሎም። መልእኽተን ከአ ንጹር እዩ፡ እግዚአብሔር ንኹልና የፍቅር ኩልና ናብኡ ክንምለስ ከአ ይደሊ። እንተ ተመልሱ ኸአ ዓቢ ብዓል ይግበረሎም።

አብዚ ክንጥንቀቖ ዘሎና ነገር አሎ እግዚአብሔር ዝገበርናዮ ብዘየገድስ ይምሕረና እዩ ኢልና ከይንሓስብ ከመይ እዚ ጌጋ አተሓሳስባ እዩ።

ምስ እግዚአብሔር አብ ዘሎና ርክብ ክልተ ነገር ፈሊና ክንፈልጥ ይግብአና። እቲ ቀዳማይ ነገር ፍቕሪ አምላኽ እዩ። ፍቕሪ አምላኽ ደረት ዘይብሉ እዩ። አነ እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃነይ ብዘየገድስ፥ ተጻይ አምላኽ፥ አንጻር ሰባት፥ እንታይ ገረ ብዘየገድስ ናይ እግዚአብሔር ፍቕሪ ንአይ ክደሊ ኩሉ ጊዜ ምሰቋመተ እዩ። አነ ጻድቕ ስለ ዝኾንኩ አይኮነን ዘፍቅረኒ፥ ሓጢአተኛ ብምኻነይ ከአ አጉዲሉ አይኮነን ዘፍቅረኒ። እግዚአብሔር ፍቕሪ እዩ ይብለና ቅዱስ ዮሓንስ። ኩልንትናኡ ብምልኡ አብ ፍቕሪ እዩ ዝርከብ። ቅዱስ ይኹን ሓጥእ አምላኽ ብማዕረ እዩ ዘፍቅረና። ብዙሕ ጊዜ አብ ሓጥአን ይዝንብል ምኽንያቱ ንሓኪም ሕሙማት እዮም ዝደልይዎ።

እንተኾነ ምሕረት እግዚአብሔር ካልእ እዩ። ደረት ዘይብሉ ክኸውን አይክአልን እዩ። ናይ በታኒ ወዲ ምሳሌ ነዚ ይገልጸልና። እቲ አቦ ነቲ ንእሽቶይ ወዱ ብጣዕሚ የፍቅሮ ክፉእ ገጽ ወላ አየርአዮን። ነዚ ኸአ ብርሑቕ ክመጽእ ምስ ረአዮ ክቀባበሎ ብምወጽኡ አርእይዎ። ግን እቲ ወዱ ባዕሉ ተጣዒሱ ብልቡ እንተ ዘይምለስ ወይ ክምለስ እንተዘይ ውስን እዚ ኹሉ ተሓድሶ ተቐይሮ አይምኾነን። እግዚአብሔር ክምሕረና ናትና እሽታን ምቕባልን የድሊ ሽዑ እግዚአብሔር ነቲ ናታትና ተበግሶ ብሕጉስ ገጽ ይቕበሎ። ዕርቂ ከይተገብረ ሓቀኛ ምሕረት የለን።እቲ ዝፈላልየና ቁስሊ ምጀመርያ ክሓዊ አለዎ። ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ ምሕረት እንተ ረኤና ምሕረት ብሓደ ወገን ጥራሕ ክትመጽእ ንሓስብ፥ ብእገል ብሓቂ ተዓንቂፈ እየ እንተኾነ ምሒረ አሎኹ ንብል፥ አንተኾነ እገለ ነዚ አነ ዝብሎ አይፈልጦን አይትፈልጦን ትኸውን በዚ ኸአ ስምዒታቱ/ታታ አይልወጥን። አብ ኑዛዜ ልክዕ ከምኡ ይመስል ርድኢትና እግዚአብሔር ጥራሕ ክምሕረና ንሓስብ እንተኾነ ኑዛዜ ንሽም አይኮናን ናይ ዕርቂ ምስጢር እንብሎ። አብ መንጎ አቦን ወድን ዝተኻየደ ዕርቂ አብዚ ምሳሌ እዚ እዩ። እቲ ወዲ ዓሚቕ ጣዕሳ ምስገበረ ናብ ቤት አብኡ ክምለስ ምስ ወሰነ ናብ ቤት አብኡ ጉዕዞ ጀሚሩ እታ ንነውሕ እዋን ተሓሪምዋ ዝነበረ መገዲ ገዝኦም ምስ ጀመረ ሽዑ ተስፋ ሓጎስ አብ ልቡ ጀሚሩ፥ አብ ጥቓ ገዛ ምስ በጽሐ አብኡ ወጺኡ ብፍቕሪ ምስ ሓቖፎ ምሕረቱ አረጋጊጹ። እዚ እዩ ክንገብሮ ዘሎና አብ መንበረ ኑዛዜ አብ አምላኽ ቀሪብና ሓጢአትና ክንሳሕ እንከሎና። ወይ ከአ ዝተበትከ ርክባት አብ መንጎ ሰባት ክዕረ እንተኾነ።

