2010-09-21 15:58:03

መደብ ልምዓት ሕቡራት መንግሥታት ዓለም


ኣብ ኔው ዮርክ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ቤት ጽሕፈት ኣብ ዓለምና ዝርኤ ድኽነት ክሳብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ብፍርቂ ንምጉዳል ቢሉ ኣብ 2000 ዓ.ም. ሚለኒዩም RealAudioMP3 ብዝብል ኣእርእስቲ ዝሓንጸጾ መደብ ልምዓት ከይዲ ዝግምግም ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ትማሊ ከምዝተጀመረ ተሓቢሩ።

እዚ እቲ ከይዲ መደብ ልምዓት ዝትንትንን ዝጨበጦም ሸቶታት ዘጻርን ብኸመይ ክቅጽል ከምዘለዎን፣ እቲ ምሉእ ብምሉእ ንኸይረጋገጽ ዝዕንቅጾ ጉዳያት መምዩ እቲ ከይዲ ክኽተሎ ዝግባእ መገዲ ዝሕንጽጽ ጉባኤ ከምዝኾነ ክንገር እንከሎ፣ ብዛዕባ እዚ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይ መላእ ዓለም ናይ ወለንተይናታት ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ ሰርጆ ማረሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ መደብ ልምዓት ሚለኒዮም ከምቲ ዝተኣመቶን እቲ ክበጽሖም ተባሂሉ ዝሕሰብ ዝነበረ ሸቶ ይትረፍ ዶ ክበጽሖም እቲ ኣተገባብሩኡ ኣውን ዝሑል ኢዩ ቢሎም፣ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ኣብቲ መደብ ልምዓት ክብጽሑ ተባሂሎም ካብ ዝተሓንጸጹ መደባት ናይ ልምዓት ሓደ መሃይማነት ምውጋድን መባእታዊ ትምህርቲ ምስፋሕ ዝብል፣ ካብ ኣፍሪቃ ጀሚርካ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ዓለም ምምሕያሽ ኣርኢዩ ኢዩ ክበሃል ይከኣል፣ ኣተኾነ ግን እዚ ናይ መባትእታ ትምህርቲ ምስፋሕ ዝብል ክፍሊ መደብ ልምዓት ምሉእ ብምሉእ ኣየተፈጸመን። ምእንቲ’ዚ እቲ መደብ ልምዓት ሚለኒዩም ኣብ ሽቶ ብምብጻሕ እተን ኵለን ኣብ መደብ ልምዓት ዝዋስኣ ዓለም ሓቆፍን ሓገራት ሓቆፍን ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ሙሉእ ብምሉእ ተሳትፎኤን ከሐይላ ይግባእ። ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ነቲ መደብ ልምዓት መሳለጢ ዝኸውን ኃይሊ ኤኮኖሚ እተን ደገፍ ኣቕረብቲ ሃብታማት ሃገራት ኣብ 2000 ዓ.ም. ዝኣተወኦ ቃል ክትግብርኦ ተባሂሉ ትጽቢት ዝተገበርሉ ደገፍን ረድኤትን ምሉእ ብምሉእ ኣይተኸብረን፣ እዚ ሓደ እቲ ነቲ መደብ ልምዓት ሚለኒዩም ንቕድሚት ንኸይስጉም ከምዝገብሮ ኣመልኪቶም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዝገበሩለን ሃብታማት ሃገራት ብተሓባበርቶም ብፁዓን ካርዲናላትን ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ብናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ፣ እቲ መደብ ልምዓት ሚለኒዩም ክትግበርን እተን ሃብታማት ሃገራት ንመካየዲ ልምዓት ዝኣወተዎ ናይ ኤኮኖሚ ደገፍ ከኽብራን ጻውዒት ከምዘቕረቡን፣ እዚ ድማ ብዓይኒ ግብረ ገብን ስነ ምግባርን ዓቢ ሓላፍነት ዘለዎ ከምዝኾነን ቃል ምዕባር ዓቢ ዕንቅፋት ከምዝኾነ ብምርዳእ፣ ንድኻታት ሃገራት ዝወሃብ ደገፍ ናይተን ድኻታት ሃገራት ልኡላዊ መደብ ልምዓት ዘኽብር ክኸውን ከምዘለዎን ወይ ድማ ነቲ ልኡላዊ መደብ ልምዓት ብዝበለጸ ንኽመሓየሽ ዘተባብዕ እምበር እተን ደገፍ ዘቕርባ ሃገራት እቲ ናይተን ድኻታት ሓገራት ከይዲ ልምዓት ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ናይ ኣስገዳድ መደብ ዘኸትል ክኸውን ከምዘይብሉ ከምእተተሕሳስብ እውን ዘኪሮም፣ እዚ ጉባኤ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዘቕርቦ ናይ ፍጻሜ ውሳኔ ኩለን ሃገራት ክፍርማሉ ቤተ ክርስያንን ቅድስቲ መንበርን ከምዘነቓቕሓ ድማ ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.