2010-09-21 15:53:15

ሕይወት ካርዲናል ብፁዕ ኔውማን፣ ምስቲ ተኸሲቱ ዘሎ ተዛማዲ ባህል ዘዛትይ ሜላን ዘተባብዕን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ፓ. በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ካብ ዕለት 16 መስከረም ክሳብ ዕለት 19 መስከረም 2010 ዓ.ም. ልቢ ንልቢ ብዝብል መርሕ ቃል ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ንብፁዕ RealAudioMP3 ካርዲናል ጆን ሄንሪ ኔውማን ብፅእና ድሕሪ ምእዋጅ ዛዚሞም ናብ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ከምእተመልሱ ክፍለጥ እንከሎ፣ ጳጳሳዊ ናይ ቤዳ ተቋም ኣመሓዳርን ናይ ብፅዕ ካርዲናል ኔውማን ሕይወት ታሪኽ ሊቅ፣ ብፁዕ ኣቡነ ሮደሪክ ስትራንጀ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ መንጎ እምነትን ስነ ፍልጠት ወይ ድማ ስነ ምርምርን ርክብን ዘተን ቀንዲ ናይ ብፁዕ ካርዲናል ኔውማን መሠረታዊ ሓሳብ ምዃኑ ኣብታ ናይ ስምምዕ ሰዋስዋዊ እትብል ድርሰቱ፣ ካልእ ንምልዋጥ ኣብ ዝብል ተልእኾ ነኸገልግል እንተድኣ ተመዲበ ልቡ ከይማረኽኩ ኣእምሮኡ ንምምራኽ ኣይሓስቦን ኢየ፣ ስለዚህ ብሓደ ግሩም ካብ ሓፈሻዊ መበገሲ ፍሉይ መደምደምታ ዘለዎ ምጉት መሠረት ክልወጥ ኣይፈቅድን፣ ዝበሎ ሓሳብ ብፁዕ ኣቡነ ስትራንጀ ጠቒሶም እዚ ናይ ብፁዕ ኔውማን ዓሚዩቕን ማእከላውን ሓሳብ ኢዩ። ንብዙሓት ሰባት ዝምስጥን ዝማርኽን ድማ ምኻኑ ገሊጾም፣ እዚ ድማ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኮር ኣድ ኮር ሎኵይቱር ማለት ልቢ ንልቢ ዝብል መርኅ ቃል ዝገልጾ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ንብፁዕ ኔውማን ሥርወ እምነት ውድዓዊ መልክዕ ወይ ድማ መዳይ ኣለዎ፣ ስለዚህ ብፁዕ ኔውማን፣ ተራ ልቢ ድማ ነቲ ትምህርቲ ሥርወ እምነት ውድዓዊ ትምህርቲ ምግባር ምዃኑ ኢዩ ዘስተምህር። ሥርወ እምነት ክመሓላለፍን ክንገርን ወይ ድማ ኣብኡ ዘማእከል ትምህርቲ ክቐርብ እንከሎ፣ ልቢ ዝትንክፍ ኮይኑ ክቐርብ ኣለዎ፣ ከምዚ እንተድኣ ኮይኑ ጥራሕ ኢዩ እቲ ብትምህርቲ መልክዕ ዝቐርብ ሥርወ እምነት ዘቕርቦ ምሥጢር ንሰባት ኣዚዩ ክውን ወይ ድማ ጭቡጥ ዝኸውን።

ቀጺሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንብፁዕ ካርዲናል ኔውማን ዝኣወጅዎ ብፅእና ካቶሊካውያን ምእመናን ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኵለን ኣቢያተ ክርስትያን ምእመናን እምነቶም ኣብ ማኅበርሰብ ንኽምስክሩ ዘተባብዕ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ኣብዚ ተዛማዲ ባህሊ ማለት ምእማንን ዘይምእማንን ኵሉ ሓደ ኢዩ፣ ናይ ሕይወት ክቡራት ዋጋታት ደረጃዊ ከይዲ የሎምን ክቡር ዋጋ ዝብልዎ የሎን ንዝብል እናሰፍሔ ንዝኸይድ ዘሎ ዓለማውነት ባህሊ ናይ ብፁዕ ኔውማን ናይ ኣምነት ኣብነትን ምስክርነትን ድርሰታትን ከመይ ጌርና ብሓሳብ ክንገጥሞን ምሳኡ ክንመያየጥ ክንብድሆን ዘኽእለና ብቑዕ ሞጎትን ሓሳብን የቕርበልና እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.