2010-09-21 15:56:27

ሕዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ ንናይ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ ዝርዳእን ዘስተዕልን ኢዩ


ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ሓላፍን ናይ ሬድዮ ቫቲካን ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዓባይ ብሪጣኑያ ዘካየድዎ መበል 17 ዓለም ለኻዊ RealAudioMP3 ሓዋርያዊ ዕደት ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃል ምልልስ፣ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ እወታዊ ከምዝነበረን ጠቒሶም፣ ብስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብስም እምነት ክርስትናን ዘመሓላለፍዎ መልእኽትን ዘቕረብዎ መሪሕ ቃልን ነቲ ብልቡ ጽን ክብል ንዝደሊ ሕዝቢ ከምዝበጽሔ ገሊጾም። እዚ ድማ ሕዝቢ ንቓልን መልእኽትን ቅዱስ ኣቦና ንምስማዕ ካብ ዝነበሮ ሃረርታ ዝምንጭን ዘርኣዮ ምቅርራባት ዝፈጠሮ ባይታ መሠረት ዝተመስከረ ሓቂ ኢዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ንሕዝቢ ዓባይ ብሪጣኒያን ንዝኣምኑን ኢኣማንያንን ናይ መንግሥትን ናይ ፖለቲካን ላዕለዎት ኣካላት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕትን ብፍቕርን ኣኽብሮትን ክብልዎ ዝደለይዎ ኢሎሞዎ ኢዮም። ዝተፈላለያ ማዕከናት መራኸቢ ብዙሃን ዳርጋ ኩለን ክበሃል እውን ይከኣል፣ ቅድሚ እቲ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምጅማሩ፣ ብዛዕባ እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ንዝተወሃቦ ኣሉታዊ ቅድመ ፍርዲ ዝተውሃበ ኅብረተሰብኣዊ እወታዊ መልስ ከምዝኾነን ነቲ ዝዘርግሖኦ ቅድመ ፍርድን ዝሃባሉ ኣሉታዊ ቅድመ ግምት ዘፍሸለ ኢዩ ኔሩ። ቅዱስነቶም ሓደ ውሩይ ናይ ስነ ጥበብ ሰብ ተዋሳኢ ኣይኮኑን ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ብባህርይኦምን በቲ ዘለዎም ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ሓላፍነቶምን ሕዝቢ ናይ እግዚኣብሔር ኣገልጋሊ ምዃኖም ክፍልጦምን በዘርኣይዎ ኣቀራርባን ብዘመሓላለፍዎ መልኽቶምን ብዝሃብዎ መሪሕ ቃሎም መስኪሮምዎ ኢዮም። ቅዱስ ኣቦና ዓቢይ መርምህር ጥራሕ ዝይኮኑስ ትሕትና ዝተመልኦምን ኣኽባርን ርትዓውን መስተውዓልን ናብ ካልኦት ብዓሚዩቕ ሰብኣውነት ዝቐርቡን ከምዝኾኑ ብሓቂ ኣብቲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምእተንጸባረቐን እቶም ኣሉታዊ ቅድመ ፍርዲ ዝህቡ ዝነበሩን ካልኦት እውን ብቐረባ ንኸረጋግጽዎ ዘብቕዔ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኢዩ ኔሩ ኢሎም።

ዳርጋ ናይ መላእ ዓለም መራኸቢ ብዙሃን ከበሃል ይከኣል፣ ከይዲ ሓዋርያዊ ብምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ብምክትታል ከም ዜና ጥራሕ ከይኮነ ናይ ምይይጥ ርእሰ ጉዳይ ገይረን እውን ከምዘቕረበኦን ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም፣ መራኸቢ ብዙሃን ንሰናይ ተልእኾ ክትጥቀመሉ እንተድኣ ደሊኻ ዝከኣል ኢዩ። ኣብ ቱርኪ ሓዋርያዊ ብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣብታ ሰማያዊት መስጊድ እትበሃል ናይ ምስልምና ሃይማኖት ቅዱሥ ሥፍራ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን መላእ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ብፍላይ ድማ ናይ ቴሌቪዥን ኣገልግሎት ብቐጥታ ተቐሪጹ ዝተመሓላለፈኦ ስእላዊ መራጋገጺ፣ ሰብኣዊ መንነትን ውልቃዊ ጠባዮም ማለት ኣኽባርን ፈታው ኩሉ ምዃኖም ከምዘንጸባረቐ ዘኪሮም፣ ከምኡ እውን ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ፍሽኽታኦምን ሕጉስ መንፈሶምን ዘቃልሔን መልእኽትታቶም ኣስተህሮታቶም እውን ኣብታ ሃገር እምነት ዘበራበረን ከምዝነበረ ድማ ገሊጾም። ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብተባህለን ካልኦት ብዝህብሉ ርእይቶ ዝተሰነየ ዘይኮነስ፣ ብቐጥታ ናብ እዝንን ልብን ማኅበርሰብብ ዓባይ ብሪጣኒያ ብማዕከናት ብቴሌቪዥን ከምእተመሓላለፈን ብመንግሥትን ብቤተሰብ ንጉሳንን ዝተገበረሎም ኣቀባብላን ዝቐረበሎም ኣኽብሮት ናይ ቅዱስ ኣቦና ዕብየት ናይቲ ዝተውሃቦም ናይ ኣገልግሎት ተልእኾ ዝምስክር ኢዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ናይ ኣስገዳድ ትእዛቅዝ ዘቕርቡ ዘይኮነስ ሓሳብ ዘቕርቡ ኢዮም። ናይ እምነትን ናይ ኣስተንትኖን ሓሳብ ብምቕራብ ሕዝቢ ካብዚ ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ተበጊሱ መገዱን ውሳኔኡን ከለልይን ከቕንዕን ዝነብረሉ ኩነት ክርዳእን ነቲ ኣብ ዓለም ተደቂኑ ዘሎ ናይ ሎሚ ፈተናን ናይ መጻእን ኣለልዩ ክገጥሞን ክሰግሮን ዘተባብዕን መገዲ ሓቂ ዝሕብርን ኢዩ።

እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘቕርብዎ ሓሳብ ልክዕ ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዘቕርበልና ናይ ምድሓን ጸዋዕታ ኢዩ። ስለዚ ዝዕድምን ዘተባብዕን እምነር ግድን ዝብል ናይ ትእዛዝ ቃል ኣይኮነን፣ እንተኾነ ግን ማኅበርሰብ ዓለም ዘጓንፎ ሽግራትን ቅልውላዋትን ሓደገይና ኵነትን፣ ኣለልዩን ከመይ ገይሩ ክገጥሞ ከምዘለዎ ብሓፈሻኡ ኣእምሮን ልብን ዘነቓቕሕን ኢዩ። ንምብዳሖም እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ሓሳብ የቕርቡ። ከድሊ እንከሎ ዘቕርብዎ ናይ መጠንቀቕታ ጻውዒት፣ ብዙሓት ከም ናይ መካትዕን ናይ ክርክርን ኣርእስቲ ገይሮም የቕርብዎ። እንተኾነ ግን እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘቕርብዎ መጠንቀቕታ ካብ ዓሚዩቕ ልብን ኣእምሮም ተስተንቲኑ ዝነቅል ናይ ፍቕሪ መንፈስ ዝዓሰሎ ጻውዒትን ምኽርን ኢዩ። ስለዚህ ናይ ቅዱስ ኣቦና መልኽቲ ንካቶሊክ ምእመናን ጥራሕ ዝምልከት ኢዩ ቢልካ ምውሳንን ምሕሳብ ጌጋ ኢዩ ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.