ሓንትስ ምስ አምላኽ ንተዓረቕ እምበር ልክዕ ከምቲ ንኡስ ውሉድ አምላኽ ክዕረቐና አየጸግምን እዩ። አብዚ “እንተ” ወይ “ግን” ዝብሃል የለን። ቅድመ ኮነት ወይ ዕቃቤታት ወይ መቕጻዕቲ ካሕሳ ዝግበር የለን። ደፊርካ ብሓጢአትካ ተነሲሕካ ምእታው ጥራሕ እዩ ዘድሊ።

ቅዱስ ጳውሎስ አብ ሕይወቱ ስለ ዝረአዮ ብዝያዳ የስተማቕሮ ካብ ኩሎም ዝኸፋእኩ አሳዳዲ ቤተክርስትያን ዝነበርኩ ብጸጋኡ ሓዋርያ ኮይነ እናበለ ነቲ ዝተዋህቦ ኩሉ ካብ አምላኽ ከም ዝኾነ ይገልጽ። አባይ ዝሰርሕ ዘሎ ክርስቶስ እዩ ይብል። ነቲ አምላኽ ዝሓረዮ ሕራይ ስለ ዝበለ ዝዓበየ ሓዋርያ ኮይኑ።

ከምቲ አምላኽ ናብኡ ገጽና ምስ ተበገስና ዝቕበለና ልክዕ ከምኡ ኸአ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ከምኡ ክንገብሮ አሎና። “ሓጢአትና ሕደገልና እናበልና እንጽልዮ ንሕና እውን ክንሓድግ ይግድደና። ክንምሓር ክንምሕር አሎና። ከምቲ አነ ፍጹም ዝኾንኩ ፍጹማት ኩኑ ይብለና። እዚ ኸአ እዩ እቲ ፍቕሪ። ከምቲ አምላኽ ብዘይ ቅድመ ኩነት ዘፍቅረኒ አነ ኸአ ብዘይ ቅድመ ኩነት ከፍቅር፥ ክምሕር፥ክዕረቕ ምስኩሉ አሎኒ።

አብዚ ፍጽምና አሎ። ከምቶም ፈሪሳውያን ሕጊ እናሓሎኻ ዘይኮነ አብ ፍቕሪ አምላኽ ተመስሪትካ ንዝበደለናን ንዝተበደልናዮን ብዓይኒ ምሕረት ምርአይ እሞ ምትዕራቕ። ንኻልኦት ብዘይ ቅድመ ኩነት ምፍቃር ማለት ጠባዮም ዝንባሌኦም አራእያኦም አባና ዘለዎም ብዘየገድስ ክንዕረቖም ክንምሕሮም ክነፍቅሮም ማለት እዩ። ከምኡ ክንዕረቕ ዝክአለና ክንገብር ብፍላይ ምስቶም ክፉእ አብ ልዕለና ዝገብሩ/ዝገበሩ።

ነዚ ክትገብር ቀሊል አይኮነን ዘይክአል ገን አይኮነን። እንታይ ክትከውን ትደሊ ኩሉ ጊዜ አብ ቂምታ አብ ዘይምምሓር አብ ሕነ ምፍዳይ ንሰብ ብሕሱም ጸሊእካ ምንባር? ወይስ ብአንጻሩ ካብዚ ኹሉ ተፈሊኻ አብ ሰላም ፍቕሪ ምርድዳእ ምንባር?መን ዝያዳ ዝሳቐ ይመስላካ እቲ ዝጸልእዶ ወይስ እቲ ዝተጸልኤ? እቲ ዝጸልአ እዩ ዝሳቐ።መገዲ መድሓኒና ክንክተል እንተ ኽአልና ንሱ እዩ እቲ ሓቂ ከምቲ በታኒ ወዲ በቲ ጽንኩር መገዲ ዝተማህርና ዘይኮና አብ ቤቱ ኮና ፍቕሩ ክንምሃር ንጽዓር ሽዑ ደቂ ቤት ክንከውን ኢና። አብ ቤት አምላኽ ምንባር ይሕሸኒ ንበል።



ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.